Friday , April 26 2024

ኢጣልያ: ግብረሽበራውያን ስደተኛታት ተመሲሎም ኣትዮም ኣለዉ ክትብል ገሊጻ።

ግብረሽበራውያን ስደተኛታት ተመሲሎም ኣትዮም ኣለዉ ክትብል ኢጣልያ ገሊጻ። ሚኒስተር ውሽጣዊ ጒዳያት ማትዮ ሳልቫኖ ኣብ ሊብያ ተኸሲቱ ብዘሎ ዕግርግር ግብረሽበራውያን ስደተኛታት ተመሲሎም ብጀላቡ ይመጹ ምህላዎምን ኢጣልያ ወደባታ ክትዓጹ ምዃናን ኣፍሊጣ’ላ።

“እስላማውያን ግብረሽበራውያን ንኣውሮጳ ሓደጋ ክኾኑ ኣይኽእሉን እዮም፡ ይኹን’ምበር ጸሊቘም ምእታዎም ፍሉጥ እዩ” ክብል ብረቡዕ ኣብ ዝሃቦ ቃለመጠይቕ ገሊጹ።

መራሒ ሰልፊ ጸረስደተኛታት ሳላፋኒ ኣብ ሊብያ ምሉእ ኲናት እንተተባሪዑ ኢጣልያ ፖሊሲኣ ከመይ ክኸውን እዩ ንዝብል ሕቶ መልሲ ካብ ምሃብ ተቘጢቡ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com