Wednesday , May 8 2024
Lars Pehrson/SvD/TT

ነበርቲ ሽወደን ዝኾኑ ብሪጣንያውያን ብ “ንኹሉ ማዕረ ዝኾነ ኲነታት ” ክነብሩ ከም ዝፍቀደሎም ሚኒስተር ኣውሮጳዊ ሕብረት ሓቢራ::

ብመሰረት ሕጊ ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ሽወደን ዝቕመጡ ብሪጣንያውያን ብ “ንኹሉ ማዕረ ኣብ ዝኾነ ኲነታት ” ክነብሩ ከም ዝፍቀደሎም ሚኒስተር ኣውሮጳዊ ሕብረት ንሬድዮ ሸወደን ሓቢራ።

ኮሚሽን ኣውሮጳ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ዋላውን ብሪጣንያ ብ 29 መጋቢት ካብ ኣባልነት ኣብ እትወጸሉት እዋን ከምዚ ዓይነት ስምምዕ እንተዘይተገብረ ኩለን ኣባል ሃገራት ኣብ ዓደን ንዝቕመጡ ብሪጣንያውያን ናይ ምንባርን ምስራሕን መሰል ክህባ ጸዊዓ።

ብዛዕባ ኣብ ሽወደን ዝቕመጡ ብሪጣንያውያን ብዝምልከት ንሕና ምንባሮም ክቕጽሉ: ክመሃሩ፡ ክሰርሑ፡ ናይ ጡረታ ኣገልግሎት ክረኽቡ፡ ከምዚ ሕጂ ዝረኽብዎ ዘለዉ ጽቡቕ ክንክን ጥዕና ክረኽቡ ኢና ንደሊ።

ነዚ ድማ እዩ ኩሉ ውጥናትና” ብምባል ሚኒስተር ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣን ሊንድ ንሬድዮ ሸወደን ኣረዲኣ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com