Friday , April 26 2024
Hind Al Eryani today. Credit: Ulla Engberg/Sverigs Radio

ሽወደን የመናዊት ጋዜጠኛ ከተባርር ትደሊ።

ጉዳይ ፍልጥቲ የመናዊት ጋዜጠኛን ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላትን ዓለም-ለኻዊ ኣቓልቦ እናሰሓበ ይመጽእ ኣሎ። ሰብ መዚ ስደተኛታት ሽወደን ናብ ቼክ ሪፓብሊክ እዮም ከባርርዋ ዝደልዩ ዘለዉ።

ሒንድ ኣል- ዒርያኒ ንዓኣን ንጓላን ስም ኣልቦ ናይ መፈራርሂ መልእኽቲ ክበጽሓ ምስ ጀመረ እያ ቅድሚ ሓደ ዓመት ምስ ኮተቴ ጓላ ካብ ቱርኪ ንሽወደን መጺኣ።

ናብ ሽወደን ክመጻ ዝመረጻሉ ምኽንያት ኣዲኣን ሓብታን ንሒንድ ኣብ ሽወደን ስለዝቅመጣ እዩ። እዚ ጉዕዞ ክዉን ዝኾነ ሒንድ ኣል- ዒርያኒ ኣብ ሓደ ኣህጉራዊ ኮንፈረንስ ናብ ቼክ ሪፓብሊክ ዘእትዋ ግዜያዊ ቪዛ ብምርካባ እዩ። ድሕሪኡ ጓላ ናብ ሽወደን ብቐጥታ እትኣትወሉ ናይ ጉዕዞ ቪዛ ረኺባ።

ሰብ መዚ ስደተኛታት ሽወደን ነዛ ናይ ኮንፈረንስ ቪዛ እዮም ከም መወከሲ ዘልዕልዋ ዘለዉ። ጉዳይ ሒንድ ኣል- ዒርያኒ ቼክ ሪፓብሊክ እምበር ሽወደን ኣይምልከታን በሃልቲ እዮም።

እታ ጓል 16 ዓመት ግና ጽቡቕ የላን። ናይ ኣእምሮ ጸገም ከም ዘጓነፋን ሰብ መዚ ስደተኛታት ሽወደን ጉዳያ ከሳልጡላን ኣዲኣ ልመና ኣቕሪባ’ላ።

ጠበቓኣ ዮኣቂም ሉንድክቪስት ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት እተሰማማዓሉ ሕጊ ደብሊን ስደተኛታት ሽወደን ዝያዳ ብቐሊሉ ኣብ ዝርከቡ መረዳእታታት ተሞርኪሱ ከም ዚዓዪ እምንቶ ከም ዘለዎ ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com