Saturday , May 18 2024

ውህደት

መበቆሎም ዘይተፈልጡ ቋንቋታት ዓለምና

ሱመሪያን፦ እዚ ቋንቋ ፈለማ ብዝሰፍሐ ዝተዘርበሉን ዝተጻሕፈን ኣብ መሶፖታሚያ ኣብ ካልኣይ ሚለንዩም ቅድሚ ልደተ-ክርስቶስ እዩ። ኣጸሓሕፋ ሱመሪያንስ ‘ኩኔፎርም’ እዩ ዝበሃል ዝነበረ። እዚ ቃላት እዚ ዝተፈላለየ ሓበርቲ፡ ኢድዮግራምን ዝተፈላለየ ቅርጽታትን ዝሓዘ እዩ። ክኢላታት ስነ-ቋንቋን ስነ-ምድርን፡ ኣብ ሰዋስውን ኣተሃናንጻ ምሉእ ሓሳባትን ናይዚ ቋንቋ ወትሩ ምስ ተኸራኸሩ እዮም። ኣብ ዓለም ነዚ ቋንቋ’ዚ ዝፈልጡ ሰባት ኣዝዮም ውሑዳት እዮም። ልክዕ ከም ካልኦት ቋንቋታት፡ ቋንቋ ሱመሪያንስ …

Read More »

ኣብ መደበራት ባቡር ዝረአ ዘሎ ጽቕቕጥ ንምፍኳስ ሓድሽ ፈተነ ይካየድ።

ኣካየድቲ ባቡር ትሕተምድሪ ስቶክሆልም SL ን MTR ን ህሉው ጽቕቅጥ መደበራት ባቡር ንምፍዋስ ሓደስቲ ብልሓታት ኣብ ምፍታን ከም ዝርከቡ ተፈሊጡ። እዘን ክልተ ኲባንታያታት ሊላ ዝሕብሩ ኣጭርቕቲ ብምድላው ተጓዓዝቲ ደው ዝብሉሉ ወይ ዝኸዱሉ ቦታ ብምድላው ጽቕቅጥ ንምምሕያሽ ይፍትኑ ኣለዉ። ኣብ መደበር ባቡር ሶልና ዝርከቡ ተጓዓዝቲ ኣብዚ እዋን ሰለስተ ምልክታት ከለልዩ ይኽእሉ እዮም። ዳይረክተር ርክባት MTR ጀሲካ ቱርንክቪስት እዚ ብልሓት ተጓዓዝቲ ብዙሕ …

Read More »

ስጋ

ስጋ ካብ ኣብ ሕርሻ ዝዓበዩ እንስሳ ኮነ ካብ እንስሳ ዘገዳም ዝርከብ ዝብላዕ መግቢ ኢዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ከኣ ጭዋዳታት ኢዮም። ሓደ ሓደ ግዜ’ውን ውሽጣዊ ኣካላት ናይቲ እንስሳ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ቀይሕን ጻዕዳን ስጋ ዝተፈላለዩ ኢዮም። ቀይሕ ስጋ ካብ ከምበዓል ከብቲ፡ ኣባጊዕ፡ ኣጣልን ሓሰማን ክንረኽቦ ይከኣል። ጻዕዳ ስጋ ከኣ ካብ ደርሆን ካልኦት ኣዕዋፍን ይርከብ። ዘይተመስርሐ ስብሒ ዘይብሉ ስጋ ኣብታ ሓሙሽተ ዝተዛነቑ መግብታት እተርኢ …

Read More »

ትርፊ ግዜን ማሕበራዊ ናብራን

እቲ ካብ ስራሕን ትምህርትን ናጻ ዝኾነ ግዜ፡ ‘ትርፊ ግዜ (Fritid)’ ይብሃል። ብዙሓት ኣብ ሽወደን ዘለዉ፡ ኣብ ትርፊ ግዜኦም፡ ኣብ ማሕበራት፡ ዓማዊል ወይ ኣባላት ብምዃን ኣብ ፍሉያት ዘገድሱዎም ንጥፈታት ይነጥፉ። ኣብ ከምዚ ዝበሉ ማሕበራት ብምንጣፍ ዝንባሌኣዊ ተመኲሮታት ትለዋወጥን ትማሃሃርን። ኣብ ትርፊ ግዜኻ እትገብሮ ፍሉይ ተገዳስነት እንተለካ፡ ዕብይ ዝበለ መርበብ ክትፈጥርን ምስ ማሕበረ ሰብ ሽወደን፡ ዝያዳ ርክብ ክትገብርን ዕድል ኣሎካ። ነቶም ኣብዛ …

Read More »

ጥዕናዊ ረብሓታት ፐርሰሜሎ

ቀዳማይ ክፋል ፐርሰሜሎ፡ ካብ ዝውቱራት ቀጠልያ ኣትክልቲ ሃገርና ሓደ’ዩ። የግዳስ ኪኖ ልምዳዊ ኣመጋግባ ንጥዕናዊ ረብሓታቱ ፈሊጥና ተጠቀምቱ ክንደይ ንኸውን? ጥዕናዊ ረብሓታት ፐርሰሜሎ መወዳእታ የብሉን። ንሎሚ ቀዳማይ ክፋሉ ከነቕርብ ኢና። ፐርሰሜሎ ንከም ምቁጽጻር መንሽሮ፡ ሽኮርያን ቅርጥማታዊ ሪሕን ዝለዓለ ጥቕምን ረብሓን ከም ዝህብ ይፍለጥ። ብተወሳኺ ኣብ ምክልኻል ምፍኳስ-ኣዕጽምቲ (ብፍላይ ድሕሪ ብትከት ጽግያትን ብዕድመ ዝሽምገሉ ሰባትን) ዝላዓለ ሓገዝ ይገብር። ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ምዕጋስ ቃንዛን …

Read More »

ወልፊ ቁማር

ኣብዚ ዝስዕብ እንህበኩም ሓበሬታ ዛዕባ ወልፊ ቁማር ባዕልኻትኩም ፈሊጥኩም እንታይ ክትገብሩ ከምዘለኩም ክሕብረኩም ይፈቱ። እንተድኣ ወልፊ ቁማር ሃሊኳ ቁማር ምጽዋት ኣይተቋርጾን ኢኻ ።ብመጀመርያ ሓንቲ ጸወታ ምስ ተጻወት ካብ ግዜ ናብ ግዜ ቀጻሊን ዝያዳ ናይ ቁማር ጸወታ ትቋመር።ኣብ ዝተፈላለዩ ካዚኖታት ትኸይድ ወይ ድማ ብ ኢንተርነት ዝጽወት ዓይነት ቁማር ትቋመር።እዚ ናይ ቁማር ጸወታ ደው ምስዘይተብሎ ተወላፊ/ግዙእ ናይ ቁማር ትኸውን ፡ብድሕርዚ ድማ ንገዛእ …

Read More »

ኤርትራዊ ደራሲ ሓጂ ጃብር ብልጫ ”ካታራ” ተሰሊሙ

ኤርትራዊ ደራሲ ሓጂ ጃብር፣ ”ካታራ” ዝተባህለ ንዝበለጸ ብዓረብኛ ዝጻሓፍ ልብ ወለ ዝዕደል ስልማት፣ ”ዓፍራ ቡን” (ራቕዋት ቓህዋ) ዝተባህለት ልብ ወለድ ድርሰቱ ቀዳማይ ብልጫ ስለ ዝወሰደት፣ ትማሊ 15/10/2019 ኣብ ዋና ከተማ ቀጠር ከም ዝተሰለመ ተፈሊጡ። ሓጂ ጃብር፣ ኤርትራዊ ደራሲ ኮይኑ፣ ብዙሓት መጻሕፍቲ ዝደረሰን፣ ”ሰምራዊት” ዝተባህለት ዝደረሳ ልብ ወለድ ብልጫ ናይ ”ሻርቃ” ወሲዳ ምንባራን ዝዝከር ኢዩ።

Read More »

ዝተኸልከሉ ኣስማት ህጻናት

ኣብ እዋን ምምራጽ ስም ህጻን፡ ሓደ-ሓደ ግዜ ኣብ መንጎ ወለዱን ካልኦት ኣባላት’ታ ስድራ ዝሕወሱዎን ዘይምርድዳእ ይፍጠር’ዩ። “ክስቶ’ዩ ክበሃል ዘለዎ፡ ኣይፋሉን ክስቶ’ምበር” እናበሉ፡ ነቲ መብዛሕትኡ እዋን ንድልየታቶም እምበር ንመጻኢ ናይ’ቲ ህጻን ኣብ ግምት ዘየእቱ ኣስማት ኣብ ምምራጽ ይከራኸሩ። ስም፡ ኣብ ብዙሕ ልምድታት ምስ ወናኒኡ ጥቡቕ ምትእስሳር ከም ዘለዎ’ዩ ዝእመን። ገለ ቀቢላታት ኣፍሪቃ፡ ንስም’ቲ ህጻን ኣብ እዋን ምውላዱ ምስ ዝኽሰቱ ናይ ባህሪ …

Read More »

ጥዕናዊ ጥቕምታት ተምሪ

ቅድሚ ኣሽሓት ዓመታት ተምሪ ምስ ተረኽበ፡ ወዲ ሰብ ከም ፈውሲ ኢዩ ዝግልገለሉ ነይሩ። መጽናዕትታት ታሪኽ ከም ዝሕብርዎ፡ ገረብ ተምሪ ንፈለማ እዋን ኣብ ዒራቕ’ኳ እንተተረኽበ፡ ጥንታውያን ግብጻውያን ግና ነቲ ፍረ ኣቐዲሞም ከም መስርሒ ነቢት ይጥቀምሉ ነይሮም። ብንግዲ ድማ፡ ተምሪ ናብ ደቡባዊ ምዕራብ ኤስያ፡ ስጳኛ፡ ሰሜን ኣመሪካ፡ ከምኡ’ውን ድሒሩ ናብ ሜክሲኮን ካሊፎርኒያን ኣስፋሕፊሑ። ኣብዚ ግዜ’ዚ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ሃገራት ዓረብን ማእከላይ ምብራቕን …

Read More »

ረኽሲ ሳምቡእ (ኒሞንያ)

ናይ ምስትንፋስ ጸገም፣ ረስኒ፡ ቃንዛ ጭዋዳታት ኣለካ ዶ? ሰዓል ኣለካ ዶ፣ ድኻም ከ ይስመዓካ ዶ? እዚኣቶም ገለ ካብ ምልክታት ምስ ረኽሲ ናይ ሳምቡእ ክርኣዩ ዝኽእሉ እዮም። ሰዓል ምስ ሓዘትካ ቀልጢፋ ምግዳፍ ትኣብየካ ድያ፣ ወይ ድማ መሊሳ በርቲዓትካ ድያ? ከምዚ ምስ ዝኸውን ረኽሲ ናይ ሳምቡእ ሒዙካ ክኸውን ይኽእል እዩ። ረኽሲ ናይ ሳምቡእ ምስ ዝህልወካ እዞም ዝስዕቡ ምልክታት ክስምዑኻ ይኽእሉ፣ • ቃንዛ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com