Monday , May 20 2024

ዜና

ሽወደን ኣባል ኔቶ ክትከውን ከም ዝቃወም “ማሕበር ሰላምን ዕርቂን ሽወደን” ገሊጹ።

ሽወደን ኣባል ኔቶ ንምዃን እትገብሮ ዘላ ምሽብሻብ ከም ዝቃወም “ማሕበር ሰላምን ዕርቂን ሽወደን”–ወይ ከኣ ስቨንስካ ፍረድስ–ገሊጹ። እንተኾነ ግና ዝበዝሐ ካብ ህዝቢ ሽወደን ንምጽንባር ሃገሮም ናብ ኔቶ ከም ዝድግፉ ኣቐድሞም ዝተኻየዱ ዳህሳሳት የመልክቱ ። “ሽወደን ነቲ ንዘመናት ሒዛቶ ዝነበረት ዘይሻራዊ መትከል ጠንጢና ኣባል ኔቶ ንምዃን ምውሳና ኣዝዩ ዘሕዝን ጌጋን ታህዋኽ ዝመልኦን እዩ፥ እዚ ማለት ሽወደን ኣብዛ ብወተሃደራው ምትፍናን እትውጠር ዘላ ዓለም …

Read More »

ብምኽንያት ኣድማ ኣውቲስቲ ባቡር ኣገልግሎት ክደናጐ ከም ዝኽእል ተገሊጹ።

ኣብ ከባቢ ስቶክሆልም ኣብ “ፐንደልታግ” ኣገልግሎት መጓዓዝያ ባቡር ዝሰርሑ ኣውቲስቲ፥ ቊጥዐ ዝመልኦ ኣድማ ብምጅማሮም ሎሚ ዝህሉ መጓዓዝያ ምድንጓይ ከጋጥሞ ከም ዝኽእል ይግለጽ ኣሎ። ምኽንያት ናይዚ ተግባር፡ ተሓጋገዝቲ ባቡር ንምእላይ ዝተበጽሐ ውሳነ፥ ን ኣውቲስታ ባብር በይኑ ንኽሰርሕ ዝገብር እዩ ዝብል እዩ። ጠለብ እዚ ኣድማ ብሓጺሩ እዞም ተሓጋገዝቲ ሰራሕተኛታ፡ ኣገዳሲ ናይ ድሕነት ዕማም ስለ ዝፍጽሙ ብዝቐልጠፈ ናብ ቦትኦም ክምለሱ ምዃኑ፡ ኣብዚ ኣድማ …

Read More »

ሚኒስትሪ ጒዳያት ወጻኢ ሩስያ “ኖርወይ ኮነ ኢላ ተጻባኢ መርገጺ ትወስድ ኣላ”

ብ ኦስሎ ዝተወሰደ ሰብመዚ ሩስያ ናይ ምስጋጒ ስጒምቲ፥ “ኮነ ኢልካ ምስ ሩስያ ዘሎ ተጻብኦ ንምግዳድ ዝተገብረ እዩ” ክትብል ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጒዳያት ወጻኢ ሩስያ ማርያ ዛካሮቫ ዝሓለፈ ዓርቢ ገሊጻ። ኖርወይ 15 ሰብመዚ ሩስያ ናይ ምስጓጒ ስጒምቲ ብምውሳዳ፥ ምስ ሩስያ እትጻባእ ሃገር ምዃና ዘረጋገጸ እዩ ዝበለት ዛካሮቫ፡ እዚ ተሪር ግብረመልሲ ክስዕቦ እዩ ክትብል ወሲኻ ኣመልኪታ። “እዞም ሰብመዚ ሩስያ ዝኾነ ዘብጽሕዎ በደል የለን፡ …

Read More »

ሚኒስተር ምክልኻል ኣመሪካ ሎይድ ኦስቲን ዝመጽእ ሰሙን ናብ ሽወደን ምብጻሕ ክፍጽም እዩ።

ሚኒስተር ምክልኻል ኣመሪካ ሎይድ ኦስቲን፥ ዝመጽእ ሰሙን ናብ ሽወደን ምብጻሕ ክፍጽም እዩ። ኦስቲን ዝገብሮ ምብጻሕ ን መደበር ሓይሊ ባሕሪ ሙስኮ ዘጠቓልል ክኸውን እዩ። እዚ ድሕሪ ጽባሕ ረቡዕ ዝጅምር ምብጻሕ፥ ኣመሪካ ምስ ሽወደን ክህልዋ እትደልዮ ጥቡቕ ናይ ጸጥታ ምሕዝነት ጥራይ ዘይኮነ፡ ሽወደን ኣባል ኔቶ ንኽትከውን ዘለዋ ደገፍ እውን እትገልጸሉ ኣጋጣሚ እዩ ክኸውን፡ ክብል ሚኒስተር ምክልኻል ሽወደን ፖል ጆንሰን ሓቢሩ’ሎ። እዚ ልዝብ …

Read More »

ግዳያት ምጽላም ኴንና ዝብል ጥርዓን ይውስኽ።

ግዳያት ምጽላም ኴንና ብዝብል፥ ናብ ፖሊስ ጥርዓን ዝገብሩ ሰባት ቊጽሮም ኣጸቢቑ ምውሳኹ ተገሊጹ። እዚ ብፍላይ፥ ምስ ምምዕባል ኢንተርነት ልዑል ወሰኽ ክገብር ተራእዩ’ሎ። ዓሚ 9800 ከምዚ ዓይነት ክሲታት ናብ ፖሊስ እኳ እንተበጽሑ፥ ናብ መጋባእያ ቤት ፍርዲ ዝኸዱ ግና፥ ኣዝዮም ዝወሓዱ ምዃኖም– መርማሪት ፕሮግራም ሬድዮ ሽወደን–ካሊበር–ኣቃሊዓ። ሓንቲ ካብዞም ግዳያት ኣና ካሪን ኮይና፥ ሓንቲ ሰበይቲ “ናይ ኣእምሮ ጥዕና ከም ዘይብላ” ን “ብዙሕ ገበናት …

Read More »

ሽወደን፡ ድሕሪ 1989 ዝዓበየ ወተሃደራዊ ልምምድ ክካየድ እዩ።

ካብ 1989 ንደሓር፥ ዝዓበየ ወተሃደራዊ ልምምድ ኣብ መሬት ሽወደን ክካየድ እዩ ። ኣብዚ ልምምድ 26 ሽሕ ወተሃደራት ሽወደንን ካልኦት 14 ሃገራትን ክሳተፉ እዮም። ኣብዚ ናይ ሎም ሰሙን ልምምድ ኮነ ኢሎም ዝተዳለዉ ናይ “ሳይበር መጥቃዕቲታት”፥ ኣብ ቀንዲ ማሕበራዊ ስርሓት ሽርሒ ከም እተኻየደ ብምሳሳል፡ ካብ ሚያዝያ 24 ከኣ ኣብ ልዕሊ ሽወደን ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ከም እተፈጸመ ተጌሩ ብምሕሳብ ግብረ-መልሳዊ ምንቅስቓስ ክገብር እዩ። ዕላማ …

Read More »

ኖርወይ “ኣብ ስለያዊ ንጥፈት ተዋፊርም” ንዝበለቶም 15 ሰብ-መዚ ሩስያ ካብ ሃገራ ሰጒጓ።

ኖርወይ ኣብ ስለያዊ ንጥፈት ተዋፊርም ንዝበለቶም 15 ሰብ-መዚ ሩስያ ካብ ሃገራ ሰጒጓ። “ሞስኮ ኤምባሲኣ ሕቡእ ሰለያዊ ንጥፈታት ከተካይደሉ ኣይነፍቅድን ኢና” ክብል ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ኖርወይ ኣኒከን ሁትፈልት፡ ነቲ ምስጓጒ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣመልኪቱ። ሰብመዚ ኖርወይ፥ ነቶም ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ሩስያ “ተቐባልነት ዘይብሉ ሰብ” ኢሎም ቅድሚ ምምዳቦም፥ ብዙሕ መርመራ ክገብሩሎም ምጽንሖም ገሊጾም ኣለዉ። እዞም ሰባት ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ነታ ሃገር ክለቅዋ …

Read More »

ኣብ ኤስኪልስቱን መጥቃዕቲታት ብረት ንምንካይ ጻዕርታት ይካየድ ኣሎ።

  ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፥ ኣብ ኤስኪልስቱን ብዙሕ ናይ ብረት መጥቃዕቲታት ከም እተፈጸመ ተገሊጹ። ከም መቐጸልታ ናይዚ መጥቃዕቲታት፥ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን 18 ዝዕድሜኡ መንእሰይ ብጥይት ተወቒዑ ተቐቲሉ እዩ። ነዚ ኣሸጋሪ ጸጥታዊ ኲነታት ንምቕያር ዝተፈላለየ ጻዕርታት ይካየዱ ምህላዎም ተፈሊጡ። መንእሰያት ናብዞም ጒጅለታት ጎነጽን ገበንን ከይጽንበሩ ንምዕጋት፥ ምምሕዳር ከተማ፡ ማእከላት ቢዝነስን ተራድኦታትን ምስ መንእሰያት ብሓባር ይሰርሓ ምህላወን ሬድዮ ሽወደን ወሲኻ ገሊጻ’ላ።

Read More »

ሰራሕተኛታት መጥፋእቲ ሓዊ ሽወደን፥ ንሓድሽ ውጥን እብረ (shift) ተቓዊሞም።

ኣብዚ ኣየት ዝህሉ ሰፊሕ ምቅይያር ፕሮግራም ስራሕ ኣመልኪቶም፥ ሰራሕተኛታት መጥፋእቲ ሓዊ ሽወደን ተቓውሞ ኣስሚዖም። እዚ ለውጢ ፕሮግራም፥ ነቲ ዝጸንሐ ናይ 24-ሺፍት (እብረ) ኣሰራርሓ ዝቕይር እዩ ተባሂሉ’ሎ። እዚ እናኾነ፥ ሽወደን ን ግዜ ስራሕ ኣመልኪታ ነቲ ዝኸተመቶ መምርሒ ስራሕ ክትክተል ከም ዝግባእ፥ “ኮሚሽን ኣውሮጳ” ኣተሓሳሲቡ’ሎ። ሰራሕተኛታት ቅድሚ መብረ ምቕያሮም፥ ናይ 11 ሰዓታት ዕረፍቲ ክወሃቦም እዚ መምርሒ ስራሕ “ኣውሮጳዊ ኮሚሽን” ይድንግግ እዩ። ብመሰረት …

Read More »

ብኣማኢት ኪሎ ዝምዘን ኣደንዛዚ ዕጸፋርስ ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ኣትዩ።

ካብ ኤኳዶር ናብ ሽወደን ኣብ እትጎዓዝ መርከብ፥ ብኣማኢት ኪሎ ዝምዘን ኣደንዛዚ ዕጸፋርስ (ናርኮቲክስ) ከም እተረኽበ ቻነል ፒ-3 ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ። ባናና ንምትሓዝ ኣብ ዘገልግሉ ሳናዱቕ፥ “ኮኬይን” ዝተባህለ ዕጸ-ፋርስ ከም ብብዝሒ ዝርከብ ዝገለጸት ሬድዮ ሽወደን፡ እዚ ብቐዳምነት ናብ ወደባት ሄልሲንበሪን ኡድቨላን ይለኣኽ ምንባሩ ወሲኻ ኣመልኪታ። እዚ ዕጸፋርስ ልሕሉሕ ጥምረት ብዘለዎም ገበነኛታት ዝእዘዘ እዩ ክብሉ፥ ፖሊስ ገሊጾም ኣለዉ።

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com