Sunday , May 12 2024

ጽባሕ ዓርቢ፡ “ሃገራዊ መዓልቲ በረድ” ሽወደን ተባሂሉ ክስመ ይክእል እዩ

ኣብዚ ቅንያት፡ ሽወደን፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ መላእ ሃገር ዝነፈሰ በረድ ዝዓብለሎ ህቦብላ፡ ቤት ትምህርታት ስረሐን ከቛርጻን መስመራት መጓዓዝያ ክዕገትን ድሕሪ ምርኣይ፡ ጽባሕ ዓርቢ ድማ፡ ኣብ መላእ ሽወደን በረድ ክወርድ ምዃኑ ክኢላታት ኩነታት ኣየር ይእምቱዩ።

ኣብ መላእ ሽወደን፡ ብርቱዕ ዛሕሊ ዝዓብለሎ ኩነታት ኣየር ይረአ’ ኴ እንተሃለወ፡ ትማሊ፡ ኣብ ናቶቮራ (Nattavvara)ን ኖርቦተንን ግን መጠን ዛሕሊ -390C ምብጽሑን እዚ ድማ፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ወቕቲ ሓጋይ ካብ ዝተራእዩ መጠን ዛሕሊ፡ እቲ ዝተሓተ ምዃኑ ክኢላ ኩነታት ኣየር፡ ማርኮስ ኾስቲድ፡ ሓቢሩ።

ዝሑል ኩነታት ኣየር፡ ንቁሩብ እዋን ክቕጽል እዩ ዝበለ ኾስቲድ፡ ጽባሕ ዓርቢ፡ ኣብ ምላእ ሽወደን ዝረአይ መጠን ዛሕሊ፡ ትሕቲ ዜሮ ብምዃኑ፡ ጽባሕ ከም “ ሃገራዊ መዓልቲ በረድ” ሽወደን ኢልና ክንሰምያ ንኽእል ኢና ክብል ዘረብኡ ዛዚሙ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com