Friday , May 17 2024

ኣህጉራዊ ዜና

ትራንስፖርት ሰሜንን ደቡብን ኮርያ ንምርኻብ ዝዓለመ ድግስ ተጌሩ።

ዝሓለፈ ሕዳር ሰሜንን ደቡብን ኮርያ ድሕሪ ሰብዓ ዓመታት ንክልቲኡ ኮርያ ዘራኽብ ጽርግያ ስራሕ ክጅምርን ከም እተስማምዓ ይፍለጥ። ነዚ ምኽንያት ብምግባር መመሰሲ ዝኸውን ድግስ ኣብ ሰሜን ኮርያ ወኪላት ክልቲኡ ሃገራት ኣብ ዝተረኽብዎ ተኻይዱ’ሎ። 100 ዝኾኑ ሰብ መዚ ፖለቲከኛታትን ብሰንኪ ኲናት ካብ ከተማ ኲሶን ዝተመዛበሉ ሰሜንን ደቡብን ኮርያ ኣብቲ ድግስ ተረኺቦም።። ሚኒስተር ሕብረት ደቡብ ኮርያ ብወገኑ 100 ካብ ሰሜን ኮርያ ከምኡ’ውን ተወከልቲ …

Read More »

ኣመሓዳሪት መክሲኮን በዓልቤታን ብዘጋጠሞም ምሕምሻሽ ሄሊኮፕተር ሞይቶም።

ኣብዚ ወርሒዚ ቃለመሓላ ዝፈጸመት ኣመሓዳሪት መክሲኮን ኣባል ሰኔት በዓልቤታን ኣብ ማእከላይ ኣውራጃ Mexican ፑአብላ ብዘጋጠሞም ምሕምሻሽ ሄሊኮፕተር ሞይቶም። ኣብታ ሄሊኮፕተር ዝነበሩ ክልት ፓይሎታትን ካልእ ተሳፋሪን ውን ምሟቶም ተፈሊጡ። እታ ሄሊኮፕተር ገለ ዘይተነጸረ ጸገም ኔርዋ ክብሉ ሰብ መዚ ሓቢሮም። ምኽንያት እዚ ሓደጋ ንምጽራይ ድሮ መርመራ ጀሚሩ’ሎ። 45 ዓመት ዝዕድሜኣ ወይዘሮ ኣሎንሶ ብ 14 ታሕሳስ እያ ድሕሪ ብርቱዕ ውድድር ዝመልኦ ምርጫ ናይ …

Read More »

ጳጳስ ካቶሊክ ፖፕ ፍራንሲስ ጻውዒት ኣቅሪቦም።

ጳጳስ ካቶሊክ ፖፕ ፍራንሲስ ኣብ ምምዕባል ዘለዋ ሃገራት ዝርከቡ ሰባት ቅልል ዝበለን ስስዐ ዝረሓቖን ህይወት ክመርሑ ጸዊዑ። ንሱ ነቲ ኣብ ዓለም እናገበለ ዝመጽእ ዘሎ ዘይምኽንያታዊ ስፍሓት ጋግ ኣብ መንጐ ድኻታትን ሃብታማትን ኰኒንዎ። ንሱ ኣብ ዘስምዖ ስብከት የሱስ ኣብ ምብልዒ ማል ብድኽነት ከም እተወልደ ብምዝካር ሰባት ገንዘብ ምዂማር ዘይኮነ ካልእ ዝዓዘዘ ትርጒም ሂወት ከስተንትኑ ጸዊዑ። ንሱ ነዚ ዝበለ ንያታዊ በዓል ልደት …

Read More »

ኣስከሬን ሓደ ፈረስ ምስ ኮረሻኡ ጥቓ ግምቢ ፖምፐይ ከም እተረኽበ ተገሊጹ።

ኣስከሬን ሓደ ፈረስ ምስ ኮረሻኡ ጥቓ ግምቢ ፖምፐይ ኣብ ሓደ ቪላ ብስነ-ኲዕታ ከም እተረኽበ ተገሊጹ። ተመራመርቲ ስነ ጥንቲ ነቲ ኲነታት “ሳሕቲ ጥራይ ዝርከብ ብርቂ ዳህሳስ” ብምባል ገሊጾሞ’ለዉ። እቲ ፈረስ ምስ ምሉእ ዕጥቁ ካብቲ ንከተማ ፖምፔይ ዝሃሞኻ እሳተ ጎመራ ንምምላጥ ምስ ተወጣሒኡ ኣብ ምንቅስቓስ ዝነበረ እዩ ዝመስል። ኣስከሬን እዚ ምስ ኮረሻኡ እተረኽበ ፈረስ ኣብ ቪላ ሚስጥራት ተባሂሉ ዝጽዋዕ ከባቢ እዩ ተረኺቡ። …

Read More »

ኣመሪካዊ ተዋሳኣይ ፊልም ከቪን ስፔሲ ተኸሲሱ።

ኣመሪካዊ ተዋሳኣይ ፊልም ከቪን ስፔሲ ኣብ ባር ማሳቹሰትስ ንሓደ ኮተቴ ጾታዊ ትንኮያ ጌርካ ብዝብል ተኸሲሱ። ንሱ በቲ ቅድሚ ክልተ ዓመትን መንፈቕን ጌርዎ ዝበሃል ዘሎ ገበን ምኽንያት 7 ጥሪ ናብ ቤትፍርዲ ክቐርብ እዩ። ስፔሲ ብሰኑይ ኣብ ዝለቐቖ ቪድዮ ነዚ ገበን ከም ዘይወዓሎ ገሉጹ’ሎ። “ንዘይገበርክዎ ዋጋ ክኸፍል ድሉው ኣይኮንኩን” ይብል እብቲ ዝፈነዎ ቪድዮ። “ዝኾነ እንተተባለ ብዘይ መርትዖ ክትኣምን ግቡእ ኣይኮነን፡ ምንም ሓቂታት …

Read More »

ናዋስ ሸሪፍ ንሽወዓተ ዓመት ተፈሪዱ።

መራሕ መንግስቲ ፓኪስታን ነበር ናዋስ ሸሪፍ ብምኽንያት ውዒልዎ እተባህለ ብልሽውና ንሽወዓተ ዓመት ተፈሪዱ ክብል መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሃን ፓኪስታን ሓቢረን። ብዘይካዚ ናይ 10 ሚልዮን ባጤራ ፓኪስታን መቕጻዕቲ እውን ተበኡንዎ’ሎ። እዚ ኣብ ልዕሊ ሸሪፍ እተበየነ ፍርዲ እቲ ምዝራቚ ፓናማንያን ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣብ መላእ ዓለም ዝነበረ ዘይምኽፋል ቀረጽ ድሕሪ ምኽሻሑ ዝመጸ እዩ። ቀዳማይ ሚኒስተር ዒምራን ኻን ኣብ ልዕሊ ብልሽውና ጽንዕ ዝበለ መቕጻዕቲ ክብየን …

Read More »

ፕሪመር ሊግ ታሪክ 1985 ዳግማይ የሕድስ

ሰሌዳ ፕሪመርሊግ ድሕሪ 1985 ንመጀምርያ ግዚኡ ሰለስተተ ጋንታታት ልዕሊ 40 ነጥቢ ሒዘን ናብ ቦክሲን ማች ዝኣተዋሉ ኮይኑ ተመዝጊቡ። እዚ ዝኾነ ትማሊ ኣብ ጹቡቕ ኣቃውማ ትርከብ ክለብ ቶተንሃም ናብ ሜዳ ጉድሰን ፓርክ ብምጋሽ ኣብ ልዕሊ ኤቨርተን 6 ብ 2 ኣብ ዝተዕወተትሉ ነጥባ ናብ 42 ክብ ብምባል ካብ መራሒት ሊቨርፑል ብ 6 ነጥቢ ተፈልያ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ትርከብ። ሰሌዳ ፕሪመር ሊግ ኣብ …

Read More »

ዓበይቲ ክለባት ቸልሲን ማንቸስተር ሲትን ብኽሳራ ናብ ጸወታ ቦክሲን የምርሓ!

ኣቀዲመን ትማሊ ጸወታ ዝጀመራ ክልተ ተከታታሊ ስዕረት ዝቀሰመት ኣርሰናል በርንለይ ክኾና ከለዋ። ኣሰልጣኒ ኡምረይ ናይ መጀመርያ ግዜኡ ቅድሚ ዕረፍቲ ሸቶ ብምምዝጋብ ብዓወት ናብ ዕረፍቲ ዘምርሔ ኮይኑ ኣብ ዝተመዝገበሉ ክልተ ሸቶታት ካብ ኣቡመንጌን ሓንቲ ካብ ኣሌክስ እወዩበ ብምምዝጋብ 3 -1 ዓወት ተጋናጺፉ። በዚ መሰረት ኣርሰናል ብ 37 ነጥቢ ብቸልሲ ብ ሸቶ ተበሊጻ ኣብ ሓሙሻይ ደረጃ ተቀሚጣ።ቀጺለን ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ግጥመን ዘካይዳ …

Read More »

ሊቨርፑል ንግጥማት በዓል ልደት ብዓወት ትጅምሮ!

ኣብጹቡቅ ኣቃውማ ትርከብ ክለብ ሊቨርፑል ናብ ወልቭስ ጌሻ ኣብ ዝገበረቶ ግጥም ብ ሳላሕን ፓንዳይችን ኣብ መበል 18ን 68ን ደቃይቅ ብዘመዝገብወን ሽቶታት  2 ብ 0 ተዓዊታ። በዚ መሰረት ንሰሌዳ ፕሪመር ሊግ ብ 4 ነጥቢ ብምምራሕ ናብ ንብዓል ልደት ብመርሒነታ ብምጽንባል ዕለት ሮብዕ ናብ ግጥማት ቦክሲን ማች ክትጽንበር እያ ። ማንቸስተር ሲቲ ሎሚ ኣንጻር ክርሳል ፓላስ ግጥማት ይጽበያ ብምህላው ነቲ ተነጺፉላ ዘሎ …

Read More »

ነበርቲ ሽወደን ዝኾኑ ብሪጣንያውያን ብ “ንኹሉ ማዕረ ዝኾነ ኲነታት ” ክነብሩ ከም ዝፍቀደሎም ሚኒስተር ኣውሮጳዊ ሕብረት ሓቢራ::

ብመሰረት ሕጊ ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ሽወደን ዝቕመጡ ብሪጣንያውያን ብ “ንኹሉ ማዕረ ኣብ ዝኾነ ኲነታት ” ክነብሩ ከም ዝፍቀደሎም ሚኒስተር ኣውሮጳዊ ሕብረት ንሬድዮ ሸወደን ሓቢራ። ኮሚሽን ኣውሮጳ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ዋላውን ብሪጣንያ ብ 29 መጋቢት ካብ ኣባልነት ኣብ እትወጸሉት እዋን ከምዚ ዓይነት ስምምዕ እንተዘይተገብረ ኩለን ኣባል ሃገራት ኣብ ዓደን ንዝቕመጡ ብሪጣንያውያን ናይ ምንባርን ምስራሕን መሰል ክህባ ጸዊዓ። ብዛዕባ ኣብ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com