Tuesday , March 19 2024

ኑብያዊት መንእሰይ ትእምርቲ ሰልፊ ተቓውሞ ሱዳን ኮይና።

ኣብ ርእሰ ከተማ ሱዳን ካርቱም ሰልፊ ተቓውሞ እትመርሕ ሱዳናዊት መንእሰይ ኣብ ገጻት ትዊተር ኣማኢት ኣሽሓት ግዜ ከም እተራእየትን ትእምርቲ እቲ ተቓውሞ ኮይና ምህላዋን ይግለጽ ኣሎ።

እዛ መንእሰይ ጓል ኑብያ ዝብል ትርጉም ዘለዎ “ካንዳካ” ዝብል ሳጓ ወጺኡዋ ኣሎ።

ሓንቲ ካብተን ኣብ ትዊተር መልእክቲ ዝጸሓፋ ደቅርንስትዮ ሱዳን ” ኣካድናኣ ቅምጥ ኢላ ነተን ኣብ 60ታትን 70ታትን ኣንጻር ውልቀመለኽቲ እተቓለሳ ኣዴታትና እዩ ዝመስል” ክትብል ኣድናቖታ ገሊጻትላ ኣላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com