Wednesday , May 8 2024

ኩሉ ሰብ ጠሊሙኒ!

ሓቐኛ ዛንታ

ካልኣይን መወዳእታን ክፋል

ብጸጋብርሃን ጎይትኦም

 “ሰብ  የለን  ድዩ?”  ሰብ  ምስ  ስኣነት፡ ሰብ  ደለየት።  ኵሉ  ምጻሩ  ምስ  ስኣነት ድማ፡  ንነብሳ  ክትፍትሽ  ተገደደት፡  ክሳብ ክንድዚ  ሰብ  ካብኣ  ምርሓቑ  ንሳ  ዝፈጠረቶ ጸገም  ምዃኑ  ንምርኣይ፡  ሕሉፍ  ህይወታ ክትፍትሽ ተገደደት. . .።

ኢለን  ተስፋይ’ያ  ትብሃል፡  ኣብ’ዚ  ሕጂ እዋን  ጓል  ኣርብዓን  ሸሞንተን  ዓመት’ኳ ኰይና  እንተላ፡  ጣዕሚ  መነባብሮኣን  ነብሳ ትከናኸንን  ብምዃና፡  ክትዕዘባ  ከለኻ  ኣብ መጀመርታ  ሰላሳታት  እትርከብ  ሄዋን’ያ ትመስል።  እዛ  ኣብ  ከተማ  ከረን  ተወሊዳ ኣብ  ኣስመራ  ዝዓበየት  ኢለን፡  ካብ’ታ  ክልተ ኣዋልድን  ሰለስተ  ኣወዳትን  ዘፍረየት  ስድራ ኣቶ  ተስፋይ  ቦኽሪ’ያ።  ወለዳ  መዓልታዊ ህይወቶም  ብንግዲ  ዝምሓደሩ  ብምዃኖም፡ ካብ ህጻንነታ’ያ ጣዕሚ ዘለዎ ናብራ  ክትመርሕ  ጀሚራ። ኣብ  ልክዕ  ዕድሚኣ’ኳ ትምህርቲ  እንተጀመረት፡ ምስ  ግዜ  ግና  ‘ትምህርቲ ክሰማምዓንን  ክርድኣንን  ኣይክኣለን። መባልዕተይ  ድማ  ኣይኰነን’  ብምባል  ኣብ ሻምናይ  ክፍሊ  ትምህርቲ  ብምቁራጽ፡  ኣብ ሓደ  ዝተፈላለየ  ክዳውንቲ  ዝሸይጥ  ትካል ከም  ሰራሕተኛ  ብምዃን፡  “ካብ  ስድራይ ተጸባይት  ከይኰንኩ፡  ርእሰይ  ክኽእል’የ” ብምባል  ስራሕ’ኳ  እንተጀመረት፡  ይትረፍ ነብሳ  ክትክእል፡  ነዛ  መዓልታዊ  ህይወታ’ኳ ክትመርሕ  ተጸገመት።  ወርሓዊ  ትኽፈሎ ዝነበረት  ሓሙሽተ  ሚእቲ  ብር  (ኣብ’ቲ  ሽዑ እዋን  ዝነበረ  ገንዘብ  መግዛእቲ’ዩ)፡  ኣብ  ፈቖዶ ካፈታት  እናኸደት  መሓዙት  ከተጥርየሉን፡ ኣብ ዘይጠቅም  ነገራት  ከተውዕሎን ብምጅማራ፡  ትኽፈሎ  ዝነበረት  ገንዘብ ይኣኽላ  ኣይነበረን።  ነተን  ካብ  ወርሒ  ናብ ወርሒ  ከሳልይኣ  ዝግብኣን  ደሞዛ  ድማ፡ ቀልጢፋ  ብምውዳእ  ካብ  ስድራኣ  ትወስድ ነበረት። ወለዳን  ኣሕዋታን፡  ትምህርቲ  ምቁራጻ ዕረ’ኳ  ጥዒምዎም  እንተነበረ፡  ኣብ  ስራሕ ዓለም  ምውፋራ  ግና  ገለ  እፎይታ ፈጠረሎም።  “ሞያ  እንተቐሰመት”  ብምባል ድማ  ንኣካይዳኣ  ሸለል  በልዎ።  በዚ  ተስፋ ዝረኸበት  ኢለን፡  ካብ  መዓልቲ  ናብ  መዓልቲ ህይወታ  ቀይዲ  እናስኣነ፡  ኣብ  ፈቖዶ  ባራትን ምስ  ዝተፈላለዩ  ደቂ-ተባዕትዮን  ክትረአ ጀመረት።  ቦኽሪ  ገዛ  ብምዃና  ኣትሪሩ ዝገንሕ  ሰብ  ከይረኸበት፡  ንነብሳ  መኣዝና ከተጥፍኣላ ጀመረት. . .።

ካብ’ታ  ትሰርሐላ  ዝነበረት  ትካል፡  ድሕሪ ሰለስተ  ዓመት  ተፋንያ  ንመልክዓን  ነብሳን እምነት  ኣሕዲራ፡  “ሰብ  ኣብ  ዓለም  ከሎ ክሕጎስ  ኣለዎ”  ዝብል  ኣጉል  እምነት ተዓጢቓ፡  ንዓለም  ኣይትጽርኒ  ክትብላ ጀመረት።  ሓንቂቓ  ዝዓበየትላ  ቤታ  ሕቘኣ ብምሃብ  ድማ፡  ምስ  መሓዙታን  ዝተፈላለዩ ሰባትን  ምውዓላን  ምሕዳራን  ኰነ፡  ብቐረባ ዝፈልጥዋ  ሰባት  “ኣተዓባብያኣ  እዩ  ሃስዩዋ” ብምባል፡  ንሕምቀታ  መመኽነይታ  ክገብሩሉ ፈተኑ። ናብራ  ኣስመራ፡  ብኹሉ  ፈቲና  ኣላሽ  ምስ በለት፡  ናብ’ቲ  ብዕላል  ጸጊባቶ  ዝነበረት  ዝያዳ ሓጐስ  ይርከቦ’ዩ  ኢላ  ዝኣመነትሉ፡  ኣዲስ ኣበባ  ኣንፈታ  ብምቕናዕ፡  ኣብ  1987  ናብኡ ኣምርሐት።  እዚ  ሓሳብ  ሓደ  ካብ’ቶም  ኣብ ቁጽጽራ  ኣትዩ  ዝነበረ  በርሀ  ዝብሃል  ሰብ’ዩ ከም  ምኽሪ  ወስ  ኣቢሉላ።  በርሀ  ብንግዲ ካብ  ኣስመራ  ናብ  ኣዲስ  ኣበባ  ብተደጋጋሚ ዝመላለስ  ፍሉጥ  ነጋዳይ’ዩ።  ኣብ  ሓደ ኣጋጣሚ  ምስ  ኢለን  ምስ  ተላለዩ’ዩ  ድማ ከዕልላን  ምስኣ  ክዛናጋዕን  ዝጀመረ።  ምስ ግዜ  ድማ  ናብ  ኣዲስ  ኣበባ  ከይዳ  ህይወታ ክትልውጥ  ብዝሃባ  ዘይተጸንዐ  ምኽሪ፡ ከይሓሰበት ምስኡ ዝተበገሰት…።

 ጕዕዞ  ህይወታ  ቦታ  ምስ  ቀየረ’ውን ዳግማይ  ክምሓየሽ  ኣይክኣለን።  እኳ ድኣ  መሊሱ  ዛየደ።  ኣብ’ቲ  ዝተፈላለዩ መትዓብይታ  ይርከብዎ’ዩ  ዝተባህለ ቦታ  እናኸደት፡  ካብን  ናብን  ክትናጠር ጀመረት።  ካብ  ሎሚ  ንጽባሕ  ዘስግር  ሓጐስ ጥራይ  ትርከብ  እምበር፡  መጻኢ  ህይወታስ ኣብ’ቲ  እዋን  ዋጋ  ትህቦ  ኣይነበረትን።  ካብ ኣስመራ  ሒዝዋ  ዝኸደ  በርሀ  እታ  ዝበለጸት ዝገበረላ  ሓገዝ፡  ናይ  ሰለስተ  ዓመት  ክራይ ብምኽፋል፡  መጸግዒ’ኳ  እንተገበረላ፡  በንጻሩ ንሳ  ካብ  ስራሕ  ብምሕካል  ምስ  መስተን ምዝንጋዕን  ጥራይ  ኰነ  ህይወታ።  ነታ ዝተመጠወትላ  ገዛ’ውን  ቀሲና  ክትነብራ ተጸገመት።  ብብርክት  ዝበሉ  ኤርትራውያን ምኽሪ’ኳ  እንተተለገሰላ፡  ሰሚዓ  ከም ዘይሰምዐት’ያ  ትሓልፎ  ነበረት።  ብፍላይ  ቀስ ብቐስ  ዝኣተወቶ  ወልፊ  ጫት  ናቱ  ግዙእ ስለ ዝገበራ፡ ድንዝዝትን ውልፍትን ኰነት። ግና  እቲ  ኵሉ  ዝክኣሎ  ፈጣርስ  ንዕድላ  በዚ ኣይዓጸዎን. .።

ኣብ  1990 እዩ።  ኢለን  ከም  ልሙድ ኣካይዳኣ፡  ናብ’ቲ  ወልፋ  እተዐግሰሉ  ቦታ ምስ  ኣምርሐት’ያ  ዘይሓሰበቶ  ዕድል  ከም ጸሓይ  ቀትሪ ኣብ ቅድሚኣ ተገቲሩ ኣለኹ ዝበላ።  ናብ’ቲ  ከባቢ  ሰብ  ክረክብ  ዝመጸ ተስፋዝጊ  ዝብሃል  ካብ  ጀርመን  ዝመጸ ጎበዝ፡  ምስ  ኢለን  ሌላ  ብምፍጣር፡  ናብ ፍቕሪ  ዝሰገረ፡  ካብ  ኵሉ  ወልፍታት  ነጻ ንምግባር  ድማ፡  ኣበርቲዑ  ክሰርሕ  ጀመረ። ንሳ  ብወገና  ብዕላማ  ቀሪባቶ  ብምንባራ ካብኡ  እናተሓብአት  ጥራይ፡  ወልፋ  ተዐግስ ነበረት።  ካብ  ጌጋኣ  ተኣሪማን  ተማሂራን’ያ ኢሉ  ዝኣመነ  ተስፋዝጊ  ድማ፡  ሓጺር መርዓ  ብምግባር፡  ምዉቕ  ሓዳር  ክዀነሉ ብምምናይ፡  ምስኡ  ናብ  ሃገረ  ጀርመን ሒዝዋ  ዝኸደ።  እንተዀነ  ኣመል  ምስ መግነዝ  ኰይንዋ፡  ካብ  ዝገደደ  ናብ  ዝበኣሰ ብምምራሕ፡  ናብ  ወልፊ  ዕጸ  ፋርስ  ክትሰግር ግዜ  ዝብሃል  ኣይወሰደን።  ኵሉ  ኣካይዳኣ ክውሓጠሉ  ዘይክኣለ  ተስፋዝጊ  ድማ፡ ንስጡም  ኣካይዳኡ  ከይትዝርገሉ  ብምፍራሕ ሓዳሩ  ብፍትሕ  ከምዝዛዘም  ገበረ።  ብሕልና ተደሪኹ  ድሕሪ  ፍትሕ’ውን  እንተዀነ ኣካይዳ ኢለን ከዐርዮ’ኳ እንተፈተነ፡ ክሰልጦ ስለ ዘይክኣለ ፈተናኡ ከንቱ ኰነ። ወለዲ  ኢለን  ጓሎም  ሃገረ  ጀርመን  ከም ዝኣተወትን  ሓዳር  ከም  ዝገበረትን  ምስ ሰምዑ  ብመጠኑ’ኳ  እፎይታ  ዓሲልዎም እንተነበረ፡ ጸኒሖም  ዝሰምዖዎ  ዛንታ ውላዶም  ግና  ኣብ  ውሽጦም  ጓሂ  ፈጢሩ ከም  ዝሓሙ’ዩ  ገይርዎም።  ነገር  ስጋ ኰይኑዎም  ድማ፡  ደጋጊሞም  ድሃያ  ካብ ምሕታት  ዓዲ  ውዒሎም  ኣይፈልጡን.  .  .።

ሰባት  እናለኣኹ  ክመኽሩዋ’ኳ  እንተፈተኑ፡ ፈተናኦም  ግና  ኣብ  ሓያል  ንፋስ  ከም ዝበተንካዮ  ድኹም  ሓመድ፡  ኣብ  ኣእምሮ ኢለን  ይስወጥ  ኣይነበረን።  ወገኖም ንድሕሪት ክስጉም ዘይውሓጠሎም ነበርቲ’ታ  ከተማ  ዝዀኑ  ኤርትራውያን፡ ዝተፈላለየ  ስራሕ  እናምጽኡ  ከሀድስዋ’ኳ እንተፈተኑ፡  ኣእምሮኣ  ካብ  ነብሳ  ርሒቑ ይሕንግድ ብምንባሩ፡ ጻዕሮም ፋይዳ ተሳእኖ። ምስ  ቤት  ጽሕፈት  ሕክምና’ታ  ከተማ ብምርድዳእ  ድማ፡  ኣብ  ማእከል  ተሃድሶ ከምትኣቱ  ተገብረ።  እዚ’ውን  ካብ  ግዚያዊ ትዕግስቲ  ሓሊፉ፡  ንኢለን  ዝቕይር  ሓይሊ ኣይነበረን።  ክልቲኦም  ወለዳ  ኣብ  ዝተፈላለየ እዋን  ብሞት  ክፍለዩ  ከለዉ፡  ምስ’ቲ  ነብሳ ረሲዓ  ምንባራ  ብምንጽጻራ፡  ከም  ከቢድ ገይራ  ብዘይ  ምውሳዳ፡  ምስ  ኣሕዋታ’ውን ኣብ  ከቢድ  ጽልኢ  ተሸመመት።  ካብ  ኵሉ ነገር  ብምሕካል’ያ  ድማ፡  ይትረፍ  ስድራኣ ንነብሳ’ውን  ዝረስዐት።  ግዜ  ንግዜ  እናተከአ ክኸይድ  ከሎ፡  ንዓኣ  ግን  ዋላ  ሓደ  ትርጕም ኣይነበሮን።  ንሎሚ  ብኸመይ  ትሓልፋ’ዩ ዝኸበደ  ሓሳባ።  መሬት  ትወግሕን ትዓርንብ፡  ህይወት  ኢለን  ግና  ከምታ  ዘለታ ብዘይ  ለውጢ  ትሳግም.  .  .።  ብኸምዚ ኣካይዳ’ያ  ድማ፡  ኣብ  ሃገረ  ጀርመን  ከተማ ፍራንክፈርት  ንዕስራን  ሓሙሽተን  ዓመት ተቐሚጣ። እታ  ቅድሚ  ሕጂ  ንዙረትን  ሓጐስን ትመጻ  ዝነበረት  ከተማ  ኣስመራ፡  ኣብ  ሕጂ በጺሓ  ጽምዋ መጠወትላ። ሩዓ ጠቕሊላ’ኳ እንተተመለሰታ፡  ኵሉ  ሰብ  ካብኣ  ርሒቑ ሰብ  ምስኣና  ግና  ዘይምለስ  ጣዕሳ  ኰይኑ ኣብ ውሽጣ ኣትዩ ሰራሰራ። ክልተ ወርሒ ኣብ  ሆቴል  ብምቕማጣ፡  ነቲ  ቦታ  ዝያዳ ጸልኣቶ።  ኣቦኣ  ኣቶ  ተስፋይ  ቅድሚ ካብ’ዛ  ዓለም  ብሞት  ምፍላዮም  ደጋጊሞም ዝላበውዎ  ዝነበሩ  ለበዋ  ድማ፡  ካብ  ዝኽራ እናተፈንጨለት ንበይና ተመላለሰታ። “ኢለን  ጓለይ፡  ኣብ  ስደት  ኢኺ  ዘለኺ። ሰብ  ድማ  ገንዘብ  ትረክብ  ኣላ’ዩ  ዝብለኪ ዘሎ።  ኵሉ  ሰብ’ውን  ብኡኡ’ዩ  ዝርድኦ። እንተወሓደ  ናትኪ  ገዛ  ክትውንኒ  ኣለኪ። ቀሲንኪ  ድማ  ሓዳርኪ  ትገብሪ።  ኣብ ዓድኻ  ናትካ  ገዛን  ትካልን  ምውናን  ማለት ቀጻሊ  ህይወትካ  ምውሓስ  ማለት’ዩ። እዚኣ’ያ  ዘረባይ.  .  .”  ወትሩ  ዝልግሱላ ዝነበሩ  ምኽሪ፡  ኣብ  ሕጂ  ኰይና  ጠቓሚ ምዃኑ  ተረድአት።  ግና  በየናይ  ገንዘብ? በየናይ  ተስፋ?  ኵሉ  ሕርብት  በላ።  ዝመጸ ክመጽእ  ድማ፡  ንሓዋ  ደዊላ  ክትረኽቦ ብሃገት።  ኣስመራ  መጺኣ  ስድራይ  ብምባል ትዝክሮም  ኣይነበረትን።  ፈቖዶ  ለይታዊት ትልሂት  ካብ  ምዕንዳር  ወጻኢ፡  ስድራኣ ዝዘከረትላ  እዋን  የላን።  ኣስመራ  ኣብ ትመጻትሉ  እዋን  ሓንሳብ  ምስ  በጽሓቶም፡ ገዛ  ተኻርያ  ትዕንድር፡  ትዘናጋዕ.  .  .። ደጊፋቶም  ንዘይትፈልጥ  ስድራ፡  ኣብ  ሕጂ ኰይና  ደገፎም  ደለየት።  ወለዳ  ብህይወት የለዉን።  ኣሕዋታ  ግና  ኩሎም  ሰብ  ሓዳር ኰይኖም፡  ጽቡቕ  ናብራ  ይመርሑ  ኣለዉ። እዚ  ዅሉ  ብዘየገድስ  ግና.  .  .  ሰብ  ምስ ርሓቓ. . ኣሕዋታ ናፊቓ። ዳኒኤል፡  ሓፍቱ  ኣስመራ  ካብ  ትመጽእ ክልተ  ወርሒ  ገይራ  ከምዘላን  ኣብ  ሕማቕ ኵነታት  ምህላዋን  ምስ  ሓበረቶ፡  ስራሑ ገዲፉ’ዩ እናትሃንደደ ከይድዋ. . .። “ዳኒ  ሓወይ  ኵሉ  የለን  ሰብ  ስኢነ።  እዚ ዅሉ  ዓመታት  ሓንቲ  ዘይደገፍኩኹም ኣብ  ሕጂ  በጺሐ  ዘኪረኩም።  ኣስመራ መጺአ  እናዓንደርኩ  ወለደይ  ዘይበልኩ፡ ሕጂ  ኵሉ  ምስተሳእነ  ስድራይ  ናፊቐ.  .  .” ነቲ  ተዓኒዱ  ዝዕዘባ  ዝነበረ  ሓዋ  ሓቚፋቶ ነብዐት።  ዋላ’ኳ  ቅሒሩ  እንተነበረ፡  ንዅሉ ኣብ ውሽጡ ገይሩ ምስኣ ተደናገጸ።

“ኣይ  ዝጠቅም  ንብረት  ገይረ፡  ኣይ  ገንዘብ ኣኪበ፡  ኣይ  ውላድ  ኣትሪፈ  ኵሉ  ንብላሽ ኰይኑ።  ዝቐርቡኒ  ዝነበሩ  ደቂ-ተባዕትዮ ከማን  ዕድመይ  ምስ  ገንዘበይ  ከምዝኸደ ፈሊጦም ምርካበይ ተጸጊሞም። ዳኒ ሓወይ ኵሉ  ገንዘብ  ክእክብ፡  ኣነ  ይዕንድር  ነይረ። ኣስመራ ክልተ ግዜ ይረኣየላ ኣለኹ። ዕድመ ከይዱ፡  ገንዘብ  ከይዱ፡  ሰብ  ከይዱ፡  ኵሉ የለን።  ኵሉ  ምስ  ስኣንኩዎ  ድማ  ብሂገዮ፡ ግና  ክረኽቦ  ኣይከኣልኩን።  ኣብ  ንእስነተይ ክፍጽሞ  ዝነበረኒ፡  ሕጂ  ክጅምሮ  ዓቐብ ኰይኑኒ።  በቃ  ባዶ  ነይረ፡  ባዶ  ኣለኹ.  .  .” ኣብ እግሩ ተደፊኣ ልመናኣ ኣቕረበት።

“ኢለን  ሓፍተይ  እዚ  ከይመጽእ’ሞ  ቀደም ኢና  ተዛሪብና።  ሕጂ  ድማ  ምሳይ  ተጸጊዕኪ ትነብሪ፡  ሓፍተይ  ኢኺ.  .  .”  ደንገጸላ።

“ክቡር  ባህሊ  ኣለና፡  ንወገንካ  ዘየጓኒ  ባህሊ፡ ኣነ  ድማ  ጸግዒ  ክዀነኪ’የ.  .  .”  ሕርቃኑ ክቈጻጸር ተጋደለ።

 “ብዘይ  ቁም-ነገር  ግዜይ  ኣሕሊፈዮ፡ ንመጻኢ ህይወተይ ሩፍታ ዝህበኒ ጥቕሚ ኣይገበርኩን። በቃ ኵሉ ስኢነዮ ዳኒ ሓወይ. .  .”  ተጋዲላ  ካብ  ዝተንበርከኸቶ  ተንሲኣ፡ ሰለይ  በለት።  ኵሉ  ከም ዘየለ  ኣሚና ድማ ኣብ  ኣሕዋታ  ዕቚባ  ሓተተት።  ወዲ-ሰብ ንዝረኸባ  ዕድል  እንተዘይተጠቒሙላ፡ ጽግዕተኛ  ኰይኑ  ከም  ዝተርፍ  ድማ፡  ግዜ ምሃራ። ኢለን፡  ኵሉ  ጕዕዞ  ህይወታ  ብዘይ ፋይዳ  ኣሕሊፋ፡  ኣብ’ዚ  ሕጂ  እዋን  ኣብ ዕቚባ  ኣሕዋታ  ተጸጊዓ  ትነብር  ኣላ።  ነታ ምቾት  ከተስተማቕር  ዝትዓደለታ  ነብሳ ድማ፡  ጣዕማ  ዘሪጋ  ካብ  ሰብ  እናተጸበየት ንምንባር  ትቃለስ  ኣላ።  እቲ  ቀደም  ዝነበረ መልክዓን ገንዘባን ሎሚ ኵሉ የለን። ክህሉ ዘይምግባራ  ድማ፡  ንናይ  ስደት  ናብራኣ ከንቱ  ይገብሮ.  .  .።

 *   *     *


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com