Friday , May 3 2024
Students from Norway who were on a field trip to South Africa wait to be tested for COVID-19 before boarding (AP Photo/Jerome Delay) XJD105

ኦስሎ፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኦሚክሮን ተራእዩ

ካብ 30 ክሳብ 40 ሰባት ዝኣኽሉ፡ ብለበዳ ቫይረስ ኦሚክሮን ተለኺፎም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ጸብጻባት መባእታዊ መርመራታት ገሊጾም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሮም።

እዚ ኣብ ዞባ ፍሮግነር ዝተራእየ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኦሚክሮን፡ ብሰንኪ ሓደ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተመልሰ ገያሻይ፡ ክኸውን ከምዝኽእል እቲ ጸብጻብ ብምውሳኽ ሓቢሩ። እቲ ሰብ፡ ነቲ ብተቖጻጸርቲ ለበዳ ዝተመሓላለፈ መምርሒታት ተኸቲሉ ምንባሩ እኳ እንተተፈልጠ፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ቫይረስ ኦሚክሮን ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ምስ ሰመዐ፡ ከምእንደገና ንኻልኣይ ግዜ መርመራ ከምዘካየደ ተገሊጹ። እዚ ሰብ፡ ብስራሕ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ምትእኽኻብ ኣጋጣሚ፡ ምስ 100 ዝበጽሑ ሰባት ተኣኪቡ ምንባሩን፡ ካብዚኣቶም ድማ ካብ 30 ክሳብ 40 ዝኾኑ ሰባት፡ ብቫይረስ ተለኺፎም ከምዘለዉ ተሓቢሩ።

ነዚ ኩነታት ምርኩስ ብምግባር ድማ፡ በዓል መዚ ጥዕና ኖርወይ፡ እዚ መልከፍቲ ብሰንኪ ቫይረስ ኦሚክሮን ዝሰዓበ ክኸውን ከምዝኽእል ሓቢሩ ኣሎ ክብትብ ሓኪም ተመሓላለፍቲ ሕማማት እቲ ዞባ ዝኾነት ቲና ራቭሎ ምስ VG ኣብ ዘካየደቶ ርክብ ገሊጻ።

ካብቶም ዝተለኽፉ ሰባት ዝተወስደ ቅምሶታት፡ ንዝያዳ መርመራ ተላኢኹ ኣሎ።

ሎሚ ረቡዕ፡ ኣብ ምምሕዳር ኦይጋርደን፡ ክልተ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተመልሱ ሰባት፡ ብሓድሽ ጅር ቫይረስ ኦሚክሮን ከምዝተለኽፉ ተገሊጹ። ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብመንገዲ ኣየር ኣቢሎም ናብ ጋርደርሞወን፡ ኖርወይ፡ ዝኣተዉ ክልተ ገያሾ፡ ኣወንታዊ ውጽኢት መርመራ ኮቪድ ስለዘርኣዩ፡ ኣብ ሆቴል ተወሺቦም ምህላዎም ተሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com