Friday , April 26 2024
People stand next to a burnt out petrol tanker that burst into flames when it overturned in western Kenya, (Photo by - / AFP)

ኬንያ፡ ናይ ነዳዲ ገንኢ ብምፍንጃሩ፡ 30 ሰባት ሞይቶም

ኣብታ ካብ ናይሮቢ ብሸነኽ ሰሜን ምዕራብ 200 ማይል ርሒቓ እትርከብ ማላንጋ ብዘጋጠመ ምፍንጃር ገንኢ፡ 30 ሰባት ከም ዝሞቱን 20 ዝኾኑ ድማ ከቢድ ኣካላዊ ቃጸሎ ከም ዘጓነፎም ተገሊጹ።

እቲ ገንኢ ምስ ተገምጠለ፡ ሰባት ነቲ ዝልሕዂ ዝነበረ ነዳዲ ክርእዩ እክብ ምስ በሉ ብዘይተፈልጠ ምኽንያት እቲ ባርዕ ከም እተኸስተ ተገሊጹ። ብርቱዕ ነትጒ ሰሚዕና ካብ ድቃስና ምስ ተበራበርና ዓብዪ ባርዕ ንሰማይ ክዓርግ ርእየ” ይብል ኣብ ጥቓ እቲ ሓደጋ ዝተኸስተሉ ቦታ ዝቕመጥ ጃክ ኦድሃይሞ።

ቊጽሪ መወትቲ፡ ክውስኽ ከም ዝኽእል ሰብመዚ ይገልጹ ኣለዉ። ዛጊት ሃለዋቶም ዘይፍለጥ ሰባት ምህላዎም ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ፡ በቲ ብርቱዕ ባርዕ ጨሪሶም እተቓጸሉ ሰባት ከይህልዉ ተወሳኺ መርመራ ከም ዘድሊ ንሓላፊ ፖሊስ እታ ከተማ ብምጥቃስ ሓቢሩ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com