Sunday , May 19 2024

ዜና

ናይ ትምህርቲ ስእሊ ንኽሳኣል፡ እታ ኣብ ክሳዱ ኣንጠልጢልዋ ዝነበረ መስቀል ንኸውጸኣ ተገዲዱ

ሓደ ወዲ 15 ዓመት ተማሃራይ፡ ናይ ትምህርቲ ስእሊ ንኽሰኣል፡ ኣብ ክሳዱ ኣንጥልጢልዋ ዝነበረ መስቀል ንኸውጻኣ ከምተገደደ፡ ኣንጻር ጉዳያት ዓሌትነት ዝጣበቕ ተሓላቕ ፍትሒ ገሊጹ። እታ ሰኣሊት፡ ናይ ትምህርቲ ስእሊ ንኽትሳኣል፡ እታ ኣብ ክሳድካ ዘላ መስቀል ኣውጽኣያ ኢላትኒ፡ ኣነ ውን ከምቲ ዝበለትኒ ጌረ ክብል እቲ ህጻን ከምዝሓበረ መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ኣመሓላሊፉ። ነቲ ጉዳይ ኣመልኪታ፡ እቲ ኩነት ክኸውን ዘይግበኦ እዩ ነይሩ፡ እንተኾነ …

Read More »

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ፊንላንድ፡ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረት ገዲፋ፡ ናብ ሃገራ ተመሊሳ

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ፊንላንድ፡ ሳና ማሪን፡ ምስ ድሒራ ብኮሮና ቫይረስ ከም ተለኽፈት ዝፈለጠት ሰብ ተራኺባ ስለዝነበረት፡ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረት ገዲፋ፡ ናብ ሃገራ ተመሊሳ ክብል መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ገሊጹ። ቀዳመይቲ ሚኒስተር ፊንላንድን ዴኒማርክን ኣቐዲመን፡ ነቲ ብኣካል ተረኺብካ ዝካየድ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረት ተቛዊመን ምንባረን ይዝከር። ቀዳመይቲ ሚኒስተር ዴኒማርክ፡ ሚት ፍሬድሪክሰን፡ ምስቶም ኣብ ብሮክሲል ዝርከቡ ዴኒማርካውያን ጋዜጠኛታት ዝገበረቶ ርክብ፡ …

Read More »

ፖሊስ ማልመ፡ ዝተፈላለዩ ዓይነት ኣጽዋር ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ የእትዮ

ትማሊ ሓሙስ ምሸት፡ ፖሊስ፡ ኣብ ሓደ ኣብ ሄስትሆገን (Hästhagen) ዝርከብ መንበሪ ገዛ፡ ዝተፈላለዩ ዓይነት ኣጽዋር ረኺቡ ክብል SVT ኣመሓላሊፉ። ናይ ተፍቲሽ  ስርሒት ንኸነካይድ ዘገደደና፡ እቲ ካብ ሓደ፡ ኣብ ትሕቲ መርመራ ፖሊስ ዝርከብ ሰብ፡ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ እዩ ክትብል ወሃቢት ቃል ፖሊስ፡ ኢቭሊና ኦልሰን ሓቢራ። ብርክት ዝበላ ኣሃዱታት ፖሊስ፡ ካብ ከባቢ ሰዓት 5 ናይ ምሸት ጀሚረን፡ ኣብቲ ከባቢ ተፍቲሽ ከካይዳ ድሕሪ ምምሳይ፡ …

Read More »

ንዋጋታት ክዳውንትን ጫማታትን ዝውስኽ ሓድሽ እማመ ክፍሊት ግብሪ ቀሪቡ

ብስም ክፍሊት ግብሪ ኬሚካላዊ ባእታ ዝፍለጥ፡ ኣብ ልዕሊ ክዳውንትን ጫማታትን ዝብየን ሓድሽ እማመ ክፍሊት ግብሪ ንኽትግበር፡ መንግስቲ፡ ርእይትኡ ኣቕሪቡ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ኣብ ክዳውንትን ጫማታትን ዝውሰኽ መርዛም ኬሚካላዊ ባእታ ንምውጋድን ሃላኽነት ናይቶም ከምዚ ዓይነት ኬሚካል ዘለዎም ፍርያት ንምንካይን ዝዓለመ እዩ። ኩባንያታት መፍረ ክዳውንቲ ብወገኖም፡ እዚ ሓድሽ እማመ ክፍሊት ግብሪ፡ ንዓመታዊ ወጻኢታትና ዝውስኽ ስለዝኾነ፡ ንዋጋታት ናይቲ ፍርያት ከዛይዶ እዩ ክብሉ ከምዝሓበሩ …

Read More »

ዜና መጽሔት News Magazine 15 ጥቅምቲ 2020

Read More »

ዜና መጽሔት News Magazine 15 ጥቅምቲ 2020

Read More »

ኣብ ጽርግያ (ሃይ ወይ) ዝተወልደት ዕሸል

ጓሎም ንዳኒኤል ፔሪን ሶፍያ ዮሃንሶንን ዝኾነት፡ ኢዛቤላ ዝተባህለት ዕሸል፡ ናብ ዓለም ንኽትመጽእ ዝተሃወኸት ክትመስል፡ ወለዳ ናብ ሆስፒታል ቅድሚ ምብጽሖም፡ ኣብቲ ብE22 ዝፍለጥ ጽርግያ (ሃይወይ)፡ ጩራ ጸሓይ ክትርኢ ክኢላ ክብል መርበብ ሓበሬታ SVT ሓቢሩ። እቲ ዝነበረ ኩነታት፡ ዝተሓዋወሰ ስምዒታት ዝፈጥር እዩ ኔሩ። በቲ ሓደ ሸነኽ ናይ ታሕጓስ፡ በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ ናይ ተርባጽን ፍርህን ስምዒታት ዝተፈጥረሉ ህሞት እዩ ኔሩ ክብል ዳኒኤል …

Read More »

ሽወደን፡ ንዜጋታታ ናብ ስዑዲ ዓረብ ንኸይገሹ ትመክር

ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ሽወደን፡ ነቶም ናብ ስዑዲ ዓረብ ክገሹ ዝሓስቡ ዜጋታታ፡ ብሰንኪ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ተኸሲቱ ዘሎ ኩነታት፡ ካብ ዶብ የመን ክሳብ 50 ኪሎ ሜትር ኣብ ዘሎ መሬት ስዑዲ ዓረብ ንኸይገሹ መኺሩ ክብል መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ኣመሓላሊፉ። ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ሽወደን፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ዝፈጠሮ ቅልውላው፡ ካብ ወርሒ መጋቢት ጀሚሩ፡ ዘይተደልዮ መገሻታት ናብ ስዑዲ ዓረብ ይኹን …

Read More »

ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ንቀይድታት መገሻ ዝምልከት ሓባራዊ መምዘኒ ክኽተላ ተሰማሚዑ

ኣባላት ኤውሮፓዊ ሕብረት ዝኾና ሃገራት፡ በብዝመስለን ኣገባብ ናይ መገሻ ወይድታት ከተግብራ ምጽነሀን ይፍለጥ። እንተኾነ፡ እዞም ኣገባባት እዚኣቶም፡ ንመስመራት መንገዲ ኣየር፡ ዘየቕስን፡ ኮይኑ ጸኒሑን ኣሎን። ሚኒስተራት ወጻኢ ጉዳያት፡ ኣባላት ኤውሮፓዊ ሕብረት ዝኾና ሃገራት፡ ሎሚ ኣብ ሎክሰምቦርግ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ንቀይድታት መገሻ ዝምልከት ግዴታዊ ዘይኮነ ሓባራዊ መምዘኒታት ክኽተሉ ተሰማሚዖም ኣለዉ። እቲ ሓባራዊ መምዘኒታት ዝበሃል፡ ሃገራት ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ሓቀኛ ዝኾነ ብደረጃ ምምሕዳር ዝቐርብ ንለበዳ …

Read More »

ዜና ሽወደን ብትግርኛ. Svenska nyheter på tigrigna 12 Oktober 2020

1. ጸጋማዊ ሰልፊ ሽወደን እምነት ብምኽላእ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ንምእላይ፣ ክገብሮ ዝሓሰበ መደብ ኣብዚ እዋን እዚ ከምዘይገብሮ ኣፍሊጡ። 2. ዓለም ለኻዊ ማዕከን ክታበት ዝተፈላለዩ ሕማማት KOVACS ንምቕራብ ክታበት ተሪፉ ዘሎ ግዜ ሓጺር ምዃኑ ኣዊጁ። መታሓሳሰቢ፣ ኩሉኹም ኣብ ዝተፈላለየ ንግድን መዉሃቢ ኣገልግሎት ዝተዋፈርኩም፣ ትካላትኩምን ፍርያትኩምን ንምልላይ ይኹን ሓበሬታ ብመገዲ ኣልኮምፒስ ትግርኛ ናብ ህዝቢ ክዝርጋሓልኩም ይኹን መዋዓዉዒ ሬክላም ክግበረልኩም እትደልዩ፣ ትካላት፣ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com