Saturday , May 4 2024

ኣብ መስርሕ ምዝገባ ህዝቢ፡ ንዘጋጥሙ ምትላላት ዘቃልዕ ዝማዕበለ ዲጂታላዊ ስርዓት ተማሂዙ ተባሂሉ

ቤት ጽሕፈት ኣሃዱ ግብሪ ሽወደን (Skatteverket)፡ ኣብ መስርሕ፡ ናይ ህዝቢ ምዝገባ (Befolkningsregisterering)፡ ከጋጥሙ ንዝኽእሉ ጌጋታትን ምትላልን ተቐላጢፉ ከቃልዕ ዝኽእልን ካልኦት ትካላት መንግስቲ ክጥቀማሉ ዝኽእላን ዝተመሓየሸ ሓድሽ ዲጂታላዊ ስርዓት ከምዘማዕበለ ገሊጹ።

ነዚ ሓድሽ ዲጂታላዊ ስርዓት፡ ኣሃዱ ሳንዱቕ ማሕበራዊ ውሕስነትን (Socialförsäkringsfonden) በዓል መዚ ምእካብ ዕዳታትን (Inkassobyrå) ኣብ ቀረባ እዋን ክጥቀምሉ ክጅምሩ ምዃኖም ተሓቢሩ።

ኣብ ውሽጢ 8 ኣዋርሕ ናይዚ ዓመት፡ ኣብ ናይ ህዝቢ ምዝገባ፡ ኣስታት 257 ጥሕሰታት ክርከቡ እንከለው፡ ኣብ ዝሓለፈ ምሉእ ዓመት ግን ኣስታት 267 ጥሕሰታት ጥራይ ከምተረኽበ ቤት ጽሕፈት ኣሃዱ ግብሪ ሽወደን ሓቢሩ።

ዝበዝሑ ኣብ መስርሕ ምዝገባ ዘጋጥሙ ጌጋታት ኮነ ኢልካ ዝፍጸሙ ኣይኮኑን። ብመንገዲ እቲ ውልቀ ሰብ፡ ኣብ ሓጺር እዋን፡ ብቐሊሉ ክእርመኡ ዝኽእሉ እዮም። ኮነ ኢልካ ዝፍጸሙ ናይ ምትላል ገበናት ከም ዘለዉ ግን ክንርስዕ የብልናን። ንኣብነትን ብዝተተምየነ መንነት ወይ ድማ ኣብ ገበናዊ ስራሓት ዝዋፈራ ናይ ሓሶት ኩባንያታት ብምጥቃም ዝምዝገቡ ኣለዉ።

ቤት ጽሕፈት ኣሃዱ ግብሪ ሽወደን፡ ነቶም ኣብ ልዕሊ፡ ኣገልግሎት ማሕበራዊ ውሕስነት ዝህባ ትካላት፡ ናይ ምትላል መስርሕ ዘካይዱ ገበነኛታት ኣቶኲሩ መርመራታት ከምዘካይድ ገሊጹ።

ብመሰረት ሕጊ መንግስቲ ሽወደን፡ ኣብ መስርሕ ምዝገባ ህዝቢ፡ ኮነ ኢልካ ግጉይ ሓበሬታ ምሃብ፡ ከም ገበን ተቖጺሩ፡ ካብ ገንዘባዊ ካሕሳ ክሳብ ማእሰርቲ ዘቕጽዕ እዩ። ሓደገኛ ገበን ኮይኑ ምስ ዝርከብ፡ ክሳብ ናይ ክልተ ዓመታት ማእሰርቲ ዘቕጽዕ ይኸውን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com