Friday , May 10 2024

ጥዕናዊ ጥቕምታት ተምሪ

ቅድሚ ኣሽሓት ዓመታት ተምሪ ምስ ተረኽበ፡ ወዲ ሰብ ከም ፈውሲ ኢዩ ዝግልገለሉ ነይሩ። መጽናዕትታት ታሪኽ ከም ዝሕብርዎ፡ ገረብ ተምሪ ንፈለማ እዋን ኣብ ዒራቕ’ኳ እንተተረኽበ፡ ጥንታውያን ግብጻውያን ግና ነቲ ፍረ ኣቐዲሞም ከም መስርሒ ነቢት ይጥቀምሉ ነይሮም። ብንግዲ ድማ፡ ተምሪ ናብ ደቡባዊ ምዕራብ ኤስያ፡ ስጳኛ፡ ሰሜን ኣመሪካ፡ ከምኡ’ውን ድሒሩ ናብ ሜክሲኮን ካሊፎርኒያን ኣስፋሕፊሑ። ኣብዚ ግዜ’ዚ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ሃገራት ዓረብን ማእከላይ ምብራቕን ቀንዲ ምንጪ መግቢ ኮይኑ የገልግል ኣሎ።

ክሳብ 30 ዝበጽሑ ዝተፈላለዩ ዓይነት ተምሪ ኣለዉ። ብዘለዎም ትሕዝቶን ሽኮራውነቶምን ድማ ይፈላለዩ።

ተምሪ ልዑል ትሕዝቶ ሽኮር ስለ ዘለዎ ሓያሎ ሰባት ከህልኽዎ ኣይረኣዩ ኢዮም። ይኹን’ምበር፡ ተምሪ ሓያሎ ጥዕናዊ ጥቕምታት ኢዩ ዘለዎ። ተምሪ፡ ብማግነዚዩም፡ ቫይታሚንን፡ ፕሮቲን፡ ካርቦሃይድሬድ፡ ጽሕግን ፖታሽየምን ዝኣመሰሉ መኣዛታት ዝሃብተመ ኢዩ። ስለዚ ድማ፡ ኣብ ምክልኻል ሓያሎ ሕማማትን ኣብ ምህናጽ ኣካላዊ ብቕዓትን ሓያሎ ጥቕሚ ኣለዎ። ገለ ካብኡ፦

ልዑል መጠን ኮሌስትሮል

ሕክምናዊ መርመራታት ከም ዘነጽርዎ፡ ጽሕጊ ኣብ ኣካላትና ንዝህሉ መጠን ኮሌስትሮል ኣብ ምምዕርራይን ምምጻይን ይሕግዝ ኢዩ። ተምሪ ድማ ሓደ ካብቶም ልዑል ትሕዝቶ ጽሕጊ ዘለዎ መግቢ ብምዃኑ፡ ኣብ ኣካላትና ክኽዘኑ ንዝኽእሉ ዘይተደልዩ ተረፍ ኮሌስትሮል ኣብ ምምጻይ ልዑል ግደ ኣለዎም። ካብ 100 ግራም ተምሪ 7 ግራም ጽሕጊ ክርከብ ከም ዝከኣልሕክምናዊ መጽናዕትታት የመልክቱ።

ብዘይካ’ዚ ኣብ ተምሪ ‘ቤታ-ግሉካን (beta-glucan) ዝተባህለ ዓይነት ጽሕጊ ከም ዝርከብ ክኢላታት ስነ-መግቢ ይገልጹ። እዚ ዓይነት ጽሕጊ’ዚ፡ ኣብ’ቲ መዓልታዊ እንወስዶ/ እነህልኾ መግቢ ንዝርከብ ኮሌስትሮል፡ ናብ ሰብነትና ከይለሓገ፡ መጽዩ ከትርፎ ከም ዝኽእል እቶም ክኢላታት ብተወሳኺ የመልክቱ። እዚ ዓይነት ጽሕጊ’ዚ፡ ኣብ ሓሞት ንዝህሉ ኮሌስትሮል ኣብ ምጥፋእ’ውን ልዑል ተራ ይጻወት። በዚ ድማ ኣብ ደምና ክህሉ ዝኽል ኮሌስትሮል መጠኑ ከም ዝሕሎ ይገብር።

ወቕዒ

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዓለም ወቕዒ ሓደ ካብቶም ጠንቂ ሞት ኮይኖም ብቐዳምነት ዝጥቀሱ ዘለዉ ሕማማት ኢዩ። ተምሪ ግና ብትሕዝቶ ‘ፖታሽዩም’ ዝሃብተመ ብምዃኑ፡ ብወቕዒ ንዝስዕብ ጠንቅታትን ዝተፈላለዩ ሕማማትን ኣብ ምጉዳል ልዑል እጃም ከም ዘለዎም ክኢላታት ሕክምና የመልክቱ። ኣብ መዓልቲ 100 ግራም ተምሪ ምስ እትበልዕ፡ ኣካላትካ ኣብ መዓልቲ ክረኽቦ ንዝኽእል ብክኢላታት ንዝተዋህበ መጠን ‘ፖታሽዩም’ ከም ዝረክብ ኣይትጠራጠር። ‘ፖታሽዩም’ ብወቕዒ ክንጥቃዕ ንዘለና ተኽእሎ ብ24 ሚእታዊት ከም ዘጉድሎ መጽናዕትታት የመልክቱ።

ልዑል ጸቕጢ ደም

“ዝኾነ ዓይነት መግቢ ዘለና ልዑል ጸቕጢ ደም ከጒድሎ ኣይረኣይን ኢዩ – ብዘይካ ተምሪ” ይብሉ ክኢላታት ስነ መግቢ። ተምሪ – ብፍላይ ንቚጽ ምስ ዝኸውን – ኣካላትና ዘድልዮ ሓይሊ ወይ ካሎሪ ብምሃብ ንስርዓተ ኣመጋግባና ከም ዝመዓራረ ይገብሮ። ብኡ ኣቢሉ ድማ መጠን ጸቕጢ ደምና የጉድሎ። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ተምሪ ልዑል ትሕዝቶ ‘ፖታሽዩም’ ኣለዎ። ‘ፖታሽዩም’ ድማ ኣብ ኣካላትና ንዝህሉ መጠን ሶድዩም ኣብ ምምዕርራይ ይነጥፍ። በዚ ድማ መጠን ጸቕጢ ደምና ከም ዝጎድል ይገብር። ልዑል ጸቕጢ ደም ጠንቂ ወቕዕን ዝተፈላለዩ ሕማማልትልብን ምዃኑ ኣይትዘንግዕ!

ሕማማት ልቢ

ተምሪ፡ ብማዕድናት ‘ፖታሽዩም’ን ‘ማግነዝዩም’ን ከምኡ’ውን ብቫይታሚን ቢ-6 ዝሃብተመ ብምዃኑ፡ ንዝተፈላለዩ ሕማማት ልቢ ኣብ ምምሕያሽ ልዑል ግደ ኢዩ ዘለዎ። ‘ማግነዝዩም’ ጭዋዳታት ናይ ልቢ ተዛንዮም ንጥፈታቶም ኣብ ምክያድ ልዑል እጃም ኢዩ ዘለዎ። በዚ ድማ፡ ልብና ከይተጨነቐት ከምቲ ዝድለ ደም ንኽትጭንጉዕ የኽእላ። ቫይታሚን ቢ-6 ድማ ምስ ሕማም ልቢ ምትእስሳር ንዘለዎ ሆሞሳይስቴነ (homocysteine) ዝተባህለ ኣሚኖ ኣሲድ ኣብ ምጥፋእ ልዑል ተራ ይጻወት።

ዋሕዲ ደም (anemia)

ተምሪ ብውሑድ መጠን ይኹን’ምበር ትሕዝቶ ናይ ሓጺን (Iron) ኣለዎ። ምህርቲ ናይቲ ኣብ ቀያሕቲ ዋህዮታት ደምና ዝርከብ ሆሞግሎቢን ድማ የዕብዮ። ሆሞግሎቢን ኣገዳሲ መቖሚ ክፍሊ ኣካል ደምና ኮይኑ፡ ናብ መላእ ኣካላትና ኦክስጅን የመላልስ። ስለዚ፡ ተምሪ ምምጋብ ምስ እነዘውትር ብሕማም ዋሕዲ ደም ብቐሊሉ ክንጥቃዕ ኣይንኽእልን።

ኣስተብህል! ሕማም ዋሕዲ ደም ዘለዎ ሰብ ተምሪ ምስ ጸባ ሓዊሱ መዓልታዊ ክሰቲ ተመራጺ ኢዩ።

ምንጪ ፕሮቲን

ተምሪ ሓደ ካብ ዝለዓለ ምንጪ ፕሮቲን ብምዃኑ፡ ብቑዕ ኣቃውማ ኣካላትን ተረርቲ ጭዋዳታትን ክህልወና ይሕግዘና። በዚ ድማ ስሩዕ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዘዘውትሩ ሰባት ሰለስተ ኣርባዕተ ፍረ ተምሪ ክበልዑ ተመራጺ ምዃኑ ክኢላታት ስነ-መግቢ የመልክቱ።

ጥዕና ኣዕጽምቲ ይሕሉ

 ተምሪ ‘ሰለኒየም’፡ ‘ማግነዝዩም’፡ ‘ኮፐር’ን ‘ማንጋነዝ’ን ዝተባህሉ ንጥዕናን ድልዳለን ኣዕጽምቲ ኣካላትና ዘገድሱ ማዕድናት ዝሓቖፈ መግቢ ኢዩ።

 ንኣዒንትና ይከላኸል

 ተምሪ ልዑል ትሕዝቶ ቫይታሚን ‘ኤ’ ኣለዎ። ቫይታሚን ‘ኤ’ ካብ ምራተ (antioxidants) ዝከላኸል መኣዛ ካብ ኮነ ድማ፡ ጥዕና ኣዒንትና ንምሕላው ተምሪ ምብላዕ ኣገዳሲ ከም ዝኾነ ክኢላታት የመልክቱ።

 ምንጪ፦ www.organicfacts.net


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com