Friday , May 17 2024

ኣህጉራዊ ዜና

ሚኒስተር ኢሚግሬሽን ቤልጄም ኣባላት ዳዕሽ ዝኾኑ ዜጋታት ናብ ቤልጄም ክምለሱ ንዝብል ውሳኔ ቤትፍርዲ ይግባይ ክንብለሉ ኢና ኢሉ።

ሚኒስተር ኢሚግሬሽን ቤልጄም ኣባላት ዳዕሽ ኢኹም ተባሂሎም እተኸሱ ክልተ ዜጋታት ምስ ሽዱሽተ ደቆም ካብ ሶርያ ክምለሱ ንዝእዝዝ ውሳኔ ቤት ፍርዲ መንግስቱ ከም ዝቃወሞን ይረኣየለይ ከም ዝብልን ገሊጹ። ዝሓለፈ ረቡዕ እቲ ዳኛ ቤልጄም ነዞም ክልተ ዜጋታትን ደቆምን ናብ መሬታ ክትመልሶም ከም እትግደድ ኣፍሊጡ። እቶም ክልተ ዜጋታት ኣብዚ እዋን ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ኩርዳውያን ዝርከብ መሬት ሶርያ ሆል ዝተባህለ መዓስከር እዮም ተቐዪዶም ዝርከቡ። …

Read More »

ታሪኻዊ ግጥም ኲዕሶ እግሪ ኢራናውያን ደቀንስትዮ።

ጋንታ ኲዕሶ እግሪ ኢራናውያን ደቀንስትዮ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ሃገራዊ ስታድዬም ጤህራን ክጻወታ እየን። ብመሰረት ኣቦመንበር ፈደሬሽን ኩዕሶ መህዲ ታጅ ጋንታ ኢራናውያን ደቀንስትዮ ኢራን ኣብ 2020 ቶክዮ ኣብ ዝካየድ ጸወታ ምስ ሩስያ ክትገጥም እያ። መዓልቲ ጸወታ ዛጊት ኣይተቘጽረን ኣሎ። እንተኾነ ግና ነዚ ጸወታ ክዕዘባ ዝፍቀደለን ደቀንስትዮ ጥራይ ክኾና እየን ክብል ኣገልግሎት ዜና ኣጃንስ ፍራንዝ ፕረስ ጸብጺቡ’ሎ። ካብ 1979 ድሕሪ እስላማዊ ሰውራ …

Read More »

ሓደ ቆልዓ ብህያብ ልደት ስለዘይተሓጐሰ ፖሊስ ይጽውዕ።

ወዲ ትሽዓተ ዓመትጀርመናዊ ወለዱ ክህብዎ ብጽሑፍ ዝሓበሮም ህያብ ልደት ብዘይምርካቡ ንፖሊስ ምጥርዑ ተገሊጹ። ፖሊስ ናብቲ ዝተሓበሮም ኣድራሻ ምስ ከዱ ሓደ ቆልዓ ምርካቦም ጋዜጣ ኖርድዌኣት ዘይቱንግ (Nordwest-Zeitung)ገሊጻ’ላ። ቆልዑ ዝደልይዎ ህያብ ምስ ዘይረኽቡ ባህ ከም ዘይብሎም ርዱእ እኳ እንተኾነ ከምዚ ቆልዓ ጌሮም ግብረመልሲ ክህቡ ግና ልሙድ ኣይኮነን። እቶም ፖሊስ ነቲ ቖልዓን ወለዱን ብምትዕራቕ ድባብ ልደት ንምምላስ ጽዒሮም። እቲ ዝተፈጥረ ሽግር ሳንታ ክላውስ …

Read More »

ፖሊስ ግብጺ ኣብ ብዝገበሮ ጸጥታዊ ተፍቲሽ ብዙሓት ዕጡቓት ምሟቶም ሚኒስተር ውሽጣዊ ጒዳያት እታ ሃገር ገሊጹ።

በዚ ቀዳም መዓልቲ ዝተገብረ መጥቃዕቲ ኣብ ከባቢ ጂዛን ሰሜን ካይሮን 40 ግብረሽበራውያን ከም እተቐትሉ እቲ መግለጺ ሚኒስትሪ ይገልጽ። እቶም ግብረሽበራውያን ናይ ቱሪስት ቦታታት ቤተክርስትያንን ወተሃደራውያን ትካላትን እዮም ከጥቅዑ ዝደልዩ ኔሮም ተባሂሉ። እዚ መጥቃዕቲ ብዓርቢ ኣብ ኣውቶቡስ ቱሪስት እተኻየደ መጥቃዕቲ ስዒቡ እዩ ዝመጽእ ዘሎ። ድሕሪዚ መጥቃዕቲ ዘሎ ኣካል መን እዩ ኣይተፈልጠን እንተኾነ ግና ኣኽረርቲ እስልምና ንቱሪስት ናይ ምጥቃዕ ልምዲ ከም ዝነበሮም …

Read More »

ስማርትፎን መባኸኒ ግዜ ከይከውን የሻቕል።

ብዙሓት ወነንቲ ስማርትፎን ኣብዚ መሳለጥያ ተጸሚዶም ዘሕልፍዎ ግዜ ብዙሕ ከም ዘሻቕሎም ተገሊጹ። ጉግል ከም ዝሓበሮ 70 ሚእታዊት ተጠቀምቲ ኣንድሮይድ ኣብ ኣጠቓቕማኦም ዝሓሸ ሚዛን ክፈጥር ዝኽእል መማረጺ ዝብህጉ ምዃኖም ኣረጋጊጸ ይብል። ይኹን እምበር እዚ ጉዳይ ንጽላት ቴክ ኣብ ኣሸጋሪ ኲነታት ከውድቖ ይኽእል እዩ። ናይ ብዙሓት ፊልምታትን ቢዝነሳትን መሳዂት ብኡኡ ዝርክበ እናሃለወ ከመይ ኢሉ’ዩ ንዓማዊሉ ካብ ሞባይሎም ከፋትሖም ዝኽእል ዓቢ ግድል ኮይንዎ …

Read More »

ኣብ ካይሮ ብምፍንጃር ቦምብ ብውሑዱ 3 ሰባት ሞይቶም 10 ሰባት ድማ ቈሲሎም።

ኣብ ወሰናስን ርእሰ ከተማ ምስሪ ካይሮ ኣብ መኪና ቱሪስት ናይ ቦምብ ምፍንጃር ሓደጋ ብምግጣሙ ብውሑዱ 3 ሰባት ሞይቶም 10 ሰባት ድማ ቈሲሊም ኣለዉ ክብል ኣጃንስ ፍራንዝ ፕረስ ጸብጺቡ። እታ ኣወቶቡስ ኣብ ጎደና ተቐቢሩ ዝነበረ ቦምብ ድሕሪ ምርጋጻ እዩ እቲ ምንታጒ ዘጋጠመ። ብመሰረት ኣጃንስ ፍራንዝ ፕረስ እቶም ግዳያት ቬትናማውያን በጻሕትን ናቶም ቱርጋይድን እዮም። ኣብታ መኪና ብጠቕላላ 14 ቬትናማውያንን ዘዋር መኪና ወሲኽካ …

Read More »

ዜናታት ስዊድን ብትግርኛ 28 ታሕሳስ 2018

Read More »

ሓጸርቲ ዜናታት ስፖርት

ጽባሕ ቀዳም ከም መቀጸልታ ቦክሲን ማች ን ሊቨርፑልን ኣርሰናልን ከራኽበን እዩ። እዘን ክልተ ክልባት መበል 226 ርክበን ክኸዉን ከሎ ሊቨርፑል 78 ግዜ ክትዕወት ከላ ኣርሰናል ብወገና 86 ግዜ ተዓዊታ ዝተረፈ ብማዕረ ተፈላልየን። TT እዘን ብ ክለተ ኾዋኽብቲ ኣፍሪቃውያን መራሕቲ ሸቶ ፕሪመር ሊግ ኣቦመያን ብ 13 ሰላሕ 12 ሸቶታት ኣብ ብምምራሕ ዝርከብ መስመር ምጥቃዕ ቀሊል ጽወታ ከምዘይከውን ብኣግኡ ይግመት። ጀራርድ ፒኬ …

Read More »

ብሪጣንያውያን ጽምዲ ኣብ ናይ ሓደ ሰዓት ፍልልይ ኣብ ኣውስትራልያ ሞይቶም ተባሂሉ።

ብሪጣንያውያን ጽምዲ ኣብ ናይ ሓደ ሰዓት ፍልልይ ኣብ ኣውስትራልያ ሞይቶም ተባሂሉ።ንቤተሰብ እዞም ጽምዲ ንምሕጋዝ ኣሽሓት ፖውንድ ከም እተዋጸአ’ ውን ተፈሊጡ። ወዲ 29 ዓመት መዋቲ ጄሰን ፍራንሲስ ተጻዋቲ ኲዕሶ ማርኬት ድሬይቶን ታውን ኮይኑ ምስ መጻምዱ ኣሊስ ሮቢንሰን ብሓባር ኣብ ዝነብረሉ ስኬትቦሮ ስኬል ዝተባህል ቦታ እዩ ብመኪና ተሃሪሙ ዝሞተ። መጻምዱ በቲ ሓደጋ ኣመና ብሓዘን ተደቚሳ ምንባራን ኣብ ናይ ሓደ ሰዓት ፍልልይ ምሟታ …

Read More »

ኣብ 1980 ዝተጨውየት ኣርጀንቲናዊት ሰበይቲ ምስ ቤተሰባ ተጸንቢራ።

ኣብ 1980 ብዘይሕጋውያን መሰጋገርቲ ሰብ ተጨውያ ዝነበረት ኣርጀንቲናዊት ሰበይቲ ፖሊስ ኣርጀንቲናን ቦሊቭያን ብዘካየድዎ ልፍንታዊ ስርሒት ምስ ቤተሰባ ተጸንቢራ። እዛ ሕጂ 45 ዝዕድሚኣ ሰበይቲ ፖሊስ ኣብ ቀረባ እዋን እዋናት ኣብ በርሜጆ (ደቡብ ቦሊቭያ) ከም እተራእየት ጽንጽንታ ቅድሚ ምስምዖም ተቐቢጻ እያ ኔራ። ፖሊስ ድሕሪዚ ጽንጽንታ ኣላቶ ናብ ዝተባህለ ህንጻ ስርሒት ብምክያድ ንኣኣን ንወዲ 9 ዓመት ወዳን ካብ ማእሰርቲ ሓራ ኣውጺኦሞም። ስም እዛ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com