Friday , May 17 2024

ካብዝን ካብትን

ካብ ለበዳ ኮሮና ንላዕሊ ንዓለምና ዘስግኣ ጥሜት እዩ፡ ይብሉ ክኢላታት

ዓለምና ናብ ሓደ ዘይተጸበየቶ ናይ ጥሜት ቅልውላው ተምርሕ ምህላዋን ብምኽንያት ኮሮና ዝኽሰት ጥሜት ካብቲ ለበዳ ዘኸሰቶ መጠን ሞት ዝበዝሕ ክኸውን ከም ዝኽእል ክኢላታት የጠንቅቑ። ኣብ ዓለምና፡ ኣብ 2030፡ ቁጽሪ ብዓጸቦ ናይ ዝሳቐዩ ሰባት ናብ 909 ሚልዮን ክበጽሕ ከም ዝኽእል ዝሓበሩ ክኢላታት፡ ኣብ መወዳእታ ሒዝናያ ዘሎና ዓመት፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ዘስዓቦ ጥሜት፡ መዓልታዊ፡ ኣስታት 12 ሽሕ ሰባት ክሞቱ ከምዝኽእሉ ኣህጉራዊ ተሓጋጋዚ …

Read More »

ኩባንያ ኢክያ፡ ካልኣይ ኢድ ኣቕሑ ገዛ፡ ዝሸይጥ ሓድሽ ጨንፈር ከፊቱ

ኩባንያ ኢክያ፡ ንመጀመርያ ግዜ፡ ካልኣይ ኢድ ኣቕሑ ገዛ ዝሸይጥ ሓድሽ ጨንፈር ኣብ ምምሕዳር ኢስክሊስቱና ከምዝኸፈተ ሓቢሩ። ዕላማ ምኽፋት ናይዚ ሓድሽ ጨንፈር፡ ብኩባንያ ኢክያ ዝተጸገኑ፡ ካልኣይ ኢድ ኣቕሑ ገዛ፡ ኣብ ዕዳጋ ብምውራድ  ብህዝቢ ዘለዎም ተቐባልነት ንምግምጋም ምዃኑ ኣካያዲ’ቲ ጨንፈር፡ ዮናስ ካርሊሂድ፡ ንጋዜጣ ዳግነዝ ኒሂተር ሓቢሩ። ውጽኢት ናይዚ ፈተነ፡ ኣብ ዝቕጽል ሽዱሽተ ኣዋርሕ ምስ ተራእየ ከምዚኦም ዓይነት ጨናፍር ኣብ ካልኦት ምምሕዳራት ናይ …

Read More »

ሓንቲ ዓለም:ገለ ሓሳባትን ርእይቶን ብዛዕባ ፖለቲካ (Reflexions On Politics)

ኣማኑኤል ሳህለ ቀዳማይ ክፋል ፖለቲካ ካብቲ ኣብ ምቍጽጻር ህዝቢ-ከተማ ወይ ኣብ ከተማ (polites, polis) ዚዝውተር ዝነበረ ዓይነት መንግስታዊ ምምሕዳር ዝመንጨወ ቃል እዩ። መብዛሕትኦም ካብቶም ቀዳሞት ተሳተፍቱ ድማ፡ ሓፋሽ ናይ ከተማ ህዝብን (ባሮትን ናጻ ዝኾኑን) ከም ተገዛእቲ፣ መራሕቲ ውግእን፡ ካህናትን፡ ሰብ ሃብትን ድማ ከም ገዛእቲ እዮም ነይሮም። ወድሰብ ብዘመናዊ መገዲ ኪመሓደር ዝጀመረ፡ ሕርሻ ምስ ኣተኣታተወን፡ ከተማታት ኪሃንጽን ኣብኡ ኪቕመጥ ምስ ከኣለን …

Read More »

ትምህርቲ ቛንቛ ሽወደን፣68 ንዝርርብ ዝሕጉዙ ሓረጋት ቃላትን ብ ሽወደንኛ

Read More »

ግጥማት ፕሪመር ሊግ ጽባሕ ቀዳም መጋረጅኡ ክኸፍት እዩ

እቲ ወትሩ ተሃራፍን ብዙሓት ሰዓብቲ ዘልዎ ብቀዳማይ ደርጃ ዝስራዕ ግጥማት ዓዲ ኢንግሊዝ ማለት ፕሪመር ሊግ ብ ናይ ከተማ ሎንደን ደርቢ ኣብ መንጎ ፉልሃምን ኣርሰናል ብዝካይደ ጸወታ ግጥማቱ ክፍልም እዩ። ኣብዚ ክለባት ብሰንኪ ኮረና ቫይረስ ተጻወተን እኩል ናይ ዕረፍቲ ግዜን ናይ ምሕዝነታዊ ግጥማት ከይረኸቡ ኣብ ሓጺር ግዜ ክለባት ይምለሳ ብምህላወን ተጻወቲ ኣደዳ ድኻም ከይኮኑ ብ 5 ቅያር ተጻወቲ ንምክያድ ኣይካድቲ እዚ …

Read More »

ኣብ ልዕሊ ምምሕዳር ከተማ ስቶክሆልም፡ ገንዘባዊ ምትላል ተፈጺሙ

ኣብ መዓላ ፈስቲቫል መንእሰያት ንክውዕል፡ ብምምሕዳር ሻርሆልመን፡ ተመዲቡ ዝነበረ ልዕሊ 1 ሚልዮን ክሮን፡ ኣብ ወጻኢታት መገሻን ሆቴላትን ብምውዓል ናይ ምትላል ፍጻሜ ከምተኻየደ ኣፍቶንብላደት ኣቃሊሑ። ምምሕዳር’ቲ ከባቢ፡ ኣብ ዓመተ 2018 ን 2019፡ ኣስታት 3 ሚልዮን ክሮን ንኣወሃሃዲት “ፈስቲቫል 127” ዝተባህለ ናይ መንእሰያት ፈስቲቫል ዘዳለወት ማሕበር ሂቡ ከምዝነበረ ይዝከር። ብመሰረት ጸብጻብ መርመራታት ፖሊስ፡ ካብቲ ዝተዋህበ ገንዘብ፡ 1 ሚልዮን ክሮን ዝኸውን ኣብ ውልቃዊ …

Read More »

ክርስትያኖ ሮናልዶ፡ ሓድሽ ክብረ ወሰን ሰሪሑ

ትማሊ ረቡዕ ኣብ ሜዳ ፍሬንድስ ኣሬና፡ ስቶክሆልም፡ ኣብ መንጎ ሃገራውያን ጋንታታት ሽወደንን ፖርቱጋልን   ዝተኻየደ ጸወታ፡ ፖርቱጋል፡ ካብ ሃዳኒ ሸቶታት ዝኾነ ክርስትያኖ ሮናልዶ ብዝረኸበተን 2 ሸቶታት ተሓጊዛ ንሽወደን 2 ብ 0  ረቲዓታ። ወዲ 35 ዓመት፡ ሮናልዶ፡ መበል 101 ሸቶ ንሃገራዊት ጋንትኡ ብምምዝጋብ፡ ናይ ፈለማ ኤውረፓዊ ተጻዋታይ፡ ንሃገሩ 100 ሸቶታት ዘመዝገበ ብምዃን ንክብሩ ወሰናቱ ሓድሽ ክብረ ወሰን ኣመዝጊቡ።

Read More »

ፖሊስ፡ ንሰለስተ ረሻሽ ዝሓዙ መንእሰያት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ የእትዩ

ኣብ ጎደናታት ሰሜን ስቶክሆልም፡ ከባቢ ሶለንቱና፡ K-pisten ዝዓይነቱ ረሻሽ ዝሓዙ ሰለስተ መንእሰያት ክንቀሳቐሱ ዝረኣዩ ሰባት፡ ንፖሊስ ምሕባሮም ተፈሊጡ። እዞም ገበን ክፍጽሙ መደብ ዝነበሮም መንእሰያት፡ እቶም ክልተ ደቂ 18 ዓመት ክኾኑ እንከለዉ እቲ ሓደ ድማ ወዲ 19 ዓመት ምዃኑ ተገሊጹ። ፖሊስ፡ ብፍሉይ ወተሃደራዊ ታዕሊም ዝቐሰመ ኣሃዱ ተሓጊዙ፡ ነቶም መንእሰያት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘእተዎምን፡ ሕብረተሰብ፡ ካብ ከጋጥም ተኽእሎታት ዝነበሮ ሓደገኛ ፍጻሜ ከምዝተናገፈን …

Read More »

ንኣረጋውያን ዝኸውን ሓድሽ መድሃኒት ክታበት፡ ጸረ ወቕታዊ ሰዓል፡ ተረኺቡ

በዓል መዚ ኣሃዱ ጥዕና ሽወደን፡ ንፈለማ ግዜ፡ ንልዕሊ 65 ዓመት ዝዕድሚኦም ኣረጋውያን፡ ሓድሽ ጸረ ወቕታዊ ሰዓል (säsongsinfluensa) ዝኾነ ክታበት ክህብ ወሲኑ ምህላዉ ሬድዮ ሽወደን ኣቃሊሑ። ክታበት ወቕቲ ቀውዒ ኣብ ዝጅምረሉ እዋን፡ ማለት፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር፡ እዚ ሓድሽ ጸረ ወቕታዊ ሰዓል ዝኾነ ክታበት ንኣረጋውያን ክወሃብ ክጅምር እዩ። ምምሕዳራት ስኮና፡ ስቶክሆልም፡ ሶርምላንድን ያቭሊቦሪን ካብዚ ክታበት ንኽወሃበን ሓቲተን ምህላወን ተፈሊጡ ኣሎ። እዚ ሓድሽ …

Read More »

ኣብ መስርሕ ምዝገባ ህዝቢ፡ ንዘጋጥሙ ምትላላት ዘቃልዕ ዝማዕበለ ዲጂታላዊ ስርዓት ተማሂዙ ተባሂሉ

ቤት ጽሕፈት ኣሃዱ ግብሪ ሽወደን (Skatteverket)፡ ኣብ መስርሕ፡ ናይ ህዝቢ ምዝገባ (Befolkningsregisterering)፡ ከጋጥሙ ንዝኽእሉ ጌጋታትን ምትላልን ተቐላጢፉ ከቃልዕ ዝኽእልን ካልኦት ትካላት መንግስቲ ክጥቀማሉ ዝኽእላን ዝተመሓየሸ ሓድሽ ዲጂታላዊ ስርዓት ከምዘማዕበለ ገሊጹ። ነዚ ሓድሽ ዲጂታላዊ ስርዓት፡ ኣሃዱ ሳንዱቕ ማሕበራዊ ውሕስነትን (Socialförsäkringsfonden) በዓል መዚ ምእካብ ዕዳታትን (Inkassobyrå) ኣብ ቀረባ እዋን ክጥቀምሉ ክጅምሩ ምዃኖም ተሓቢሩ። ኣብ ውሽጢ 8 ኣዋርሕ ናይዚ ዓመት፡ ኣብ ናይ ህዝቢ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com