Friday , May 17 2024

ኣህጉራዊ ዜና

ሽውደን ናብ ቱርኪ ትገብሮ ዝነበረት ሰደድ ኣጽዋር ንግዚኡ ደው ከተብል ምውሳና ትገልጽ።

ንሰደድ ስትራቴጂያዊ ውጽኢታት ዝከታተል በዓልመዚ መንግስቲ ኲሉ ናብ ቱርኪ ዝግበር ዝነበረ ሰደድ ኣገዳሲ ወተሃደራዊ ናውቲ ደው ከብል ምውሳኑ ኣገልግሎት ዜና ሽወደን TT ኣብ ዝዘርግሖ ህጹጽ ዜና ሓቢሩ። ኣፈኛ እዚ በዓልመዚ መንግስቲ ካርል ዮሃን ንTT ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ክልተ ንቱርኪ ሰደድ ኣጽዋር ዝገብራ ዝነበራ ትካላት ሽወደን ሰደደን ደው ከብላ ተጌሩ’ሎ። ዮሃን ስም እዘን ትካላት ካብ ምርቋሕ ተቘጢቡ’ሎ። ሽወደን ካብ ሚያዝያ 2017 …

Read More »

ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ተዓዋታይ ሽልማት ኖቤል ሰላም 2019 ኮይኑ!!

ሎም ኣብ ከተማ ኦስሎ ነርወይ ዝተካየደ መስርሕ ምንጋር ዕውት  ሽልማት ኖቤል ሰላም 2019 ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድዕውት ገይሩ ረቒሑዋ ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ምስ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ምፍታሕ ኣይ ሰላም ኣይ ኩናት ዘርኣዮ ፈታሕ፣ ኣብ ጎረበት ሃገራት ሶማል ከንያ ሽግር ዶባዊ ምስሕሓብ ዝወስዶ ተብግሶ፣ ኣብ መንጎ ሱዳንዋውያን ኣሕዋት ንምምቕርራብ ዝወስዲ መርሕነት ከምእውን ኣብ ምምሕዳሩ ተራ ደቂ ኣንስትዮ …

Read More »

ብብዝሒ ኤርትራውያን ዝርከብዎም 123 ሰደተኛታት ካብ ሊብያ ናብ ርዋንዳ ግዒዞም።

106 ኤርትራውያን፣ 15 ሰማልያውያን ሓደ ሰርያውን ከምእውን 2 ሱዳናውያን ዝረከብዎም 106 ኤርትራውያን ሎሚ ለይቲ ካብ ሊብያ ናብ መዕርፎ ነፈርቲ ኪጋሊ ኣትዮም።  እዞም ስደተኛታት፡ ናብታ ኣብ ምብራቕ ርዋንዳ እትርከብ ዞባ ቡጎሴራ ግዒዞም ኣብ ጋሾራ ዝተብሃለ መዕቖቢ ስደተኛታት’ዮም ክጸንሑ። ካንዞም 123 ስደተኛታት እቶም 99 ደቂ ተባዕትዮን 24 ድማ ደቂ ኣንስትዮ ኮይኖም ዕሜኦም ካብ 3 ክሳብ 23 ዓመት ኮይኑ፡ 59 ትሕቲ ዕድመ ይርከብዎም። …

Read More »

ክልተ ሰባት ዕውታት ሽልማት ኖቤል ስነጹሑፍ 2019 ኮይኖም ተረቚሖም!!

ኣብ ከተማ ስቶኮልም ሸወደን ዝካየድ ዘሎ ምዕዳል ስነስርዓት ሽልማት ኖቤል 2019 ትማሊ ክልተ ዕውታት ስነ ጽሑፍ ዓዲሉ ኣሎ። በዚ መሰረት ዕዉት ኦውስትርያዊ ፒተር ሃንድክን ብዘቕረቡ ብ ረቒቕ ኣጸሓሕፋ ቛንቛ ብምጥቃም ጽልዋ ኣብ ስነጽሑፍ ብምፍጥሩ ነዚ ሽልማት ክበቕዕ ከሎ  ፓላንዳዊት ኦልጋ ነቲ ዓሚ ዘይተዋህበ ናይ 2018 ሽልማት’ያ ተዓዊታ። እቲ ኣብዚ ዓመት ክዕወት ትጽቢት ተገይሩሉ ዝነበረ ፍሉጥ ኣፍሪቃዊ ጸሓፊ ኬንያዊ ንጉጊ ዋ …

Read More »

ቱርኪ፡ ኣብ ሶርያ ንወተሃደራዊ ስርሒት ትሸባሸብ።

ሰራዊት ቱርኪ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ሶርያ ኣንጻር’ቶም ብኣመሪካ ዝድገፉ ሓይልታት ኩርዲ ዝቐንዐ መጠነ ሰፊሕ ወተሃደራዊ ስርሒት ከካይድ ተዳልዩ ከም ዘሎ፡ ፕረዚደንት’ታ ሃገር ረሲፕ ጣፕይ ኤርዶጋን ኣፍሊጡ። እቲ ብኣየርን ብመሬትን ዝካየድ ስርሒት፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ክጅምር ምዃኑ’ውን ወሲኹ ገሊጹ። እቲ ፕረዚደንት ነዚ ዝገልጽ ዘሎ፡ ነቶም ኩርዳውያን ሓይልታት ካብ ከባቢ ዶብ ቱርኪ ንምርሓቕ ኣመሪካ ዝግባኣ ተራ ከም ዘይተጻወተት ብተደጋጋሚ ክወቅስ ድሕሪ ምጽንሑ …

Read More »

ፈይስቡክ ሓድሽ ኣገባብ ከተኣታቱ እዩ።

ንዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ፈይስቡክ ላይክ ምባል እቲ ቐንዲ ናይቲ ኩባንያ መለለዪ እዩ ኰይኑ ጸኒሑ። እዚ ኣገባብ’ዚ፡ ንዝበዛሕና ስእሊታትና ክሳብ ክንደይ ጽቡቓት እዮም፡ ወይ ዝጸሓፍናዮም ዳእላታት ክሳብ ክንዲ ምንታይ ኣስሓቕቲ . . .ወዘተ ብእኡ እናመዘንና ምኻድ ካብ እንጅምር ውሑድ ኣይገበርናን። ኩባንያ ፈይስቡክ ብወገኑ፡ ስሙ ምስዛ ላይክ ኣመና ብምትሕሓዙ ኣብ ኣፍደገ ማእከል ምምሕዳር’ቲ ትካል ከይተረፈ ከም ኣርማ ኰይና ከም እትስቀል ገይሩ …

Read More »

ምርቓሕ ሕጹያት ሽልማት ኖቤል 2019 ይቕጽል፣ ኣብ ናይ ስላም ሽልማት መርሒ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሽወደናዊት ግሬታን ይወዳደሩ ።

ኣካዳሚ ሽወደን ተሸላሚ ኖቤል ብስነጽሑፍ 2018 ኣብ ምድላው ኣሎ። ዓሚ ብጾታዊ ቅለት ዝተላዕለ ዓቢ ሕንፍሽፍሽ ድሕሪ ምኽሳቱ ነቲ ሽልማት ተወዚፉ ምጽንሑ ይፍለጥ። ኣካዳሚ ሽወደን ንመጀመርታ ግዜ ክልተ ሽልማታት ኣፋሊጡ’ሎ። እቲ ቀዳማይ ሽልማት ብሓሙስ ጥቅምቲ 10 እቲ ኻልኣይ ድማ ከምቲ ካብ ዕለታት 7 ክሳብ 14 ኣብ ዘሎ ግዜ ዝእወጅ እዩ። ብመሰረት ትንበያታት ካናዳዊ ጸሓፊት ኣን ካርሰን ዝለዓለት ሕጽይቲ ናይዚ ዓመት እያ። …

Read More »

ሓደ ብሪጣንይዊ ዝረከቦም ክልተ ኣመሪካውያን ተዓወቲ ኖበል መዲሲን 2019 ኮይኖም።

ሎሚ ኣሰማት ተዓውቲ ሽልማት ኖበል 2019 ኣብ ዝተረቑሑሉ፣ ብዝገብርዎ ኣበርክቶ ኣብ ዓውዲ መዲሲን ኣመሪካውያን ዊልያም ጀ ካሊን፣ ክረግ ኤል ሲማንዛ ን ከምእውን ብሪጣንያዊ ፐተር ሩት ክሊፍ ተዓወቲ ኮይኖም ኣለዉ። እዞም ተመራመርቲ ነዚ ሽልማት ዝበቐዑ ኣብ ዓውዲ ኦክስጂን ብዝገብርዎ ዕዉት ምርምር እዩ። እዞም ዕውታት ኣስታት 9 ሚልዮን ክሮነር እዮም ምስ ኣዚ ክብሪ ኖብል ሽልማት ተሸልምቲ ኮይኖም ዘለው።

Read More »

ኣውሮጳዊ ቤትፍርዲ ፍትሒ፡ ካብን ናብን ሰዓታት ስራሕ ዘሎ ግዜ ይቕምር።

ኣውሮጳዊ መጋባእያ ፍትሒ መሰል ሰራሕተኛ ንምክልኻል ኣብ መዓልቲ ካብን ናብን ስራሕ ዝጠፍእ ግዜ ቀሚሩ ተባሂሉ። እቲ ቤትፍርዲ ቀዋሚ ቤትጽሕፈት ዘይብሎም ሰራሕተኛታት ካብን ናብን ስራሕ ዝገብርዎ ጒዕዞ ተኸፋሊ ክኸውን ኣለዎ ኢሎም ኣለዉ። እዚ ውሳነ ኣብ ምትግባሩ ኣብ ውሽጢ ኣውሮጳዊ ሕብረት ዝርከቡ ስርሓት ክሽፍን እዩ ተባሂሉ ተስፋ ተጌሩሉ’ሎ። ብመሰረት እቲ ውሳኔ ክኢላታት ኤለትሪክ፥ ሰራሕተኛታት ክንክንን መካኒካትን ነዚ እንተ ዘይተግቢሮም ሕጊ ዕዮ ከም …

Read More »

ኣብ ዓለምና ዝዓበየ መዓርፎ ነፈርቲ ተኸፊቱ።

ርእሰ ከተማ ቻይና በይጂንግ መስከረም 30 ሓድሽ መዓርፎ ነፈርቲ ከተመርቕ እያ። እዚ ኣብ ዓለምና ዝዓበየ ዝተባህለሉ መዓርፎ ነፈርቲ ብቕርጺ ኮኾብ ዝተሃንጸ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ክንዲ 140 ሜዳ ኲዕሶ ዝኸውን ስፍሓት ዘለዎ እዚ መዓርፎ ነፈርቲ ኣብ ዝመጽእ ዓመታት ቻይና 35 ሚልዮን ተጓዓዝቲ በብዓመቱ ከተአንግድ ከኽእላ እዩ። ናብ ቻይና ዝግበር መገሻታት በብዓመቱ ብናህሪ ክዛይድ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ እዚ ወፍሪ ነዚ ንምእንጋድ ተባሂሉ ዝተገብረ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com