Friday , May 3 2024

ፖሊስ፡ ንሰለስተ ረሻሽ ዝሓዙ መንእሰያት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ የእትዩ

ኣብ ጎደናታት ሰሜን ስቶክሆልም፡ ከባቢ ሶለንቱና፡ K-pisten ዝዓይነቱ ረሻሽ ዝሓዙ ሰለስተ መንእሰያት ክንቀሳቐሱ ዝረኣዩ ሰባት፡ ንፖሊስ ምሕባሮም ተፈሊጡ። እዞም ገበን ክፍጽሙ መደብ ዝነበሮም መንእሰያት፡ እቶም ክልተ ደቂ 18 ዓመት ክኾኑ እንከለዉ እቲ ሓደ ድማ ወዲ 19 ዓመት ምዃኑ ተገሊጹ።

ፖሊስ፡ ብፍሉይ ወተሃደራዊ ታዕሊም ዝቐሰመ ኣሃዱ ተሓጊዙ፡ ነቶም መንእሰያት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘእተዎምን፡ ሕብረተሰብ፡ ካብ ከጋጥም ተኽእሎታት ዝነበሮ ሓደገኛ ፍጻሜ ከምዝተናገፈን ጋዜጣ ኣፍቶንብላደት ሓቢሩ።

ብተወሳኺ፡ ፖሊስ፡ ኣብ ጥቓ እቶም መንእሰያት ዝተታሕዝሉ ኣከባቢ፡ ጠያይት ከምዝረኸበ ሓቢሩ።

እዞም መንእሰያት፡ ምስ ሓደገኛ ገበናውያን ጉጅለታት ርክብ ክህልዎም ከምዝኽእል፡ ፖሊስ፡ ጠርጢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com