Sunday , May 12 2024

ጩራ ተስፋ……ጸረ ኮቪድ- 19 ክታበት ኣብ ዕዳጋታት ክቐርብ እዩ።

ኦክስፎርድ ዩርኒቨርሲቲ፡ ብመንገዲ ቫይረስ ኮሮና ኣቢላ፡ ሓንቲ ካብተን ብሉጻት ዩኒቨርሲታት ዓለምና ምዃና ከምእንደገና ንምርግጋጽ ትጽዕር። ተመራመርቲ ናይዚ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዝቕጽል ሓሙሽተ ኣዋርሕ ጸረ ኮሮና ክታበት ስሩም (ኣብ ደም እንስሳታት ዝርከብ ማያዊ ፈሳሲ) ከቕርቡ ምዃኖም ብምትእምማን ሓቢሮም። ኣብ ዝቕጽል ወርሒ መስከረም ዓቢ ሸፈነ ክታበት ክጅምር ተኽእሎታት ከምዘሎ ውን ይሕብሩ። ኦክስፎርድ ዩርኒቨርሲቲ፡ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ነቲ ብማእከላይ ምብራቕ ኮሮና ቫይረስ (MERS-COV) ዝፍለጥ ቫይረስ ውን ክታበት ኣማዕቢሉከምዝነበረ ይፍለጥ።

ኣብ ዓለምና ጸረ ኮሮና ቫይረስ ዝኸውን መድሃኒት ወይ ክታበት ንምርካብ ልዕሊ ሰብዓ ዝኾና ላባራቶሪታት ይስርሓ ምህላወንን ክሳብ ሕጂ ነቲ ዝረኸበኦ ውጽኢት ኣብ ሰብ ዝፈተና ግን ሰለስተ ጥራይ ምዃነን ይፍለጥ። ንሳተን ድማ ኣብ ኣሜሪካ፡ ኣብ ቻይናን ኣብ ኦክስፎርድ ዩኒቨርስቲ ዝርከባ እየን።

ኦክስፎርድ ዩርኒቨርሲቲ፡ ጸረ ኮሮና ቫይረስ ንምርካብ ካብ ዜሮ ኣይክብገሱን እዩም፡ ነቲ ናይ MERS-COV መድሃኒት ምምሕያሻት ገይሮም ኣብ ዝሓጸረ እዋን ጸረ ኮሮና መድሃኒት ናይ ምርካብ ተኽእሎታት ክህልዎም ግብራዊ እዩ ክትብል ኣብ ዩኒቨርስቲ ሎቪን ሓላፊት መደበር ምርምር ክታበር፡ ኮሪና ቫንደርሞሊን፡ ንሆላንዳዊት ጋዜጣ ሃት ኒዉዝብላድ ሓቢራ። ብምውሳኽ፡ ዘይተመለሱ ዘለዉ ሕቶታት ግን፡

 ኣብ ወርሒ መስከረም እዚ ስሩም ድልው ክኸውን ተግባራዊ ድዩ?

 እኹል ዝኾነ ስሩም ክዳሎ ይኽእል’ዶ?

 ንዕኡ ዝኸውን ምወላ ካበይ ክርከብ እዩ? ክትብል ዘረባኣ ደምዲማ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com