Friday , May 10 2024

ረኽሲ ሳምቡእ (ኒሞንያ)

ናይ ምስትንፋስ ጸገም፣ ረስኒ፡ ቃንዛ ጭዋዳታት ኣለካ ዶ? ሰዓል ኣለካ ዶ፣ ድኻም ከ ይስመዓካ ዶ? እዚኣቶም ገለ ካብ ምልክታት ምስ ረኽሲ ናይ ሳምቡእ ክርኣዩ ዝኽእሉ እዮም።
ሰዓል ምስ ሓዘትካ ቀልጢፋ ምግዳፍ ትኣብየካ ድያ፣ ወይ ድማ መሊሳ በርቲዓትካ ድያ? ከምዚ ምስ ዝኸውን ረኽሲ ናይ ሳምቡእ ሒዙካ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ረኽሲ ናይ ሳምቡእ ምስ ዝህልወካ እዞም ዝስዕቡ ምልክታት ክስምዑኻ ይኽእሉ፣
• ቃንዛ ኣብ ግዜ ምስትንፋስ
• ሕጽረት ምስትንፋስ
• ሓፊስ፣ ብጫ ዓኽታ (ደም ዝተሓወሶ ውን ክኸውን ይኽእል)
• ድኻም
• ልዑል ዓቐን ረስኒ ወይ ድማ ዝሑል ሙቐት ኣካላት
• ቃንዛ ጭዋዳታትን ቃንዛ ሰናቡእን
• ቑሪ ቑሪ የብለካን የንቀጥቅጠካን
• ሸውሃት ምዕጻው
• ኣዚዩ ምስ ዝብርትዓካ ድማ ኣእምሮኻ ክዘናብዓካ ይኽእል ረኽሲ ሳምቡእ ምስ ዝህልወካ ኣዚኻ ሕማም ይስምዓካን ትጽምልውን። ጽቡቕ ዕድል ኮይኑ እዚ ሕማም እዚ ዝፍወስ ሕማም እዩ። ዋላ እኳ እቲ ረኽሲ ባዕሉ ቃንዛ እንተዘይገበረ ብሰንኪ ብርቱዕ ሰዓል ግን ቃንዛ ኣብ ጭዋዳታት ናይ ሳንቡእናን ኣጥባትናን ክስመዓና ይኽእል። ከምዚ ዓይነት ምልክታት ምስ ዝህልወካ ተቐላጢፍካ ናብ ሓኪምካ ኺድ። ሓኪምካ ድማ ነቲ ሕማም ከነጽረልካ እዩ።
ከመይ ገይሩ ሓኪም ናብ ነጸርታ ይበጽሕ?
ጠንቂ ናይ ጥርዓንካ ንምፍላጥ ኣቐዲሙ ሕቶታት ክሓተካ እዩ። ቀጺሉ ድማ እካላዊ መርመራ ይገብረልካ። ብ ስቴተስኮፕ(መስምዒ) ጌሩ ድማ ኣብ ሳንቡእካ የዳምጽ። ጥርዓናትካ ድማ ክንደይ ዝኣክል ግዜ ምሳኻ ከም ዝጸንሐ ይሓተካ። ንምርግጋጽ ዝኣክል ድማ መርመራ ናይ ራጂ (X-ray) ክእዝዘልካ ይኽእል። ብመንገዲ ራጂ ድማ እቲ ረኽሲ ኣበየናይ ወገን ናይ ሳምቡእካ ምዃኑን ክሳብ ክንደይ ዓቢ ምዃኑን ይፈልጥ።
ጠንቂ ናይ ረኽሲ ሳምቡእካ ንምፍላጥ ድማ ሓኪምካ መርመራ ናይ ደም ወይ ድማ ናይ ዓኽታ ክገብረልካ ይኽእል። በዚ መንገዲ ድማ ብቫይረስ ድዩ ዋላ ብባክተርያ ወይ ድማ ብኽልቲኡ ተበጊሱ ብልክዕ ክፈልጥ ይኽእል። ኣብዚ መርመራ እዚ ተመርኲሱ ድማ ከመይ ገይሩ ክሕክመካ ከምዘለዎ ይውስን። ጠንቂ ሕማምካ ባክተርያ ምስ ዝኸውን ድም መድሃኒት ናይ ረኽሲ ይእዝዘልካ። ነቲ ዝእዝዘልካ መድሃኒት ናይ ርኽሲ ድማ ብምልኡ ክትውድኦ ይግበኣካ።

ምንጪ: Eritreeërs Gezond


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com