Tuesday , May 21 2024

ውህደት

ቀዳማይ ሚኒስተር ኦስትርያ ነበር፡ ካብ ፖለቲካዊ ንጥፈታት ተፋንዩ

ናይ ቀደም ቀዳማይ ሚኒስተር ኦስትርያ፡ ቻንስለር ሰባስቲያን ክሩዝ፡ ካብ መሪሕነት ሰልፉ ብገዛእ ፍቓዱ ከምዝተፋነወ ጋዜጣ Die Presse newspaper ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ሰባስቲያን ክሩዝ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ብሰንኪ ክሲ ብልሽውና፡ ካብ መዝነት ቻንስለር ከም ዝተፋነወ ይዝከር። ብመሰረት እታ ጋዜጣ፡ ሰባስትያን ክሩዝ፡ ካብ መሪሕነት ዓቃባዊ ሰልፉ ÖVP ን ካብ ኣባልነት ሃገራዊ ሽማግለን ክፋኖ ምዃኑ ንኣባላት ሰልፉ ከምዝሓበረ ገሊጻ። ሰባስትያን …

Read More »

ምሕደራ ሽወደን . . . 3ይ ክፋል . . . ብሓባር ምውሳን

ኣብቶም ኣብ ሰሙን ሓደ ግዜ ኣብ ዝጋብኡ (ዝሳለጡ) መንግስታዊ ዋዕላታት፡ መንግስቲ ኣብ ኩሎም መንግስታዊ ውሳኔታት ናይ ሓባር ውሳኔታት ይውስን። መንግስቲ ውሳኔ ንኽውስን፡ ብውሕዱ 5 ሚኒስተራት ክርከቡ ኣለዎም። እዞም ዕላውያንን ናይ መወዳእታን ዝኾኑ መንግስታዊ ውሳኔታት’ዚኦም ኣብ ስምምዕ ንኽበጽሑ ዝኽተሉዎ መስርሕ ነዊሕ ግዜ እዮ ዝወስድ። መብዛሕትኡ ግዜ ሓደ ናይ መንግስቲ ውሳኔ ዝትግበር ድሕሪ ዕላዊ ዝኾነ ናይ በዙሕ ኣዋርሕ ዕዮታት ስዒቡ እዩ። ሓደሓደ …

Read More »

ኣብ ዞባ ዮንሾፒን፡ ግዳያት ኦሚክሮ ምህላዎም ተረጋጊጹ

ሓደ ሰብ በዚ ሓድሽ ጅር ቫይረስ ዓሌት ዝኾነ ኦሚክሮን፡ ከም ዝተለኽፈ ተረጋጊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እቲ ውልቀ-ሰብ፡ ኣብ ሓንቲ ካብተን ብትካል ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን፡ ንኸይግየሸን መጠንቀቕታ ዝተዋህበለን ሃገራት በጺሑ ከምዝተመልሰ ዝፍለጥ እዩ። ይኹን እምበር፡ እቲ ግዳይ፡ ፎኮስቲ ምልክታት ሕማም ጥራይ ስለ ዘርኣየ፡ ሕክምናዊ ክንክን ኣየድልዮን`ዩ ተባሂሉ። ኣብ ወጻኢ ዓለምን ካልእ ክፍልታት ሽወደንን ቁጽሪ ግዳያት እና ወሰኸ ይኸይድ …

Read More »

ምሕደራ ሽወደን . . . ካልኣይ ክፋል . . . መንግስቲ ሽወደን ኣብ ተግባር (ምሕደራ ናይ መንግስቲ ሽወደን)

መንግስቲ ሽወደን፡ ንምዕባለ ናይ ሕብረተሰብ ዝጸልዉ ሕግታት ዝሕገጉሉን ዝማሓየሽሉን ኣገባብ ዝመርሕን ዘማሓድርን ወሳኒ ሓይሊ እዩ። ይኹን እምበር፡ ተጸዋዕነት ናይ መንግስቲ፡ ናብ ባይቶ ሽወደን ኮይኑ፡ ነቶም ዝነደፎም ፖሊሲታቱ ንኽትግብር፡ ናይ ግድን ድጋፍ ናይቲ ባይቶ የድልዮ። እቲ መንግስቲ ነዞም ዝስዕቡ ጉዳያት ሓዊሱ ነታ ሃገር የማሓድርን ይመርሕን፡ • ሕጊ-ተንከፍ ዝኾኑ እማመታት ናብቲ ፓርላማ የቕርብ • ብባይቶ ሽወደን ዝጸደቑ ውሳኔታት የተግብር • ብባይቶ ሽወደን …

Read More »

ደኒማርካውያን ቆልዑ ተኸቲቦም

ኣብዚ እዋን`ዚ፡ ሃገረ ደንማርክ፡ ነቶም ካብ 5 ክሳብ 11 ዓመት ዝዕድሚኦ ቆልዑ ኣንጻር ኮቪድ-19 ክታበት ክትህብ ጀሚራ። ሰንበት መዓልቲ እቶም ክታበት ዝህቡ ሰባት ነቶም ኣብቲ ሓዲሽ ናይ ዕላማ ጉጅለ ንዝርከቡ ዓበይቲ ቆልዑ ናይ መጀመርታ መድሃኒት ክታበት ከምዝሃቡ ተሓቢሩ። ኣብ ዞባ ዚላንድ፡ ንክታበት ዝኸውን ተወሳኺ ግዜ ተመዲቡ፡፡ ኣሳእል ናይ ኩዕሶ እግሪ ከዋኽብትን ደረፍቲ ቅዲ ፖፕ ዝኾኑ ድምጻውያንን ካኣ ኣብ ልዕሊ መናድቕ …

Read More »

እስራኤል፡ ብምኽንያት ሓድሽ ጅር፡ ኦሚክሮን፡ ወጻእተኛታት ናብ ሃገራ ከይኣትዉዋ ኣጊዳ

ብምኽንያት ምኽሳት ሓድሽ ጅር ቫይረስ ኮሮና፡ ኦሚክሮን፡ እስራኤል፡ ን 14 መዓልታት ወጻእተኛታት ናብታ ሃገር ከይኣትዉ ክትእግድ እያ። ብዘይካ’ዚ፡ እቲ ቫይረስ ናብ እስራኤል ከይኣቱ፡ ናይ ኮለላ ስርሒት ከተካይድ እያ ተባሂሉ’ሎ። እዚ እገዳ፡ ብካቢነ እታ ሃገር ብምሉእ ድምጺ ምስ ጸደቐ ካብ ዝቕጽል ሰንበት ኣትሒዙ ተግባራዊ ክኸውን እዩ ዝብል ትጽቢት ኣሎ። ኣብ እስራኤል፡ ዛጊት ሓደ ሰብ በዚ ሓደገኛ ለበዳ ጅር ኦሚክሮን፡ ተለኺፉ ምህላዉ …

Read More »

ኦስሎ፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኦሚክሮን ተራእዩ

ካብ 30 ክሳብ 40 ሰባት ዝኣኽሉ፡ ብለበዳ ቫይረስ ኦሚክሮን ተለኺፎም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ጸብጻባት መባእታዊ መርመራታት ገሊጾም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሮም። እዚ ኣብ ዞባ ፍሮግነር ዝተራእየ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኦሚክሮን፡ ብሰንኪ ሓደ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተመልሰ ገያሻይ፡ ክኸውን ከምዝኽእል እቲ ጸብጻብ ብምውሳኽ ሓቢሩ። እቲ ሰብ፡ ነቲ ብተቖጻጸርቲ ለበዳ ዝተመሓላለፈ መምርሒታት ተኸቲሉ ምንባሩ እኳ እንተተፈልጠ፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ቫይረስ ኦሚክሮን ኣብ …

Read More »

ኡጋንዳ: ኣብ ልዕሊ ዕጡቓት ADF: ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ተካይድ

ሰራዊት ኡጋንዳ ኣብ ልዕሊቲ ካብ ምብራቓዊ ክፋል ዴሞክራስያዊት ሪፓብሎክ ኮንጎ ዝንቀሳቐስ ዕጡቓት ጥምረት ዴሞክራስያዊ ሓይልታት ADF ዝተባህለ ጒጅለ ናይ ኣየርን ከቢድ ብረትን መጥቃዕቲ ምክያዱ ይግለጽ ኣሎ። እዚ ስርሒታት ይካየድ ምህላዉ ዝሓበረት ኣፈኛ ሓይልታት ምክልኻል ኡጋንዳ: ብርጋዴር ጀነራል ፍላቪያ ብዬክዋሶ: እያ። እዚ ስርሒት: ምስ መሻርኽቲና ዝኾነ መንግስቲ ኮንጎ ኢና ነካይዶ ዘሎና ዝበለት እታ ኣፈኛ: እቲ መጥቃዕቲ ብልክዕ ኣበየኖት ከባቢትታ ይካየድ ምህላዉ …

Read More »

ባርባዶስ: ሪፓብሊክ ኮይና

ባርባዶስ: ንንግስቲ ኤልሳቤጥ ካልአይቲ: ብወግዒ ካብ መሪሕነት ሃገር ብምእላይ ሪፓብሊክ ምዃና ኣዊጃላ። እዚ ወግዓዊ ስግግር ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር: ብሪጅታውን: ተጸንቢሉ’ሎ። ኣብዚ ፍርቂ ለይቲ እተፈጸመ መበል 55 ዓመት ናጽነትን ምስግጋር ሪፓብሊክነትን: ዳም ሳንድራ ሜዘን: ፕረሲደንት ናይታ ሃገር ክትከውን ቃለ መሓላ ፈጺማ’ላ። መስፍን ዌልስ ከምኡ’ውን ካብ ባርባዶስ እትውለድ ድምጻዊት ሪሃና ኣብቲ ጽምብል ከም እተሳተፉ ተፈሊጡ። ኣብቲ ኣጋጣሚ: መስፍን ዌልስ: ኣብ …

Read More »

ሰራሕተኛታት ባይቶ ኣውስትራልያ: ጾታዊ ምትንኻፋት ይወርደን ምህላዉ ተገሊጹ   

ሲሶ ዝኾና ሰራሕተኛታት ባይቶ ኣውስትራልያ: ጾታዊ ምትንኻፋት ከም ዝወርደን ሓደ ጸብጻብ ኣመልኪቱ። ኣባል ስታፍ ባይቶ ነበር: ብሪታኒ ሂጊንስ: ብመሳርሕታ ኣብ ቤት ጽሕፈት ሚኒስተር: ጾታዊ ዓመጽ ከም እተፈጸማ ድሕሪ ምግላጻ እዚ መርመራ ክግበር ልእኽቶ ከም እተዋህቦ እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ሓቢሩ’ሎ። ንሳ ዝወረዳ በደል ድሕሪ ምግላጻ: ኣብ ከተማ ካንቤራ: ዝካየድ ዘሎ ቀይዲ በተኽ ተግባራት: ዓቢ መዘራረቢ ጒዳይ ኮይኑ ምጽንሑ ዝፍለጥ እዩ። ጾታዊ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com