Monday , May 20 2024

ስራሕን ቁጠባን

ምንቑልቛል ባጠራ ክሮነር ኣብ ዋጋታት የሕምልትን ፍረታትን ጽልዋ ይገብር ከምዘሎ ተሓቢሩ!!

ምንቊልቋል ዋጋ ክሮነርን ዋሕዲ ዘራእትን ንምንጋር ዋጋ ኣሕምልቲ ምኽንያት ኮይኑ ተባሂሉ። ብመሰረት ጸብጻባት ኣፍቶንብላዴት ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ሽወደን ናህሪ ዋጋ ኣሕምልቲ ተራእዩ ኣሎ። ገለ ካብዞም ምኽንያታት ምልዋጥ ክሊማን ቊጠባዊ ኲነታትን እዮም። እዞም ብሰብመዚ ስታቲስቲክስ ሽወደን እተሰነዱ ሓበሬታታት ከም ዘመልክትዎ ዝበዝሑ ኣሕምክቲ ናይ 12 ሚእታዊት ምውሳኽ ዋጋ ኣርእዮም ኣለዉ። ብኣንጻሩ ዋጋታት ገለ ቴክኖሎጅያዊ ኣቕሑ፡ ንኣብነት ኮምፕዩተራት ብ22 ሚእታዊት ምጒዳል …

Read More »

ሽወደናውያን ተመራመርቲ ንብቕዓት ክዳውንቲ ዝግምግም ሓድሽ ኣገባብ ንምፍታን ይዳለዉ!!

ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ቴክስተል ኣብ ዱካናት ንመሸጣ ዝቐርብ ክዳውንቲን ብቕዓቱን ዝምርምር ኣገባብ ከተኣታትዉ ምዃኖም ገሊጾም ኣለዉ። እዚ ኣገባብ ብዛዕባ መበቁል ክዳውንቲ ዝርዝር ሓበሬታ ዝህብ ኮይኑ ብስማርት ፎን ንኮድ ክዳውንቲ ዘንብብ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ብዙሓት ሰባት በዚ ኣገባብ ተሃንጥዮም ምህላዎም ተመራማሪት ክሪስቲና ጆንሰን ንሬድዮ ሽወደን ገሊጻ’ላ። መበቈል ስርሓትን ካልእን ሓበሬታ ክዳውንቲ ብኤለክትሮኒካዊ ኣገባብ ብምዕቋር ብዙሕ ዝርዝራት ንዓማዊል ምቕራብ ይከኣል እዩ። ብፍላይ ኣብ ቀረባ …

Read More »

ምንቊልቋልን ቅልውላውን ግሎባላዊ ፋይናንስ ንሽወደን እውን ክጸልዋ ይኽእል እዩ ተባሂሉ።

ዕዳጋ ብርኪ ሽወደን ካብ ረቡዕ ጀሚሩ ብናህሪ ምንቊልቋሉን እዚ ድማ ቀጺሉ ክስዕብ ንዝኽእል ምውዳቕ ዘመልክት እዩ ክብሉ ተዓዘብቲ ቊጠባ ትንታነኦም ሂቦም ኣለዉ። “እዚ ምውዳቕን ሓድሽ ፋይናንሳዊ ቅልውላውን ብፍላይ ነቶም ተነካእቲ ክፍላት ሕብረተሰብ ክጸሉ ይኽእል እዩ” ይብል ክኢላ ስነቚጠባ ተሌቪዥን ሽወደን ትሪንዝ ሮግኖድ። ፍርሂ ዓለምለኸ ቊጠባዊ ምውዳቕ ድሕሪ 2008 ዝተኸሰተ ቅልውላው ብባንክታት ዓለም ዝተወስዱ ስጒምቲታት ዝወለድዎም እዮም ከም ዝበሃል እቲ ጸብጻብ …

Read More »

መኽሰብ ባንካታት ሽወደን ካብ ናይ ልቓሕ ትሕጃ ምንቊልቋሉ ተገሊጹ።

ኣብ ካልኣይ ርብዒ ዓመት 2019 ወሰን ልቓሕ ትሕጃ ባንካታት ሽወደን ምንቊልቋሉን ዛጊት ግና ቅቡላት ተባሂሎም ከም ዝሕሰቡን ላዕለዋይ በዓልመዚ ፋይናንሳዊ ምቊጽጻር ገሊጹ። እዚ ወሰን ጃምላዊ መኽሰብ ባንካታት ትሕጃ ኣብ ካልኣይ ርብዓዊ ዓመት ካብ 1.46 ናብ 1.44 ሚእታዊት ምውራዱ እዩ ዝንገር ዘሎ። ወሰን መኽሰብ ኣብ ታሕሳስ 2017 ናብ 1.71 ክብ ምባሉን ካብኡ ንደሓር ግና ብዘገምታ ከንቈልቊል ምጽንሑ ይፍለጥ። ተዓዘብቲ ነዚ ምንቊልቋል …

Read More »

ፊንላንዳዊ ጒጅለ ስቶክማን ን ትካል ሊንደክስ(LINDEX) ክሸይጥ ይሰማማዕ!!

ፊንላንዳዊ ጒጅለ ስቶክማን ነቲ ኣብ ዮተበሪ ዝመደብሩ መኽዘን መሸጣ ኣልባሳት ሊንደክስ ክሸጦ መደብ ከም ዘለዎ ገሊጹ’ሎ። እዚ ኣብ ፍርቂ ዓመታዊ ጸብጻብ እቲ ጒጅለ ኣመልኪቱ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ እዩ ተገሊጹ። ኣብዚ ጋዜጣዊ ዋዕላ እቲ ጒጅለ “ኣማራጺ ስትራቴጂ” ኣብ ምእላሽ ከም ዝርከብ ኣፍኢሙ’ሎ። ኣብ መጀመርታ ፍርቂ ዓመትዚ ጒጅለ ሊነክስ ኣብ ምሕደራኡ ገለ ለውጢታት የተኣታቱ ምህላዉ ምግላጹ ዝዝከር እዩ። ብኻልእ ሸነኽ ሊንደክስ ኣብ …

Read More »

ሽወደን ብ ሓንቲ ካርድ ህዝባዊ መጓዓዝያ ኣብ ሙሉእ ሃገር ንምጥቃም መጽናዕቲ ጀሚራ!!

መንግስቲ ሽወደን ናይ ኲሎም ዓይነታት ህዝባዊ መጓዓዝያ መሸጣ ቲኬት ብዛዕባ ዝወሃሃደሉ ኣገባብ መጽናዕቲ ኣብ ምክያድ ከም ዝርከብ ገሊጹ’ሎ። ሚኒስተር ኣከባቢን ክሊማን ኢዛቤል ሎቪን ህሉው ኣገባብ መሸጣ ቲኬት ህዝባዊ መጓዓዝያ እቲ ቅኑዕ ሓበሬታ ንምርካብ ኣሸጋሪ ጌርዎ ምህላዉ ገሊጻ’ላ። ስለዚ ድማ ንዂሎም ኣዞም ህዝባዎ መጓዓዝያታት ብምውሃድ ንከባቢያዊ ጥዕና ዝምችእ ኣገባብ ምህናጽ ከድልየና እዩ” ኢላ። ምኒስተር ትሕተ ቕርጺ ቶማስ ኤነሮዝ ብወገኑ “ብህዝባዊ መጓዓዝያ …

Read More »

ዕዳጋ-ስራሕ ኣብ ሽወደን

ብኸመይ ኣብ ሃገር ሽወደን ከም ትሰርሕ ዝመርሑ፤ ብዙሓት ሕጊታትን ውዕላትን ኣለዉ። እዞም ኣብ መንጎ ወሃብ-ስራሕን ሰራሕተኛን ዘገልግሉ ሕጊታትን ስርዓታትን ድማ፤ ሕጊ-ስራሕ ይብሃሉ። ዕዳጋ-ስራሕ ክልተ ገጻት ዘለዎ፤ ብወሃብ-ስራሕን ብውድብ-ሰራሕኛታትን ዝቖመ እዩ። ሓደ ውድብ-ሰራሕተኛታት ዝበሃል፤ እቲ ንኹሎም ነቶም ማሕበር-ሰራሕተኛታት ናይ ተመሳሳሊ ጨንፈር-ስራሕ ዝሓቖፈ ውድብ እዩ። ወሃብ-ስራሕ ብዙሓት ንናይ መንግስታዊ፤ ኮሙናዊን ንግዳዊ-ክፋልን ሰራሕተኛታት ዚጥርንፋ፤ ናይ ወሃብቲ-ስራሕ ማሕበራት ኣለዋ። ማሕበር ወሃብቲ-ስራሕ ዚበሃል፤ ብዙሓት ወሃብቲ-ስራሕ …

Read More »

ፋብሪካ ባተሪ ሸለፍትዮ ኣሽሓት ሰባት ክቘጽሩ ምኻኖም ገሊጾም!!

ኣብ ከተማ ሸለፍትዮ ዝህነጽ ዘሎሓዱሽ ፈብሪካ ባተሪ ሽቅለት ኣልቦነት ኣብ ምንካይ ዓቢ ተራ ክህልዎ ሙዃኑ ተገሊጹ። እዚ ፋብሪካ ናይ መኻይን ባተሪ ዘፍሪ ኮይኑ ክሳብ ዓመተ 2023 ዘሎ ግዜ ክሳብ 2500 ዝበጽሑ ሰራሕተኛታት ክቘጽር ሙዃኑ ገሊጹ’ሎ። ነዚ ዝምልከት ድማ ኣብ መርበብ ሓበሬታን መራኸቢ ብዙሃን ምቚጻርን ምስልጣንን ሰራሕተኛታት (arbetsförmedlingen) ተዘርጊሑ ከምዘሎ ተሓቢሩ። በዓልመዚ ሽቕለት ማልሞ ኣብ መንጐ ወከልቲ ሰራሕተኛታትን ቈጸርትን ነሓሰ 19 …

Read More »

ኣብ በዓልመዚ ዕዮ (arbetsförmedlinge) እተራእየ ለውጢ ንዕድላት ሽቕለት ኣመና ከም ዝሃሰዮ ተገሊጹ!!

ሓደ ትንታነ ጋዜጣ ዳገንስ ኒሂተር ከም ዝገለጾ ኣብ በዓልመዚ ዕዮ እተራእየ ለውጢ ንዕድላት ሽቕለት ኣመና ሃስይዎ ኣሎ። በዚ ድም ብዙሓት ሰራሕተኛታቱን ጨንፈር ኣብያተ ጽሕፈታቱን ክሰናበቱን ጌሩ ኣሎ። በዚ ድማ ይብል እቲ ትንተና ኣብ ዕዳጋ ሽቕለት ዝነበረ ተሳትፎ ብ ኣስታት 30 ሚእታዊት ጐዲሉ’ሎ። ሓላፊት ምቚጻር ሰራሕተኛታት ክፍሊ ዕዮ ኢቫ ቤስትሉንድ ምቚራጽ ባጀት ኣብ ብዙሓት ኣገልግሎታት ገዚፍ ጽልዋ ምሕዳሩ ሓቢራ’ላ። በዚ ድማ …

Read More »

መጠን ቁጽሪ ትሑት ኣታዊ ዘለዎም ጥሮተኛታት ብዕጽፊ ይውስኽ!!

ትሑት ኣታዊ ወይ ድኻታት ዝኾኑን ብሓገዝ ዝነብሩ ጥሮተኛታት ኣብ ውሽጢ ምስ ዝሓለፍ 15 ዓመታት ብምንጽጻር ብዕጽፈ ከምዝወሰኸ ጸብጻባት ኢኮት (Ekot) ይሕብሩ። ኣብዛ ዝሓለፈት ወርሒ ጉንቦታ ጥራይ ቁጽሪ ድኻታት ጥሮተኛታት 25,000 ከምዝበጽሔ እዚ ጸብጻብ እንተገለጸ ብማእከል እስታትስቲክስ ሽውደን ተቀባልነት ከምዘይረኸበን እዚ ኣሃዝ ዝተጋነነ ሙኻኑን እቲ ቁጽሪ ኣስታት 17,000 ከምዝኾነን ይሕብር። ቀንዲ ምኽንያት ምውሳኽ እዚ ኣሃዝ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብዙሓት ብዕድመ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com