Thursday , May 2 2024

ኣህጉራዊ ዜና

ሽወደን የመናዊት ጋዜጠኛ ከተባርር ትደሊ።

ጉዳይ ፍልጥቲ የመናዊት ጋዜጠኛን ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላትን ዓለም-ለኻዊ ኣቓልቦ እናሰሓበ ይመጽእ ኣሎ። ሰብ መዚ ስደተኛታት ሽወደን ናብ ቼክ ሪፓብሊክ እዮም ከባርርዋ ዝደልዩ ዘለዉ። ሒንድ ኣል- ዒርያኒ ንዓኣን ንጓላን ስም ኣልቦ ናይ መፈራርሂ መልእኽቲ ክበጽሓ ምስ ጀመረ እያ ቅድሚ ሓደ ዓመት ምስ ኮተቴ ጓላ ካብ ቱርኪ ንሽወደን መጺኣ። ናብ ሽወደን ክመጻ ዝመረጻሉ ምኽንያት ኣዲኣን ሓብታን ንሒንድ ኣብ ሽወደን ስለዝቅመጣ እዩ። እዚ …

Read More »

ኣብ ገዝኡ ኣካላት ወዲ ሰብ ዘጽንሐ ጃፓናዊ ተታሒዙ::

ኣብ ከባቢ ከተማ ቶክዮ ኣብ እትርከብ ሓንቲ ቁሸት፡ ዝተቖራረጸ ኣካላት ናይ ትሽዓተ ሰባት ኣብ ገዝኡ ዘጽንሐ ሰብኣይ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተወ፡ ፍራን24 ዝተባህለ ማዕከን ዜና ሓቢሩ። ወዲ 27 ዓመት ታካሂሮ ሺራይሺ፡ ነቲ ኣካላት ኣብ ዝተፈላለየ መዝሓሊታት ድሕሪ ምዕሻግ፡ ደማምኡ ኣብ ዝድቅሳሉ ክፍሊ ኣቐሚጥዎ ከምዝጸንሐ እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ ኣረዲኡ። ፖሊስ፡ ንሓንቲ ብሕጊ እትድለ ዝነበረት ሰበይቲ ንምርካብ ኣብ ዘካዪድዎ ዝነበሩ ጎርጓር፡ እቲ …

Read More »

ኣብ ኣብያተ ዕዮ ጸጥታን ምክልኻልን ኢትዮጵያ ጃምላዊ ማእሰርቲ ተኻይዱ።  

ኣብ ትካላት ምክልኻልን ሃገራዊ ጸጥታን ኢትዮጵያ፣ ብዝተፈላለየ መዝነት ክሰርሑ ዝጸንሑ ሰባት ብክሲ ብልሽዉናን፣ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ንዝተጠርጠሩ ክሱሳት፣ ንምሓዝ ሰፊሕ ዘመተ ማእሰርቲ  ከምዝተኻየደ፣ ዋና ኣኽባር ሕጊ እታ ሃገር ሓቢሩ። ብመሰረት እቲ መግለጺ ልዕሊ 36 ዝኾኑ ሰበስልጣን ምክልኻልን ጸጥታን ስልጣኖም ተጠቂሞም ሃብቲ ክዘምቱን ዘይሕጋዊ ሃብቲ ኸኻዕብቱ ጸኒሖም እዮም ንዝበሎምን ጥርጡራትን፣ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት እታ ሃገር እትምራሓሉ ሕገ መንግስታዊ ኣሰራርሓ ብዘይፈቕዶ መገዲ፣ …

Read More »

 ንሰራሕተኛታቱ ሽንቲ ብምስታይ ዝቐጽዕ ኩባንያ

ኣብ ቻይና፡ ዙንዪ ኣብ ዝተባህለት ከተማ ናይ ክፍለ ሃገር ጉይዡ ንብዙሓት ዘስደመመ ፍጻመ ኣጋጢሙ። እቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ድሕሪ ምዝርግሑ ዓቢ ዛዕባ መራኸቢ ብዙሓንን ማእከል ስሕበት ዕላል ናይ ብዙሓት ሰባትን ኮይኑ ዝቐነየ ሓበሬታ እዚ ዝስዕብ እዩ። ሓደ ኣብ ምምልኻዕ ኣባይቲ ዝነጥፍ ትካል እዩ። ኣታዊታቱ ምስ ኣንቆልቆለ፡ ጠንቁ፡ ድኽመት ሰራሕተኛታቱ ምዃኑ ብምእማን ሰራሕተኛታቱ ክቐጽዕ ወሲኑ። ዝሓለፈ ሰሙን ዝተዘርግሐ ዘስካሕክሕ …

Read More »

ጃፓናዊት ደሴት ተሰዊራ

ኣብ ጃፓን፡ ሓንቲ ደሴት ብምስዋራ መንግስቲ’ታ ሃገር ናይ ምድላያን ምድሓናን ተልእኾ ኣዊጁ ምህላዉ ተገሊጹ። እዛ Esanbehanakitakojima ዝተባህለት ሰብ ዘይነብረላ ደሴት፡ ካብ ገማግም ባሕሪ ጃፓን 500 ሜትሮ ርሒቓ ዝነበረት ኮይና፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ካብ ትርኢት ከምእተሰወረት’ዩ እቲ ሓበሬታ ዘመልክት። ሃለዋት ናይዛ ደሴት ክሳብ ዝረጋገጽ ኣብቲ ከባቢ ዝግበር ምንቅስቓስ ናይ ጀላቡ ውሑስ ከምዘይከውን ሓለዋ ገማግም ጃፓን ኣፍሊጡ ኣሎ። ብመሰረት ገምጋም ሓለፍቲ ሓለዋ …

Read More »

ቻይና ካልኣይቲ ወርሒ ኣብ ሰማያታ ንምስቃል ትቀራረብ

ቻይና ትስንዓ ዘላ ሰብ-ሰርሖ ወርሒ፡ ኣብ 2020 ኣብ ሰማያት ከተማ ቸንዱ (ክፍለ ሃገር ሲቹዋን) ክትሰቕላ ምዃና ንሰብ መዚ ናይታ ከተማ ብምጥቃስ ፒዩፕልስ ደይሊ ኦንላይን ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ’ታ ሃገር ኣፍሊጡ። እዛ ብወዲ ሰብ ዝተሰርሐት (ኣርቲፊሻል) ወርሒ ነታ ባህርያዊት ወርሒ ክትትክኣ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብሸሞንተ ዕጽፊ ካብ ናታ ዝደመቐ ብርሃን ክትህብ ምዃና እቲ ሓበሬታ የረድእ። ምስ ምጅማር እዛ ውጽኢት ስነ-ፍልጠት ዝኾነት ወርሒ፡ ኣብ …

Read More »

ቅርጻ ምስሊ መሓመድ ሓላሕ፡ ደገፍቲ ኩዕሶ የስሕቕ

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ሸፊንዎ ዝነበረ መጋረጃ ተቐንጢጡ ንምርኢት ዝበቕዐ ቅርጻ ምስሊ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ሊቨርፑል መሓመድ ሳላሕ፡ ንብዙሓት ኣፍቀርቲ ኩዕሶ እግሪ ከስሕቕ እንከሎ ንገሊኦም ድማ ኣገሪምዎም ኣሎ። እቲ ቕርጻ፡ ሳላሕ ጎል ድሕሪ ምምዝጋቡ፡ ኣእዳዉ ዘርጊሑ ንሰማይ እናጠመተ ብፍሽኽታ ክጽምብል እንከሎ ዘርኢ ኮይኑ፡ ኣብ ምስራዊት ከተማ ሻርም ኤል ሸኽ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዓለማዊ ዋዕላ መንእሰያት እዩ ንትዕዝብቲ ተቓሊዑ። ይኹን’ምበር፡ ኣብቲ ቅርጻ፡ …

Read More »

ኣብ ውሽጢ ህንዳዊ ውቅያኖስ፡ ክቡር ሆቴል ተሃኒጹ

ሓደ ኮንራድ ዝተባህለ ናይ መጋየጺ ሆቴላት ትካል፡ ኣብ ውሽጢ ህንዳዊ ውቅያኖስ ንሓደ ለይቲ 50 ሽሕ ዶላር ኣመሪካ ዘኽፍል በዓል ሓሙሽተ ኮኸብ ሆቴል ከምዝሃነጸ ኣፍሊጡ። እዚ ሙራካ ዝተባህለ በዓል ክልተ ደርቢ ሆቴል፡ ባር፡ ናይ ውልቂ ጂምናዝየምን ዝተፈላለዩ መዘናግዒታትን ዘጠቓለለ ኮይኑ፡ ኣብ ዓለም ናይ መጀመርያ ምዃኑ ተነጊርሉ ኣሎ። ናሕሲ ናይቲ ሆቴል ድማ ልዕሊ ማይ ኮይኑ፡ ዓማዊል ነብሶም ፍትሕ ኣቢሎም ጸሓይ ዝጽለዉሉ እዩ። …

Read More »

ኣሰንሶ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ሃዛርድ ይኣቱ

ክለብ ሪያል ማድሪድ ድሕሪ ን ክርስትያኖ ሮናልዶ ድርቀት ሸቶ ገጢሙዋ ብንኣሽቱ ክለባት ኢስጳኞለ ተበሊጻ ካብ ቀንዲ መቓናቕንታ ክለብ ባርሶሎና ብ 7 ነጥቢ ተፈንቲታ  ኣብ 6 ደርጃ ትርከብ። ካብዚ ኣትያቶ ዘላ ዓዘቅቲ ንምግልጋል ዘይተኣደነ ገንዘብ ብምስላዕ ኣብ ሃድን ስሙያት ተጻወቲ ትርከብ።  ን ኣብ ወርሒ ጥሪ ዝኽፈት መስኮቲ ምስግጋር ተጻወቲ ቀንዲ ኣተኩርኣ ናብ ተጻወቲ ራሒም ስተርሊን ካብ ማን ስቲ ኤደን ሃዛርድ ካብ …

Read More »

ኣርሰን ቨንገር ምስ ሚላን ወዲኡ ይበሃል

ካብ ኢንግሊዛዊት ክለብ ኣርሰናል ድሕሪ 22 ዓመት ምፍልላዩ ኣብ ዕረፍቲ ዝጸንሔ ኣርሰን ቨንገር ምስ ክለብ ኤሲ ሚላን ከም መተካእታ ሓደ ናይ ቀድም ተጻዋትይን ድሒሩ ነዛ ክለብ ከሰልጥና ሓላፈነት ዝተዋህቦ ጋትሶ ክኸውን ኣብ ስምምዕ በጺሖም ክትብል ፍራንስ ስፖርት ኣብ ኣብ ዓምድታታ ኣስፊራ። ጋትሶ ብ ኣታውን ወጻኣቲ ጸወታ ነዛ ጋንታ ክመርሓ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ መሳልል ሰሪ ኣ ጥልያን ካብ መራሒት ጁቬንቱስ ብ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com