Friday , May 17 2024

ኣህጉራዊ ዜና

Swedish News on Tigrigna ዜናታት ሽወደን ብትግርኛ 19 ሚያዚያ 2019

Read More »

ኢጣልያ: ግብረሽበራውያን ስደተኛታት ተመሲሎም ኣትዮም ኣለዉ ክትብል ገሊጻ።

ግብረሽበራውያን ስደተኛታት ተመሲሎም ኣትዮም ኣለዉ ክትብል ኢጣልያ ገሊጻ። ሚኒስተር ውሽጣዊ ጒዳያት ማትዮ ሳልቫኖ ኣብ ሊብያ ተኸሲቱ ብዘሎ ዕግርግር ግብረሽበራውያን ስደተኛታት ተመሲሎም ብጀላቡ ይመጹ ምህላዎምን ኢጣልያ ወደባታ ክትዓጹ ምዃናን ኣፍሊጣ’ላ። “እስላማውያን ግብረሽበራውያን ንኣውሮጳ ሓደጋ ክኾኑ ኣይኽእሉን እዮም፡ ይኹን’ምበር ጸሊቘም ምእታዎም ፍሉጥ እዩ” ክብል ብረቡዕ ኣብ ዝሃቦ ቃለመጠይቕ ገሊጹ። መራሒ ሰልፊ ጸረስደተኛታት ሳላፋኒ ኣብ ሊብያ ምሉእ ኲናት እንተተባሪዑ ኢጣልያ ፖሊሲኣ ከመይ ክኸውን …

Read More »

ሽወደናዊት ኣክቲቪስት Greta Tunberg ምስ ጳጳስ በነዲክት መበል 16 ተራኺባ።

እዛ 16 ዝዕድሜኣ ሽወደናዊት መንእሰይ ረቡዕ መዓልቲ እያ ኣብ ሮማ ምስ ጳጳስ ተራኺባ። ርክቦም ኣካል ናይቲ ዝካየድ ዘሎ ወፈራ ኣንጻር ዓለማዊ ክሊማዊ ለውጢ እዩ። ግሬታ ሓንቲ ጓሉ ንደራሲን ተዋሳይን Svent Tunberg ከምኡ’ውን ህብብቲ ኦፔረኛ Malina Eherman እያ። ንሳ ሎሚ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ “ኣዝዩ ሕያዋይ ሰባኣይ እዩ። ክቕጽሎ ኸኣ ኣተባቢዑኒ’ሎ” ኢላ። ግሬታ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ኤስፐርገር ሲንድሮም ዝተሰምየ ዓይነት ሕማም …

Read More »

ፖሊስን ሰራዊትን ብሄሊኮፕተር ተሰን ዮም ጠፊኣ ንዝተባህለት ኣዛውንቲ ኣብ ምድላይ ተዋፊሮም።

ኣብ ደቡባዊ ሽወደን ምምሕዳር ከተማ ማርክ ብሰሉስ ምሸት ሃለዋታ ንዘጠፍአ ጓል 70 ዓመት ኣዛውንቲ ንምርካብ ፖሊስ :መጫነውቲ ኣኽላባት: ሄሊኮፕተርን ጒጅለ ሰራዊትን ኣብ ጽዑቕ ናይ ምድላይ ስራሕ ምውፋሮም ተገሊጹ። “እዛ ኣዛውንቲ ትማሊ ሰዓት 6 ድሕሪ ቀትሪ እያ ካብ ቤታ ወጺኣ፥ ክሳብ ሕጂ ድማ ናብ ቤታ ኣይተመልሰትን” ክብሉ ትማል ለይቲ ስድራቤታ ሰዓት 23 ናብ ፖሊስ ጻውዒት ጌሮም። “ነዛ ሰበይቲ መጫነውቲ ኣኽላባትን ሄሊኮፕተርን …

Read More »

መራሒ ወተሃደራዊት ሽማግለ ሱዳን ካብ ስልጣኑ ወሪዱ።

እዚ ዝኸውን ዘሎ ፕረሲደንት ኣልበሽር ብጸቕጢ ህዝባዊ ተቓውሞ ስልጣን ካብ ዝሓድግ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ እዩ። ሚኒስተር ምክልኻል ዓወድ ኢብን ዓውፍ ስልጣኑ ን ሌተና ጀነራል ዓብድልፈታሕ ዓብዱራሕማን ቡርሃን ከም ዝገደፈሉ ኣብ ተሌቪዥን እታ ሃገር ቀሪቡ ኣብ ዝሃቦ ቃል ኣረጋጊጹ’ሎ። እዚ ዝኸውን ዘሎ ስልጣን ናብ ህዝባዊት ሽማግለ ይሰጋገር ዝብል ህዝባዊ ተቓውሞ ካብ ጎደናታት ካርቱም ምቊራጽ ብምእባዩ እዩ ተባሂሉ’ሎ።

Read More »

ገለ ካብ ትሕዝቶ ናይ ሎሚ ዜናታት፣- 1. ዉሳነ መንግስቲ ሽወደን ብዛዕባ እቶም ካብ ኣባላት ዳዕሽ ዝተወልዱ ሕጻናት ኣብ ቀረባ ክዋሃብ እዩ። 2. ሩስያን ሽወደንን ብላዕለዋይ ጽፍሒ መሪሕነት ቀጥታዊ ዝርርብ ኣካይደን። 3. ሃገራት ማልታን ኢጣልያን ስደተኛታት ንዝጻዓነት መርከብ ምቕባል ኣብየን። መደባትናን ብሰፊሕ ሓበሬታን ብዛዕባ ኩነታት ሽወደን ብትግርኛ ኣብ መርበብ ሓበሬታና www.alkompis.se/ti ተወከሱ

Read More »

ኑብያዊት መንእሰይ ትእምርቲ ሰልፊ ተቓውሞ ሱዳን ኮይና።

ኣብ ርእሰ ከተማ ሱዳን ካርቱም ሰልፊ ተቓውሞ እትመርሕ ሱዳናዊት መንእሰይ ኣብ ገጻት ትዊተር ኣማኢት ኣሽሓት ግዜ ከም እተራእየትን ትእምርቲ እቲ ተቓውሞ ኮይና ምህላዋን ይግለጽ ኣሎ። እዛ መንእሰይ ጓል ኑብያ ዝብል ትርጉም ዘለዎ “ካንዳካ” ዝብል ሳጓ ወጺኡዋ ኣሎ። ሓንቲ ካብተን ኣብ ትዊተር መልእክቲ ዝጸሓፋ ደቅርንስትዮ ሱዳን ” ኣካድናኣ ቅምጥ ኢላ ነተን ኣብ 60ታትን 70ታትን ኣንጻር ውልቀመለኽቲ እተቓለሳ ኣዴታትና እዩ ዝመስል” ክትብል …

Read More »

ፑቲንን ሉፈንን ገጽ ንገጽ ተራኺቦም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ሉፈንን ፕረሲደንር ሩስያ ቪላድሚር ፑቲንን ሰሉስ ግጽ ንገጽ ተራኺቦም። እዞም ክልተ መራሕቲ ኣብ ፒተርስበርግ ኣብ ዝካየድ ኣህጒራዊ ዋዕላ ኣርክቲክ ንምስታፍ እዮም ተራኺቦም። ኣብዚ ኮንፈረንስ ዞባ ኣርክቲክ ዝዳወባ ሃገራት ኣብ ምዕባለታት እቲ ዞባ ክዛተዩ እዮም። ዝምድና ሩስያን ሽወደንን ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣዝዩ ላሕሊሑ ምጽንሑ ይፍለጥ። ሽወደን ሩስያ ኣብ ጒዳይ ዩክሬይ ብዝነበራ ኣታሕዛ ከምኡውን ነፈርቲ ኲናት ሩስያ ብተደጋጋሚ ክሊ …

Read More »

ኣመርካ ንሰውራዊ ሓለዋ ኢራን ግብረሽበራዊ ክትብል ትኸስስ።

ፕረዚደስንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ንሰውራዊ ሓለዋ ኢራን ኣህጒራዊ ግብረሽበራዊ ውድብ እዩ ክብል ከሲሱ። ኣመርካ ንናይ ካልእ ሃገር ወተሃደራዊ መዋቕር ግብረሽበራዊ እዩ ዝብል ምልከታ ክትገብር እዚ ናይ ፈለማ እዩ። ኢራን ብወገና ነቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝነቘጠ ወተሃደራዊ ህላወ ኣመሪካ ግበረ ሽበራዊ ክትብል ግብረመልሳ ሂባ ኣላ። ኣብ መንጐ ጤህራንን ዋሽንግተንን ዝጸንሐ ወጥሪ ምስ ምምጻእ ትራምፕን ምስሓብ ኣመሪካ ካብ ኣህጒራዊ ኪዳን ኑክሌር ኢራን …

Read More »

ኣብ ጥንታዊ መቓብር ግብጺ ብመድሃኒት ዝተዓቀበ ሬሳታት ኣናጹ ተረኺቡ።

ኣብዚ ስሉም መቓብር ብዘይካ”ዘን ኣናጹ ካልእ ብዙሕ ታሪኻዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ናውቲን ዝነቐጹ እንስሳታትን ተረኺቡ ምህላዉ ቢቢሲ ሓቢሩ’ሎ። እዚ መቓብር ልዕሊ 2ሽሕ ዓመታት ዝገበረ ምዃኑ ክኢላታት ኣረጋጊጾም ኣለዉ። ናይ ቱቱ ዝተባህለ ላዕለዋይ በዓልመዚን በዓልቲ ቤቱን መቓብር እዩ ድማ ተባሂሉ’ሎ። እዚ ካብ ከተማ ካይሮ ንደቡብ 390 ኪ.ሜ ኣብ ዝርሕቕ ቦታ ተረኺቡ ዝበሃል ዘሎ ጥንታዊ ኣርኪኦሎጂካዊ ቅርሲ መስሕብ በጻሕቲ ክኸውን እዩ ኢሉ ከም …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com