Saturday , May 4 2024

ግጥማት ፕሪመር ሊግ ጽባሕ ቀዳም መጋረጅኡ ክኸፍት እዩ

እቲ ወትሩ ተሃራፍን ብዙሓት ሰዓብቲ ዘልዎ ብቀዳማይ ደርጃ ዝስራዕ ግጥማት ዓዲ ኢንግሊዝ ማለት ፕሪመር ሊግ ብ ናይ ከተማ ሎንደን ደርቢ ኣብ መንጎ ፉልሃምን ኣርሰናል ብዝካይደ ጸወታ ግጥማቱ ክፍልም እዩ። ኣብዚ ክለባት ብሰንኪ ኮረና ቫይረስ ተጻወተን እኩል ናይ ዕረፍቲ ግዜን ናይ ምሕዝነታዊ ግጥማት ከይረኸቡ ኣብ ሓጺር ግዜ ክለባት ይምለሳ ብምህላወን ተጻወቲ ኣደዳ ድኻም ከይኮኑ ብ 5 ቅያር ተጻወቲ ንምክያድ ኣይካድቲ እዚ ሊግ ምስ ጋንታታት ኣብ ዝርርብ ዝርከቡ።

ኣብዚ ናይ ምስግጋር እዋን ብቀዳምነት እቲ ስራዕ ክለብ ቸልሲ ኮይና ብርክት ዝበለ ገንዘብ ብምስላዕ ኩሉ ሃጋፋታ ንምምላእ ንሱምያት ተጻወቲ ቲም ወርነር፣ ካይ ሃቨርትዝ፣ በንቺልወል፣ ሃኪም ዝያችን ደቪድ ስልቫ ብምንጽባር ንጽዋእ ፕሪመር ሊግ ንምልዓል ምስተን ቀዳሞት ትስራዕ።

ክለብ ማንቸስተር ስቲ ኣብ ምክልኻል ን ናታን ኣከን ኣብ ምክፍፋል ድማ ን መንእሰይ ፈራን ቶረስ ብምፍራም ኣብ ናይ ድሕሪት ምክልካል ሕጂ ውን ብዙሕ ዝተርፋ ኮይኑ ኣብዘን ተሪፈን ዘልዋ መዓልታት ን ሰንጋላዊ ኩሉባሊ ከተፈርሞ ትጽቢት ይግበር።

ብወገን ሊቨርፑል ግን ዝጥቀስ ተጻዋታይ ከየፈረመት በቶም ኣብ መሳርዓ ድሕሪ 30 ዓመት ታዓዋቲት ፕሪመር ሊግ ክገብርዋ ዝኸኣሉ ተጻወቲ ክብራ ክትዕቅብ ዝተዳለወት ትመስል። ከም ኣገላልጻ ኣሰልጣኒ እዛ ክለብ የርገን ግሊቭ ንሕና ይብል ንሱ ከምተን ካልኦት ክለባት ብ ርእሰማላውያን ንውነን ስለዛይኮና ኣብዚ ናይ ኢኮኖሚ ቅልውላው ነውጽኦ ገንዘብ የለን ክብል ምስ ሶከርነት ዝገብሮ ቃል መሕተት።

ትስፍው ኣሰልጣኒ ክለብ ኣርሰናል ኣርቴታ ድሮ እታ ጋንታ ዝነበራ ናይ ምክልኻል ሃጋፋት ንምዕባስ ብርክት ዝበሉ ተኸላከልቲ ከም ዊልያም ሳሊቫን፣ ጋብሪኤል ማጋልሃስ ኣብ መስመር ምክፍፋል ከምእውን ትጽቢት ጽግበረሎም ካብ ኣትለቲኮ ማድሪድ ጋናዊ ቶማስ ፓርተይ ወይ ካብ ክለብ ልዮን ሑሴን ኦዋር ምስ ምምላስ ዳኒ ሰባዮስ ከምእውን ብነጻ ዝውውር ን ብራዚላዊ ውልያም ኣብ መስመር ምጥቃዕ ካብ ቀዳሞት ኣርባዕተ ብሙኻን ኣብ ኣካል  እዚ ውድድር ከምትኸውን ብብዙሓት ትግመት።

እቲ ኣደንጻዊ ኮይኑ ዘሎ ስቅታ ማንቸስተር ዩናግትድ ኮይኑ እንተድኣ ን ሳንቾ ኣፈርማቶ ግን በሊሕ መስመር ምጥቃዕ ብምውናን ካብተን ንዋንጫ ዘልዕላ ጋንታታት ኣብ ቅድሚት ክትስራዕ ክትክእል እያ። እንተ ን ሆላንዳዊ ኣብ መስመር ምክፍፋል ዶኒ ቫን ደ በክ ጥራይ ብምፍራም እሞ ድማ ኣብቲ ንሱ ዝስለፈሉ ቡቑዓት ተጻወቲ ትውንን ብሙኻና ሻቕሎት ቡዙሓት ደገፍታ ኮይኑ ኣሎ።

ብውገን ተቶንሃም እውን ዝጥቀስ ተጻዋት ብዘይ ምፍራማ መሪኖን ታክቲኩን ጥራይ ኢና ክንጸቡ ስለዚ ብሩክ ምጅማር ግጥማት ፕሪመር ሊግ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com