Sunday , May 19 2024

ዜና

Harmony News 06 ጥሪ 2021

Read More »

ድሕሪ በዓላት፡ ኣብያተ ትምህርቲ ክዕጸዋ ኣለወን ክብሉ 30 ተመራመርቲ ጻውዒት ኣቕሪቦም

ለበዳ ኮሮና ንምዕጋት ብዝብል ምጉት፡ ድሕሪ ክሪስማስን ሓድሽ ዓመትን፡ ኣብያተ ትምህርቲ ካብ ክልተ ክሳብ ኣርባዕተ ሳምንታት ተዓጽየን ክጸንሓ 30 ተመራመርቲ ሽወደን ጻውዒት ኣቕሪቦም ኣለዉ። ንሳቶም፡ ኣብ ጋዜጣ ዳገንስ ንሂተር ኣብ ዘውጽእዎ ጽሑፍ፡ እቲ ህጻናት ሳሕቲ ጥራይ እዮም ካልኦት ዝልብዱ ዝብል መደምደምታ ብሓድሽ መጽናዕቲ ከም ምልክት ሕቶ ኮይኑ ኣሎ። ህጻናት ናብ ቤት ትምህርቲ ዝለኣኹሉ ዘለዉ ምኽንያት ብቐንዱ፡ ህጻናት፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ …

Read More »

ጀርመን፡ ከፊላዊ ምዕጻው ሃገራ ክተትርርን ከተናውሕን ትውስን

መራሒት ጀርመን፡ ቻንስለር ኣንገላ መርከል፡ ሃገራ ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ-19 ነቲ ኣተኣታትያቶ ዝጸንሐት ከፊላዊ ምዕጻው ሃገር፡ ክሳብ መወዳእታ እዚ ወርሒ ከተትርሮን ከተናውሖን ምዃና ብሰሉስ ኣፍሊጣ። ዜጋታት ድማ ክሳብ 31 ጥሪ ኣብ ዘሎ ግዜ፡ እቲ ምስ ሰባት ዝገብርዎ ርክባት ክድርቱ ኣተሓሳሲባ። ብተወሳኺ፡ ዝበዝሑ ምግባዊ ኣገልግሎት ዘይህቡ ትካላት፡ ባራት፡ ኣብያተ ምግቢ፡ ባህላዊ ማእከላት፡ መዘናግዒ ቦታታትን ኣብያተ ትምህርትን ክዕጸዋ እየን። ነዚ ሕማም ንምምካት፡ ማሕበራዊ …

Read More »

ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ብኩባንያ ሞደርና ዝፈረየ ጸረ ኮሮና መድሃኒት (ክታበት) ተቐባልነት ይህብ

ኤውሮፓዊ አጀንሲ መድሃኒት (EMA) ነቲ ብኣሜሪካዊ ኩባንያ ሞደርና ዝፈረየ ጸረ ኮሮና መድሃኒት (ክታበት)፡ ሎሚ ሮቡዕ ኣብ ሰዓታት ፍርቂ መዓልቲ፡ ተቐባልነት ከምዝሃቦ ሓቢሩ ክብላ ሮይተርስን ፍራንስ ፕረስ ከምዝገለጻ SVT ኣመሓላሊፉ። ኣቐድም ኣቢሉ ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ነቲ ብኩንያታት ፋይዘርን ቢዮንቴክን ዝፈረየ መድሃኒት፡ ተቐባልነት ከምዝሃበ ይዝከር። ኤውሮፓዊ ኮሚሽን ንውሳኔ ኤውሮፓዊ አጀንሲ መድሃኒት ኣብ ዝሓጸረ እዋን ክሰማማዓሉ ትጽቢት ይግበር። ብድሕሪ’ዚ እቲ መድሃኒት፡ ኣብ መላእ ሃገራት …

Read More »

ኣብ ምምሕዳር ብለኪንገ (Blekinge) ዝርከባ ቤት ትምህርታት ማእከላይ ደረጃ፡ ካብ 11 ጥሪ ክዓጽዋ እየን

ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ንምግታእ፡ ኩለን ካብ ሻውዓይ ክሳብ ታሽዓይ ክፍሊ ዝምህራ ቤት ትምህርታት፡ ክዕጸዋ ከምዘለወን በዓል መዚ ጥዕና ምምሕዳር ብለኪንገ መኺሩ። ብመሰረት ምኽሪ፡ ሓኪም ተመሓላለፍቲ ሕማማት፡ ቤንግት ዊቴኾ፡ ኩለን ቤት ትምህርታት ማእከላይ ደረጃ፡ ካብ ዕለት 11/01/2021 ጀሚረን ንኽልተ ሰሙን ክዓጽዋ ምዃነን ነዚ ውሳኔ ድማ ኩለን ምምሕዳራት ከተማ ምምሕዳር ብለኪንገ ክተግብረኦ ምዃነን ተፈሊጡ ኣሎ። ብመሰረት እቲ ውሳኔ፡ ካብ ዕለት 11 ጥሪ …

Read More »

ንልዕሊ ፍርቂ ቁጽሪ መሳርሕቱ ብኮሮና ዝለበደ ሰራሕተኛ ካብ ስራሕ ተባሪሩ

ሓደ ሰራሕተኛ ምልክታት ሕማም ኮሮና እናተሰመዖ ናብ ስራሕ ብምምጽኡ ንካልኦት ብጾቱ ብምልካሙ ካብ ስርሑ ክሰናበት ከም እተገብረ ኣገልግሎት ዜና SVT ሓቢሩ። እዚ ዝተጠቕሰ ሰራሕተኛ፡ ኣብ ከባቢ ካርልስታድ ዝርከብ መእለይ ሕሙማት ኣልዘሃይመር ክሰርሕ ከም ዝጸንሐን ድሕሪ ምልክታት ሕማም ኮሮና ምርኣዩ መርመራ ጌሩ ውጽኢት ሕማሙ ከይተዋህበ ናብ ስራሕ ከምዝኸደን ድሒሩ ድማ ብኮሮና ተለኺፉ ከምዘሎ ዝሕብር ውጽኢት ከምዝመጾን ቀጺሉ ድማ፡ ፍርቂ ኣባላት ናይታ …

Read More »

ካብ ጽባሕ ዕለት 7 ጥሪ ጀሚሩ፡ ኣብ ሽወደን፡ ማስክ ምውዳይ ክጅመር እዩ

ካብ ጽባሕ ሓሙስ ዕለት  7 ጥሪ ጀሚሩ፡ ኣብ ህዝባዊ መጓዓዝያታት ሽወደን፡ ማስክ ምውዳይ ግብራዊ ክኸውን እዩ ክብል በዓልመዚ ህዝባዊ መጓዓዝያ ሓቢሩ’ሎ። ቅድሚ ዓመተ 2004 ዝተወልዱ ሰባት ኮይኖም ህዝባዊ መጓዓዝያታት ኣብ ዝጥቀሙሉ እዋን፡ ማስክ ክጥቀሙ ከምዝግባእ ተሓቢሩ።  ካብ 7-9 ቅ/ቀ ከምኡውን ካብ 16-18 ድ/ቀ ኣብ ዘሎ ግዜያት፡ ህዝባዊ መጓዓዝያታት ኣብ ዝጥቀምሉ እዋን እዚ መምርሒ ግብራዊ ክኸውን ምዃኑ በዓል መዚ ህዝባዊ መጓዓዝያ …

Read More »

ዶብ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብን ቐጠርን ክኽፈት ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ

ስዕዲ ዓረብ፡ ኢማራት፡ ባሕሬይን ግብጽን ኣብ ልዕሊ ቐጠር ኣንቢረንኦ ዝጸንሓ እገዳ ባሕርን ምድርን ከልዕላ ኣምሳያኡ ድማ ቐጠር ኣብ ልዕሊ እዘን ሃገራት ዝጀመረቶ ክሲ ደው ከተብል ኣብ ስምምዕ ከም እተበጽሐ ሓደ ላዕለዋይ ኣመሪካዊ በዓልመዚ ገሊጹ። ንሱ ወሲኹ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ዣረድ ኩሽነር ኣብዚ ዘተ ምትሕብባሩን ኣብ ጽንብል ምኽታም እዚ ስምምዕ ምስ ኣሚር ኩዌት ብምዃን ክርከብ እዩ ኢሉ። ኩዌት …

Read More »

ኤርትራዊ ደራሲ፡ ኣብ ሃገረ ሽወደን ብኻልኣይ ደረጃ ተዓዊቱ

ኤርትራዊ ደራስን ጋዜጠኛን ጸጋብርሃን ጎይትኦም ዓመታዊ ብጋዜጣ västerbottens  ኣብ ዝካየድ ንብሉጽ ኣበርክቶ ዝወሃብ ሽልማት፡ በታ ሎሚ ዓመት ኣብ ሃገረ ሽወደን ዝደረሳን ዘሕተማን  “ወጽዓ እታ ህጻን” ዘርእስታ መጽሓፍ ብምውድዳር ካልኣይ ደረጃ ብምሓዝ ናይ 10 ሽሕ ክሮነር ተሸላሚ ኮይኑ። ደራሲ ጸጋብርሃን ጎይትኦም፡ ንፍጻሜ ካብ ዝበጽሑ ሸሞንተ ተወዳደርቲ፡ እቶም ሸውዓተ ሽወደናውያን ክኾኑ ከለዉ፡ እቲ እንኮ ንፍጻሜ ብምብጻሕ ምስኦም ዝተወዳደረ ወጻእተኛ ክኽውን ድሕሪ ምብቕዑ …

Read More »

Harmony News 04 January 2021

1. ኣብ መላእ ኤውሮጳ ዝተደንገጉ ናይ ጉዕዞ እገዳታት ምትራሮም ካብ ጥቕሙ ጉድኣቱ ይዓቢ ምህላዉ ተገሊጹ። 2. ሃገረ ኢትዮጵያ ኣብ ሓደጋ ካልእ ዉሽጣዉን ግዳማዉን ኩናት ካብ ዘሎዋ ዘሎዋ ሃገራት ከም ካልይቲ ደረጃ ከምዝተሰርዐት ተሓቢሩ። #sverige #alkompis #sweden #Tigrinja #Sweden#Eritrea#Tigrai#Ethiopia#EU

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com