Monday , May 20 2024

ዜና

መንግስቲ ስራሕ ንዘይብሎም ስደተኛታት ኣመልክቱ ገለ ጠለባት ከቕርብ እዩ።

መንግስቲ ስራሕ ንዘይብሎም ስደተኛታት ኣመልኪቱ፥ ንጹር ምልከት ቋንቋ ሽወደን፡ ከምኡ’ውን ርእስኻ ምኽኣል ዝብሉ ጠለባት ከቕርብ ውጥን ከም ዘለዎ፡ ጋዜጣ “ዳገንስ ንሂተር” ገሊጻ። ምውህሃድ ስድራቤታት ኣብዞም ጠለባት ዝተሞርከሰ ክኸውን እዩ ክብል፥ ኣባል ሰልፊ ሊበራል ዝኾነ ሚኒስተር ሽቕለትን ምውህሃድን ጆሃን ፐርሾን፥ ነታ ጋዜጣ ሓቢሩ’ሎ። ሰባት ብኸመይ እዮም ኣብ ዕዳጋ ሽቕለት ሽወደን ዕዉታት ክኾኑ ዝኽእሉ ዝብል መርመራ ይካየድ ኣሎ ዝበለ እቲ ዜና፡ ፖሊሲ …

Read More »

ኣብ ሰንዓ–የመን–ብዘጋጠመ ጽቕቅጥ፥ ብውሑዱ 78 ሰባት ሞይቶም።

ኣብ ርእሰ ከተማ የመን–ሰንዓ–“ዘካ” ኣብ ዝዕደለሉ እዋን–ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ብሰንኪ ዘጋጠመ ጽቕቅጥ፥ ብውሑዱ 78 ሰባት ምሟቶም ሰብመዚ እታ ሃገር ገሊጾም። “ባብ የመን” ኣብ ዝተባህለ ቦታ፥ ብሰንኪ ጽቕቕጥ ሰባት ምንቅስቓስ ስኢኖም እናተጨነቑ፥ ኣማኢት ሰባት ከኣ ወዲቖም፡ ዘርኢ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ብ ተሌቪዥን እታ ሃገር ተዘርጊሑ’ሎ። ኣማኢት ሰባት ነዚ ብነፍሲወከፍ ክንዲ $9 ዝዋግኡ “ዘካ” ክቕበሉ፥ ናብ ቀጽሪ ቤት ትምህርቲ ብምእታዎም እዩ እዚ …

Read More »

መንግስቲ ኣብ ገለ ናይ ጽገና ኣገልግሎታት ወሰኽ ቀረጽ “ቫት” ይገብር።

መንግስቲ ኣብ ገለ ናይ ጽገና ኣገልግሎታት ቀረጽ “ቫት” ክውስኽ ምግባሩ ኣዘራራቢ ኮይኑ’ሎ። እዚ ን ጽገና ብሽክለታ፡ ሳእኒን ክዳውንቲን ዘጠቓልል ወሰኽ ቀረጽ ቫት ካብ ምጅማር እዚ ሒዝናዮ ዘሎና ወርሒ ካብ 6 ናብ 12% ክብ ክብል ተጌሩ’ሎ። እዚ ወሰኽ ቀረጽ ቫት ካብ ትጽቢታ ወጻኢ ምዃኑ ሰራሒት ጫማን ኣደመንበር “ማሕበር ሰራሕቲ ጫማ ሽወደን” ን ካሪና ኤነሮዝ ትገልጽ። ኣባል ሰልፊ ሞደራትናን ኣቦመንበር ኮሚተ ፋይናንሳዊ …

Read More »

ወቕቲ ስፕሪንግ (ጽድያ) ኣብ መብዛሕትኡ ክፋላት ሽወደን ምእታዉ ተገሊጹ።

ወቕቲ ስፕሪንግ (ጽድያ) ኣብ መብዛሕትኡ ክፋላት ሽወደን ምእታዉ ተገሊጹ። ርግጽ’ዩ፥ ጽድያ እንታይ ይመስል ዘለኻዮ ክፋል ሽወደን ይውስኖ እዩ። ኣብ ኖርበተን፡ ብለኪን፡ ሃርየዳለንን ሃላንድን ዘለዉ፥ ብርግጽ ኣብ ወቕቲ ጽድያ ምህላዎም ጭቡጥ ምልክታት ከም ዘሎ እዮም ዝዛረቡ። ክኢላታት ስነ-ክሊማ ሽወደን ብወገኖም፥ ናይ ባዕሎም መግለጺ ወቕቲ ጽድያ ኣለዎም። ኣብ እትነብረሉ ዞባ ንሾብዓተ ተኸታተልቲ መዓልታት ልዕሊ ባዶ ዲግሪ ሼልሰስ ሙቐት እንድሕር ተራእዩ–ብርግጽ ኣብ ወቕቲ …

Read More »

ሓይሊ ኣየር ሽወደን ኣብ “ኦሮራ 23” ልምምድ ይገብር ኣሎ።

ሰራዊት ሽወደን ንሃገሩ ካብ መጠነ ሰፊሕ ናይ ወጻኢ ወራር ንኽከላኸል፥ ብርቱዕ ሓይሊ ኣየርን ደገፍ ጎረባብቲ ሃገራት ኖርዲክ ን ኔቶን ከም ዘድልዮ ተገሊጹ። ድሕሪ ሰላሳ ዓመታት፥ ኣብ መሬት ሽወደን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዝዓበየ ወተሃደራዊ ልልምድ፡ ኣብ ኡፕሳላ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ሓይሊ ኣየር ሽዱሽተ ስኳድሮናት፥ ናይ “39 ደልታ” ዝዓይነተን ነፈርቲ ኲናት ምርኢት ኣካዪደን ኣለዋ። "ካብ ዝሓለፈ ዓመት ንደሓር፡ ኣተሓሳስባና ከምቲ ዝነበሮ ክኸውን …

Read More »

“ቫተንፎል” ኣብ ሰፋሕቲ መደበራት “ሃይድሮ-ኤለትሪክ” ወፍሪ ክገብር እዩ።

ምስ ህሉው ልዑል ጠለብ ጸዓት ኤለትሪክ፡ ብመንግስቲ ዝውነን ኲባንያ “ቫተንፎል”፥ ኣብ ኣርባዕተ ቦታታት ሽወደን ናይ “ሃይድሮ- ኤለትሪክ” መደብራት ክተክል መደብ ከም ዘለዎ ሓቢሩ። እዚ ኲባንያ ንውጽኢታውነት ናይተን ክሳብ ሕጂ ኣብ ሰሜናዊ ሽወደን ዝዓያ ዘለዋ መደብራት “ኡሜ” ን “ሉለ” ን ክውስኽ ድሌት ከም ዘለዎ ወሲኹ ገሊጹ’ሎ። መንግስቲ ነዚ ተበግሶ ብሓጎስ ከም ዝቕበሎ ክገልጽ እንከሎ፡ ኣባል ሰልፊ ሊበራል ዝኾነት ሚኒስተር ኣከባቢ ሮሚና …

Read More »

ሓንቲ ስድራቤት ወዶም ቅትለት ብምፍጻሙ ውዕል ክራዮም ተሰሪዙ።

ስድራቤት ኣብ ጒጅለ ገበን ዝሳተፍ መንእሰይ፥ ብሰንኪ ጎነጻዊ ተግባራት ወዶም ውዕል ናይቲ ኣብ ስቶክሆልም ከባቢ ጃርቫ ዝርከብ ቤቶም ተሰሪዙ። እዚ ዝተባህለ፥ ቤት ፍርዲ ይግባይ ስቭያ ብዝሃቦ ብይን እዩ ክትብል መጽሔት ማሕበር ተኻረይቲ ሽወደን “ሄም ኦሽ ሂራ” ጸብጺባ። ወዶም፥ ካብ ቤቶም ውጽእ ኢሉ ኣብ ዝርከብ መተሓላለፊ መንገዲ ኮይኑ፥ ብርክት ዝበለ ጠያይቲ ብምትኳስ፥ ሓደ ሰብ ክቐትል እንከሎ ካልእ ድማ ምቚሳሉ እታ መጽሔት …

Read More »

ኢራን፡ ምስ ምጥሓል ሽወደናውያን ዝነበርዋ ነፋሪት ብዝተሓሓዝ 10 ዜጋታት ብማእሰርቲ ፈሪዳ።

ቤት ፍርዲ ኢራን ን 10 ኣባላት ምክልኻል እታ ሃገር ፈሪዱ። እዞም ኣባላት ምክልኻል ኢራን፥ ኣብ 2020 ሓንቲ ናይ ተጓዓዝቲ ነፋሪት ካብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ውጽእ ኢልካ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ወቒዖም ብምጥሓሎም እዮም ተኸሲሶም ጸኒሖም። ኢራን ብጌጋ ንዝተወቕዐት ነፋሪት ገያሾ ኣመልኪታ ምሉእ ሓላፍነት ምውሳዳ ዝፍለጥ እዩ። ኣብታ ነፋሪት ኣብ ዝነበሩ 176 ገያሾ፥ እቶም 17 ዜጋታት ሽወደንን ፍቓድ መንበሪ ሽወደን ዝሓዘኡን …

Read More »

ኣብያተ ትምህርቲ ን ኲናት ወይ ይዂን ናይ ተጠንቀቕ እዋን ድሉዋት ክኾን ይግባእ ተባሂሉ።

ኣብ እዋን ኲናት ወይ ልዑል ናይ ተጠንቀቕ እዋን፥ ቆልዑን ኮተቴን ብዝተኻእለ መጠን ካብ ቤት ትምህርቲ ከይቦኽሩ ክሕሰበሉ ከም ዝግባእ ተገሊጹ። በዚ ድማ ኣብያተ ትምህርቲ ክኽሰት ንዝኽእል ዝተፈላለየ ዝዓይነቱ ናይ ቅልውላው ኲነታት ንምቕባል ድሉዋት ክኾና ይግባእ ተባሂሉ’ሎ። እዚ ማለት፥ ኣብ ቀረባ ዝርከብ መዕቆቢ ምልላይ፡ ናይ ማይ ምትሓዚ ምድላው፡ ከምኡ’ውን ጸዓት ኣብ ዝጠፍኣሉ ብኸመይ መግቢ ተዳሉ ዝብልን ካልእን ዘጠቓልል እዩ። ኣብ መንጎ …

Read More »

ዕለታዊ ዜና ካብ ሃርሞኒ ረድዮ-18-04-2023

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com