Saturday , April 27 2024
Massimo Valicchia/TT

ጳጳስ ካቶሊክ ፖፕ ፍራንሲስ ጻውዒት ኣቅሪቦም።

ጳጳስ ካቶሊክ ፖፕ ፍራንሲስ ኣብ ምምዕባል ዘለዋ ሃገራት ዝርከቡ ሰባት ቅልል ዝበለን ስስዐ ዝረሓቖን ህይወት ክመርሑ ጸዊዑ።

ንሱ ነቲ ኣብ ዓለም እናገበለ ዝመጽእ ዘሎ ዘይምኽንያታዊ ስፍሓት ጋግ ኣብ መንጐ ድኻታትን ሃብታማትን ኰኒንዎ።

ንሱ ኣብ ዘስምዖ ስብከት የሱስ ኣብ ምብልዒ ማል ብድኽነት ከም እተወልደ ብምዝካር ሰባት ገንዘብ ምዂማር ዘይኮነ ካልእ ዝዓዘዘ ትርጒም ሂወት ከስተንትኑ ጸዊዑ።

ንሱ ነዚ ዝበለ ንያታዊ በዓል ልደት ኣመልኪቱ ኣብ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ቤትክርስተያን ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝነርሖ ዝነበረ ኣገልግሎት እዩ። 82 ዝዕድሚኡ ጳጳስ ካቶሊክ ፖፕ ፍራንሲስ ሕጂ ንመበል 6ይ ግዚኡ እዩ ብናይ ጳጳስ ቅብኣት በዓል ልደት ዘኽብር ዘሎ። ኣብ ስብከቱ ልደት የሱስ ንሓድሽ ሂወይ ከም ዘመልክት እዚ ድማ ብስስዐ ዘይኮነ ብምሃብ ዝስነ ምዃኑ ኣዘኻኺሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com