Saturday , April 27 2024
People hold posters of slain Saudi journalist Jamal Khashoggi, (AP Photo/Emrah Gurel) XLP109

ኣመሪካ፡ ኣብ ጒዳይ ካሾግጂ፡ ምልምላም ኣርእያ ተባሂሉ

ቅድሚ ፕረዚደንት ምዃኑ፡ ብጒዳይ ቅትለት ኻሾግጂ፡ ንስዑዲ ዓረብ ዝዝልፍ ዝነበረን ብዛዕባ’ቲ ቅትለት ስለያዊ ጸብጻብ ክዳሎ ዝገብረን ጆ ባይደን፡ ድሕሪ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብቲ ጒዳይ ምልምላም የርኢ ምህላዉ ተገሊጹ።

ካብኡ ሓሊፉ ውን፡ ንሓው ናይቲ ብቕትለት ኻሾግጂ፡ ዝኸሶ ዝነበረ መሓመስ ሳልማን ዝኾነ ምክትል ሚኒስተር ምክልኻል ኻልድ ቢን ሳልማን ቐይሕ ምንጻፍ ዘርጊሕሉ ኣሎ። ምስሊ መስፍን መሓመድ ቢን ሳልማንን ስዑዲ ዓረብን ብሓፈሻ ዳግማይ ንምሕዳስ ኣብ ቤተ መንግስትን ዙርያኡን ዝተዋደደ ጻዕሪ ክካየድ ከም ዝጸንሐ ኣብ ላንደን ዝመደብሩ ትካል ሮያል ዩናይትድ ሰርቪስስ ዝሰርሕ ሚካኤል ስቲፈንስ ይገልጽ።

እዚ ማለት ግና መሓመድ ቢን ሳልማን ካብ ምዕራብ ምሉእ ምሕረት ረኺቡ ኣሎ ማለት ድዩ? ብፍጹም! ብፍላይ ድማ በተን ኣብ ትካላት ሰብኣዊ መስላትን UN ን ኣብ ጒዳይ ቅትለት ጋዜጠኛ ኻሾግጂን ፈጻሚኡ እዩ ዝበሃል መሓመድ ቢን ሳልማንን ተወሳኺ መርመራታት ምግባር ክቕጽላ እየን ክብል ጸብጻብ ቢቢሲ ይሕብር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com