Saturday , May 4 2024
Women farmers replant paddy saplings in their field at Tiuri village, in the Indian state of Uttar Pradesh, Saturday, July10, 2021. Agriculture is the main livelihood of more than 50 percent of India's population. Daily laborer who works in the fields earns approximately USD $1.8 a day. (AP Photo/Rajesh Kumar Singh) RKS107

ህንዳውያን: ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ናይ ምዝራብ ልማዲ: የብሎምን ተባሂሉ

ዝበዝሓ ኣብያተ ትምህርቲ ህንዲ: ዝኾነ ናይ ትምህርቲ ጾታ ፕሮግራም: ከም ዘይብለንን እዚ ጒዳይ ኣብ ወለዲ እውን ከም ዘይዝረበሉ ኣስልጣኒት ጒዳያት ጾታዊ ርክብ: ፓላቪ ባርንዌል: ምስ ወኪል ቢቢሲ ኣብ ዝገብረቶ ጻንሒት ገሊጻ።

ኣብ ጭው ዝበለ ዓቃባዊ ስድራቤት ዝዓበየት ፓላቪ: እዚ ባህሊ: ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ክትመራመርን መወዳእትኡ በዓልቲ ሞያ እዚ ስነፍልጠት ክትከውን ከም ዝደረኻን ትገልጽ።

ኣዲኣ: ኣብ ፈለማ ዓመታት ሓዳራ ምስ ካልእ ሰብኣይ ብዝሓደራ ብርቱዕ ኣካላዊ ስሕበት ጾታዊ ርክብ ኣኳ እንተፈጸመት ብጣዕሳ ተኾርምያ ነዚ ሚስጥር ንብዙሕ ዓመታት ክትሕዞ ትውስን። እንተኾነ ግና ብዛዕባ’ቲ ጒዳይ: ሰባት ብምፍላጦም: እቲ ሕሽዂሹኽ ከም ዘይተረፈን ገለ ኣዝማዶም “ንምዃኑ ወለድኺ ብሓደ ይድቅሱዶ” ክብሉ ይሓትዋ ምንባሮምን ትዝክር። ድሕሪ ግዜያት ኣቦኣ ነዲኣ ብዛዕባቲ ሚስጥር ሓቂ ክትነግሮ ከም ዝበድሃን ዝኾነ እንተኾነ ንሓዳሮም ከም ዘይጸልዎ ቃል ከም ዝኣተወላን ትገልጽ። እንተኾነ ግና ኣዲኣ ነቲ ሚስጥር ምስ ነገረቶ ሓዳሮም ምሉእ ብምሉእ ከም ዝዓነወ ትዝክር። በዚ ድማ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ብግልጺ ዘይምዝርራብ ሓዳር ክብትን ከም ዝኽእል ዓቢ ትምህርቲ ምርካባ ትሕብር።

ሓደ እዋን ብቚልዕነታ ኣብ ከብሒ መጻሕፍቲ ኣቦኣ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ዘዘንትዉ መጻሕፍቲ ተሓቢኦም ረኸበት። ኣብ ሓደ ካብዞም ዛንታታት ሓንቲ ህንዳዊት ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ክትፈልጥ ኣመና ትህንጠ ብምንባራ ኣብ መንደቕ ሰብ ሓዳር ኣጨምቲላ እትርእየላ ጩራ ትዂዕት ምንብራ ተዘንቱ። ቹምባን ዝብል ቃል ህንዲ: ትርጒሙ French kiss ምዃኑ ጸኒሐ እየ ተረዲአ።

ምኽንያቱ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ምዝራብ ነውሪ እዩ። ፍጹም ልሙድ ኣይኮነን።

ኣብ ህንዲ ዋላኳ ካብ 2018 ኣትሒዙ ጾታዊ ትምህርቲ ክወሃብ ካሪክለም ተቐሪጹ እንተነበረ: ልዕሊ ደርዘን ዝኾና ክልላት ህንዲ: ነዚ ከም ዝነጸጋኦ ትዝክር። ብመሰረት ጸብጻብ The Times India: ልዕሊ ፍርቂ ደቀንስትዮ ገጠራት ህንዲ: ወርሓዊ ጽግያት እንታይ ምዃኑን ብኸመይ ከም ዝኽሰትን ኣይፈልጣን እየን።

ብዘይካ’ዚ: ምስ ጾታዊ ርክብ ዝተሓሓዙ ገበናት ኣብ ህንዲ እናበዝሑ ምምጽኦም ዝፍለጥ እዩ። በዚ ድማ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ብናጻ መንፈስ ዝዝተየሉ መድረኽ ምድላው ኣዝዩ ወሳኒ ማሕበራዊ ፍታሕ ክኸውን ከም ዝኽእል ኣናበርሃለይ መጺኡስ ሕጂ ተዓጢቐ እሰርሓሉ ኣለኹ ክትብል ኣረዲኣ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com