Friday , May 17 2024

ካብዝን ካብትን

ኩሉ ሰብ ጠሊሙኒ!

ሓቐኛ ዛንታ ካልኣይን መወዳእታን ክፋል ብጸጋብርሃን ጎይትኦም  “ሰብ  የለን  ድዩ?”  ሰብ  ምስ  ስኣነት፡ ሰብ  ደለየት።  ኵሉ  ምጻሩ  ምስ  ስኣነት ድማ፡  ንነብሳ  ክትፍትሽ  ተገደደት፡  ክሳብ ክንድዚ  ሰብ  ካብኣ  ምርሓቑ  ንሳ  ዝፈጠረቶ ጸገም  ምዃኑ  ንምርኣይ፡  ሕሉፍ  ህይወታ ክትፍትሽ ተገደደት. . .። ኢለን  ተስፋይ’ያ  ትብሃል፡  ኣብ’ዚ  ሕጂ እዋን  ጓል  ኣርብዓን  ሸሞንተን  ዓመት’ኳ ኰይና  እንተላ፡  ጣዕሚ  መነባብሮኣን  ነብሳ ትከናኸንን  ብምዃና፡  ክትዕዘባ  ከለኻ  ኣብ መጀመርታ  …

Read More »

ኣብ ኢንዶነዝያ፡ ብውሑዱ 35 ሰባት ሞይቶም

ናብ ሎሚ ዓርቢ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ፡ ኣብ ኢንዶኔዝያዊት ደሴት ሱላዌሲ፡ 6.2 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ መሬት ብምግጣሙ ብውሑዱ 35 ሰባት ከምዝሞቱ ተሓቢሩ። ብሰንኪ እቲ ባህርያዊ ሓደጋ፡  ብርክት ዝበሉ ህንጻታትን ሓንቲ ሆስፒታልን ከም ዝዓነዋ ተፈሊጡ። ገለ ሰባት ድማ ኣብ ትሕቲ እቲ ዝፈረሰ ህንጻታት ተጸቒጦም ብሂወት ከምዘለዉ ጸብጻባት ይሕብሩ። በቲ ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ መሬት፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ክጉድኡ እንከለዉ፡ 15 ሽሕ ድማ ካብ ኣባይቶም …

Read More »

ደማዊ ህልቂት ኣብ ምብራቕ ኮንጎ-ኪንሻሳ

ኣብ ምብራቕ ኮንጎ-ኪንሻሳ ኣብ እትርከብ ኣቤምቢ እትበሃል ቁሸት፡ ብጉጅለ ADF ከምዝተፈጸመ ዝንገረሉ ደማዊ ህልቂት ከምዝወረዳ ጸብጻባት መንግስቲ ነቲ ብጂሊ ጎታቦ ዝተባህለ መራሒ ናይ ሓንቲ ኣብቲ ከባቢ እትርከብ ብሕታዊት ማሕበር ዝተዋህበ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ። ኣብቲ ፍጻሜ፡ 46 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ 2 ሰባት ከምዝቖሰሉ ተፈሊጡ። ADF ኣብ ኦጋንዳ ዝተመስረተ ጥሩፍ እስላማዊ ጉጅለ ኮይኑ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣብ ስንጭሮታት ኮንጎ ኪንሻሳ ተሓቢኡ ኣብ ልዕሊ …

Read More »

ሩስያ፡ ካብ ስምምዕ “ክፉት ሰማያት” ወጺኣ

ሩስያ፡ ብመንገዲ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያታ ኣቢላ፡ ካብ ውዕል “ክፉት ሰማያት” ከምዝወጸት ሓቢራ። ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብዚ ስምምዕ ድሕሪ ምውጻኣ፡ ሩስያ፡ ካልኣይቲ ሃገር ኮይና ኣላ።  ኣሜሪካ፡ ካብዚ ስምምዕ ምውጻኣ፡ ሃገራት ኤውሮፓ ጽቡቕ ከምዘይተሰመዐን ገሊጸን ምንባረን ይዝከር። ኣቐድም ኣቢላ፡ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ሽወደን፡ ኣን ሊንደ፡ ናብ ስምምዕ “ ክፉት ሰማያት” ንኽትምለስ፡ ንመንግስቲ ኣሜሪካ ክተእምን ክትጽዕርን፡ ንሩስያ ድማ ኣብቲ ስምምዕ …

Read More »

67 ሚልዮን ክሮነር ዝትመን ዕጸ-ፋርስ

ኣብ ወርሒ የካቲት ናይ ዓመተ 2020፡ ክልተ ዜጋታት ሆላንድ ዝኾኑ ሰባት፡ ኣብ ውሽጢ ኮንቴነር ተጻዒኑ፡ ካብ ኮሎምቢያ ናብ ሽወደን ገጹ ዝመጽእ ካብ ዝነበረ 500 ከረጺት ኣንትራሳይት ካርቦን፡ ኣብ 6 ከረጺት፡ ጥሑን ካርቦን ምስ ዕጸ-ፋርስ (ኮኬን) ሓዊሶም ክኣትዉ ኣብ ዝፈተንሉ እዋን፡ ብኣባላት ጉምሩክ ከምተታሕዙ ጸብጻባት ሓቢሮም። እተን 6 ኮኬን ዝሓዛ ከረጺት፡ ድሕሪ ምጽራየን፡ 18.7 ኪሎ ግራም ጽሩይ ኮኬን ከምዝወጸን፡ ብገንዘብ ክትመን …

Read More »

ኣብ 2020 ኣብ ዩትዩብ ብዝሒ ተዓዘብቲ ካብ ዝረኸባ 10 ቪድዮታት

ኣብዛ ዝሓለፈት ዓመተ 2020፡ ዩትዩብ፡ ብሚልዮናት ቪድዮታት ዝፍነወሉ ማዕከን ከም ሙዃኑ መጠን መግሓጢ ሚልዮናት ዶላራትን መሀብተሚ ብዙሓትን ኮይኑ ይርከብ። ኣብዚ ዝሓለፍ ዓመት፡ ኣስታት 7.05 ቢልዮን ተመልከቲ ብምርካብ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ዝተሰርዔት ”ቤቢ ሻርክ ዳንስ” ትብል ናይ ህጻናት መዝሙር ኮይና ኣላ። ኣብዚ ዓመተ 2020፡ ልዕሊ 7 ቢልዮን ተመልከቲ ዝረኸበት ” ዴስፖልቶ” ብቪድዮ ክሊብ ዝተስረሔት ሙዚቃ ኣብ ካልኣይ ደርጃ ክትስራዕ ከላ፣ ካልእ …

Read More »

Harmony News. 15/ 01 /2021

Read More »

ዜና መጽሄት 14 ጥሪ 2021

Read More »

ቤት ጽሕፈት ኢመግረሽን ን ፓስፖርት ዝምልከት ሓድሽ ሓበሬታ ኣውጺኡ

ካብ ሎሚ ዕለት 14 ጥሪ 2021 ዝኾነ ሰብ ፓስፖርት ማለት främ­lings­pass ወይ rese­do­kument  ከመልክት ወይ ከሐድስ ምስዝደሉ ብቐጥታ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ክፍሊ ኢመግረሽን ብምእታው ብ ቐጥታ ኦንላይን ብመንገዲ Bank Id ክሓትትን ከሔድስን ከምዝኽእል ሓቢሩ። ብተወሳኺ ኣብ ኦንላይን ብምእታው ናይ ሙሉእ ስድራቤት ምስ ትሕቲ ዕድሜ ህጻናት ብመንገዲ ባንክ ኣይ ዲ Bank Id ከመልክት ከምዝእክልን ኩሉ ክፍሊትን ኣሰር ኣጻብዕቲን ክገድፍ ከምዝኽእል ይሕብር። …

Read More »

ጽባሕ ዓርቢ፡ “ሃገራዊ መዓልቲ በረድ” ሽወደን ተባሂሉ ክስመ ይክእል እዩ

ኣብዚ ቅንያት፡ ሽወደን፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ መላእ ሃገር ዝነፈሰ በረድ ዝዓብለሎ ህቦብላ፡ ቤት ትምህርታት ስረሐን ከቛርጻን መስመራት መጓዓዝያ ክዕገትን ድሕሪ ምርኣይ፡ ጽባሕ ዓርቢ ድማ፡ ኣብ መላእ ሽወደን በረድ ክወርድ ምዃኑ ክኢላታት ኩነታት ኣየር ይእምቱዩ። ኣብ መላእ ሽወደን፡ ብርቱዕ ዛሕሊ ዝዓብለሎ ኩነታት ኣየር ይረአ’ ኴ እንተሃለወ፡ ትማሊ፡ ኣብ ናቶቮራ (Nattavvara)ን ኖርቦተንን ግን መጠን ዛሕሊ -390C ምብጽሑን እዚ ድማ፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ወቕቲ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com