Wednesday , May 8 2024
KIERAN MCMANUS/BPI/REX/SHUTTERSTOCK

ዓበይቲ ክለባት ቸልሲን ማንቸስተር ሲትን ብኽሳራ ናብ ጸወታ ቦክሲን የምርሓ!

ኣቀዲመን ትማሊ ጸወታ ዝጀመራ ክልተ ተከታታሊ ስዕረት ዝቀሰመት ኣርሰናል በርንለይ ክኾና ከለዋ። ኣሰልጣኒ ኡምረይ ናይ መጀመርያ ግዜኡ ቅድሚ ዕረፍቲ ሸቶ ብምምዝጋብ ብዓወት ናብ ዕረፍቲ ዘምርሔ ኮይኑ ኣብ ዝተመዝገበሉ ክልተ ሸቶታት ካብ ኣቡመንጌን ሓንቲ ካብ ኣሌክስ እወዩበ ብምምዝጋብ 3 -1 ዓወት ተጋናጺፉ።

በዚ መሰረት ኣርሰናል ብ 37 ነጥቢ ብቸልሲ ብ ሸቶ ተበሊጻ ኣብ ሓሙሻይ ደረጃ ተቀሚጣ።ቀጺለን ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ግጥመን ዘካይዳ ቸልሲ ምስ ሌስተርሲቲ ማንቸስተር ሲቲ ምስ ክርሳልባላስ ክኾና ከለዋ።

ነዚ ግጥም ቦክሲን ማች ናይ መጀመርያ ተመክርኡ ዝኮነ ኣሰልጣኒ ሳሪ ብስዕረት 0-1 ቀሚሲ ይላለዮ ዘሎ። ብሕጽረት ኣጥቃዕቲ ትሳቀ ዘላ ቸልሲ ኣብ ወርሒ ጥሪ ናብ ኣርጀንትናዊ ሂጉወን ኣቅኒዓትሉ ኣብዘላ እዋን ካብ ኣጥቃዕቲ እዛ ጋንታ ዝኾኑ ቆማታት ጁሩድን ሞራታን ተስፋ ቆሪጻ ትርከብ።

ማንሲቲ እወን ብወገና ድሕሪ ሸሞንተ ወርሒ ኣብ ሜድኣ ኢትሓድ 2 ብ 3 ካብ ክሪሳል ፓልስ መዓት ወሪድዋ። ኣብዚ ግጥም ካብ ርሒቅ ሸቶ ዘመዝገባ ተጻዋታይ ፓላስ ታውንሰንድን ደብሩዩን ን 2 ይቲ ሸቶ ካብ ማእዝን ዘቁጸራ ሸቶ ናይዚ ዓመት ዝበልጻ ሾቶታት ክኾና ልኡል ትኽእሎ ኣለወን::


ቀጺለን ናብ ሜዳ ዝወረዳ እታ ብ ደገፍታ ድሕሪ ምብራር ሞሪኖ ብ ሃረርታ ዝተጸበይዋ ማንቸስተር ዩናይትድ ናብ ካርዲፍ ሲቲ ዝተጋዕዘት እዩ።

ሓዲሽ ኣሰልጣኒ ማንቸ ሶልሻየር ኣነ ውጺኢት ፈርጉሰን እየ ናይቲ ዘዕበየኒ ኣቦ ቅዲ ጸወታ ሒዚ ክምርሽ እየ ዝበሎ።

ቅድሚ ጸወታ ዝተዛረቦ ድሮ ፍረ ረኺቡሉ። እዚ ኣብ ማእከል ሜዳ ብ ፖግባ ማርሻልን ሊንጋርድን ኣብ ቅድሚት ብ ማርሻል እንዳተመሔ በሊሕ መላጸ ኮይኑ ዘምሰየ መስመር ምጥቃዕ ሬድ ደቪልስ።

ክልት ሸቶታት ካብ ሊንጋርድ ዝተርፈ ሰለስተ ሸቶታት ካብ ራሽፎልድ ሄሬራን ማርሻልን ብምርካብ ብገፊሕ 5-1 ተዓዊታ።

ድሕሪ ጸወታ ሶልሻየር ቡሉጻት ተጻወቲ ተሃልዮሙካ ዓወት ቀሊል እዩ ክብል ኣብ ርእሲ ሞሪኖ ዘራባ ወስ ኣቢሉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com