Friday , May 17 2024

ኣህጉራዊ ዜና

ሽወደንን ኒውዚላንድን ኣንጻራዊ ፖሊሲ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ይኽተላ።

ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ኣብ ዝካየድ ዘሎ ወፍሪ ሽወደንን ኒውዚላንድን ኣንጻራዊ ፖሊሲ ይኽተላ ምህላወን ተገሊጹ። ሽወደን ኣብ ቤት ምስፋር ንዝብል ፖሊሲ ክትነጽጎ እንከላ ኒውዚላንድ ግና ነዚ ቫይረስ ንምዕጋት ጥራይ ዘይኮነ ጨሪስካ ንምጥፋእ ትሰርሕ ምህላዋ ተመልኪቱ። ነዚ ዕላማ ንምስላጥ ቀድማይ ሚኒስተር ኒውዚላንድ ጃሺንዳ ኣርደርን ነታ ብውቅያኖስ እተኸበት ሃገሩ ንወርሒ ምሉእ ክትውሸብ ውሳነ ምሕላፉ ይፍለጥ። ኒውዚላንድ ኣርባዕተ ዝደረጃኡ ናይ ህጹጽ እዋን ፖሊሲታት እያ …

Read More »

ኣብ ሽወደን ኣባላት መንግስቲ ሶርያ ዝነበሩ መርመራ ይግበረሎም።

ኣብ ሽወደን ኣባላት መንግስቲ ሶርያ ኣብ መርመራ ይግበረሎም ከምዘሎ ተነጊሩ። ኣብ ሽወደን ኣባላት መንግስቲ ሶርያ ፈጺሞሞ ዝበሃል ገበናት ኲናትን ጥፍኣት ወዲኣዳምን ንምምርማር ኣብያተ ፍርዲ ንመርመራታት ክፉታት ምህላዎም ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ። ኣብ ጀርመን ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዝተኻየደ መጋብኣያ ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ሶርያ ብገበን ኲናት ተሓተትቲ ኮይኖም ከም እተረኽቡ ተገሊጹ’ሎ። ኣኽባሪት ሕጊ ሽወደን ነዚ ጒዳይ ዘለዋ ደገፍ ምግላጻን ንነዊሕ ዝኣንፈተ መርመራ ኣብ …

Read More »

ፕረሲደንት ኮሚሽን ኣውሮጳ በዓል ንምሕላፍ ምብልሓት ከም ዘድሊ ሓቢራ።

ሕማም ኮሮና ኣብ ኣውሮጳ ይላብዓሉ ኣብ ዘሎ እዋን ሰባት ብምኽንያት በዓል ብኸመይ ክጓዓዙ ከም ዝኽእሉ ዛጊት ንጹር ኣንፈት የሎን። ዝሓለፈ ሰሙን ፕረሲደንት ኮሚሽን ኣውሮጳ ኡርሱላ ቫንደር ሊን ዜጋታት ኣውሮጳዊ ሕብረት ናይ ጒዕዞ ውጥንን ምሕዛእን ከየካይዱ ኣጠንቂቓ ኔራ። ምስ ፖርቱጋላዊ ማዕከን ዜና ኣብ ዝገበረቶ ቃለመሕትት ከኣ ብዛዕባዚ ገለ ተወሳኺ መብርሂ ሂባ’ላ። ንሳ ሰባት ን ማሕበራዊ ምፍንታትን ጽሬትን ኣብ ግምት ዘእቱ በዓል …

Read More »

መደበር ጠፈር ኣመሪካ ናሳ ካብ ጠፈርተኛታት ሽወደን ሓገዝ ይሓትት።

ናሳ ጠፈርተኛታት ሽወደን ስእሊታት ጋላክሲ ጐደባኡ ክልእከሉ ከም ዝሓተቶም ተፈሊጡ። ብረቡዕን ሓሙስን ፕላኔታት እተጽንዕ ልእኽቲ ሳተላይት ናሳ ናብ ጸሓይ ዝቐረባ እየን ናይ ዝበሃላ ከዋኽብቲ ፕሮክሲማ ሴንታውሪን ውፍ 359ን ስእሊታት ክትወስድ ምዃና ድማ ተገሊጹ። እንተኾነ ግና እዚ ብዛዕባ ጋላክሲና ዝሓሸ ኣፍልጦ ክህብ ተባሂሉ እተዳለወ ፕሮጀክት ናብ ኒው ሆራይዘን ጥራይ ኣብ ክንዲ ዝሕጸር ናብ ከዋኽብቲ እውን ከቕንዕ እዩ ክብክ ዋና ተመራማትጅ ኒው …

Read More »

Swedish News in Tigrigna ዜና ሽወደን ብትግርኛ 20 ሚያዚያ 2020

ገለ ካብ ናይ ሎሚ ትሕዝቶ ዜና፡ ዞባዊ ምምሕዳራት ሽወደን ተወሳኺ ሓገዝን ድጎማ ባጀትን ሓቲተን ሸለልትነት ዜጋታት ንመኸተ ኮቪድ 19 ዝዕላምኡ መመርሒታት ቁጠዐ ፈጢሩ። መደባትና ብሰፊሕ ንምክትታልን ከምኡ እዉን፣ ብዛዕባ ኩነታት ሽወደን ብትግርኛ ንምርካብ ኣብ መርበብ ሓበሬታና www.alkompis.se/ti ተወከሱ። ናይ ፕሮግራም መታሓሳሳቢ፣- ኣልኮምፒስ ትግርኛ ማዕከናት ፈነውኡ ንምስፋሕ ኣብ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ፣ ኣብ ኩለን ዘመናዉያን ዲጂታላዊ መሳርሕታት ማለት ቴሌፊናት ኣይፓድን ኮምፑተራትን ዘገልግል …

Read More »

ጩራ ተስፋ……ጸረ ኮቪድ- 19 ክታበት ኣብ ዕዳጋታት ክቐርብ እዩ።

ኦክስፎርድ ዩርኒቨርሲቲ፡ ብመንገዲ ቫይረስ ኮሮና ኣቢላ፡ ሓንቲ ካብተን ብሉጻት ዩኒቨርሲታት ዓለምና ምዃና ከምእንደገና ንምርግጋጽ ትጽዕር። ተመራመርቲ ናይዚ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዝቕጽል ሓሙሽተ ኣዋርሕ ጸረ ኮሮና ክታበት ስሩም (ኣብ ደም እንስሳታት ዝርከብ ማያዊ ፈሳሲ) ከቕርቡ ምዃኖም ብምትእምማን ሓቢሮም። ኣብ ዝቕጽል ወርሒ መስከረም ዓቢ ሸፈነ ክታበት ክጅምር ተኽእሎታት ከምዘሎ ውን ይሕብሩ። ኦክስፎርድ ዩርኒቨርሲቲ፡ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ነቲ ብማእከላይ ምብራቕ ኮሮና ቫይረስ (MERS-COV) ዝፍለጥ …

Read More »

ንኮሮናቫይረስ ዚጻረር ክታበት፡ ኣብ ወርሒ መስከረም ድሉው ኪኸውን ከምዝኽእል ይሕበር።

እዚ ድማ ብሓደ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዚርከብ ጉጅለ ተመራመርቲ እዩ ዚምዕብል ዘሎ ክታበት ጸረ ኮቪድ 19 ኣብ ትስፍው ደረጃ ከምዘሎ ኣብ ከተማ ለንደን እትሕተም  ጋዜጣ ዘ ታይምስ ሓቢራ። ኣብዚ እዋንዚ ኩሉ ተመራማሪ ዓለም ሓንቲ ስራሕ ኢያ ዘላቶ፥ ኣንጻር ኮሮናቫይረስ መድሃኒት ንምርካብ። እዚ ግን ነዊሕ እዋን ዚወስድ ስራሕ ብምዃኑ ከቢድ ከምዝገብሮ ትሕብር። ሕጂ ግን ግዜኡ ዝቐረበ ይመስል፡ ብመሰረት ሳራ ጂልበርት ኣብ …

Read More »

ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኣብ ታሪኻ ንመጀመሪያ ግዜ ጸሎት ብርሕቀት ኣካይዳ።

ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ንኣማኢት ዓመታት ዝጸንሐ ስርዓትን ኣገባብን ቅዳሴ ባዓል ትንሳኤ፣ ብሰንኪ ኮቪድ 19 ብዝተፈጥረ ኩነታት ክትቅይሮ ከምዝተገደደት ተሓቢሩ። እታ ቤተኽርስትያን ብብጹእ ጻጻስ እታ ቤት ክርስትያን ዝተመርሐ ስርዓተ ቅዳሴን ጸሎትን ናይ ባዓል ኣፋስጋ፣ ሰብ ኣብ ዘይብሉ ዕጹዉ፣ ኣገባብ ብመገዲ ቀጥታ ፈነወ ንልዕሊ 1.3 ቢልዮን ምእመናን ካብ ቤተክርስታያን ቅዱስ ጼጥሮስ ፣ ብቐጥታ ተማሓላሊፉ። እቶም ወዲ 83 ዓመት ዝዕድሜኦም ኣርጀንቲናዊ ጻጻስ ካቶሊካዊት …

Read More »

ካብ ኣሰገጋድ ውሸባ ወለንታዊ ውሸባ ውጺኢታዊ እዩ ተባሂሉ ።

ካብ ኣስገዳድ ዘለዎ ውሸባ (ምዕጻው) ወለንታዊ ውሸባ(ምዕጻው )ዝያዳ ውጽኢታዊ እዩ ክብሉ ኪላታት ይገልጹ። ጣልይንን ስፔይንን ከምኡ ምግባረንን ፈረንሳን ጀርመንን እውን ከም ዝሰዓባአን ድማ ተገሊጹ። ሰብመዚ ጥዕናን መንግስትን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ብውሕዱ ኣብዚ እዋንዚ ሽወደን ክትዕጾ ከም ዘይግባእ ኣመልኪቶም። ኣብያተ ትምህርቲ፥ ብዙሕ ሳዕቤን ዘይብሎም ንግዳዊ ትካላትን ምዕጻውን ሰባት ኣብ ኣባይቶም ክውሸቡን ዝብል ስጒምቲታት ኣድለይቲ ኣይነበሩን ድማ ኢሎም። ኤጀንሲ ህዝባዊ ጥዕና ቃልሲ …

Read More »

ቀዳማይ ሚኒስተር ዓዲ እንግሊዝ፡ ቦሪስ ጆንሶን፡ ብክሮና ቫይረስ ተለኺፉ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ዓዲ እንግሊዝ፡ ቦሪስ ጆንሶን፡ መርመራ ናይ ደም ድሕሪ ምክያዱ ብቫይረስ ክሮና ተለኺፉ ከምዘሎ ከምዝፈለጠ ሓቢሩ። ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ፈኮስቲ ምልክታት ናይቲ ሕማም ክስመዖ ድሕሪ ምጅማሩ መርመራ ክገብር ከምዝተገደደን ሎሚ ዓርቢ ድማ በቲ ቫይረስ ተለኺፉ ከምዘሎ ከረጋግጽ ክኢሉ። ቦሪስ ጆንሶን ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ገዝኡ ተወሺቡ ከምዘሎ ድሕሪ ምሕባሩ፡ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ድማ ብመንገዲ ኢንተርኔት ኣቢሉ ስርሑ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com