Tuesday , May 7 2024

ዜና

ዜና ሽወደን ብትግርኛ Svenska nyheter på tigrigna 27 November 2020

Read More »

በዓልመዚ ጥዕና፡ ኣብ እዋን ክሪስማስን ሓድሽ ዓመትን እገዳታት ጉዕዞ ኣይክህሉን እዩ ይብል

በዓልመዚ ጥዕና ሽወደን፡ ኣብ እዋን ክሪስማስን ሓድሽ ዓመትን፡ ናይ ጉዕዞ ቀይድታት ኣይከምሓላልፍን እዩ። ነዚ ጉዳይ ብዝምልከት ድማ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን፡ ሓደስቲ ምኽርታትን መምርሒታትን ከመሓላልፍ ምዃኑ ሓቢሩ። ምሉእ እገዳ ጉዕዞ ንእውጀሉ እዋን ኣይበጻሕናን ይኹን እምበር፡ ሰብ ኣብ ዝገሸሉ እዋን፡ ሓላፍነታዊ ክኸውን ከምዝግባእ ኣማኻሪ መንግስቲ ኣብ ጉዳያት ሕማማት ለበዳ፡ ኣንደሽ ቲግኔል፡ ሓቢሩ። ኣብ መፋርቕ ታሕሳስ፡ ለበዳ ኮሮና ኣብ ጥርዙ ክበጽሕ ከም ዝኽእል …

Read More »

ዜና መጽሔት News Magazine 27 November 2020

Read More »

ሰልፊ ኣከባቢ (Milijöpartiet)፡ ሚርታ ስቴነፊ ን ኢዛቤላ ሉፊን ንኽትትክኣ ሓጽዩዋ

ኮሚቴ ሕርያ ሰልፊ ኣከባቢ፡ ንኢዛቤላ ሎቨን ተኪኣ ከም ኣደወንበር ናይቲ ሰልፊ ኮይና ክትሰርሕ እትኽእል ኢሉ፡ ንማርታ ስተነፊ፡ ከምዝሓጸያ መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ሓቢሩ። ኣወሃሃዲት ኮሚቴ ሕርያ ሰልፊ ኣከባቢ፡ ካተሪን ቪሲን፡ ሎሚ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ስተንፊ፡ ተኣማኒትን ጽንዕትን ስለ ዝኾነት ነቲ ሰልፊ ጠርኒፋ ናብ  ዝቕጽል ወፍሪ ምርጫ ከተሰጋግረና ትኽእል እያ ኢላ። ሓላፊ ሰልፊ ዝኸውን ሰብ፡ ኣብቲ ኣብ ዕለት 31 ጥሪ …

Read More »

ብሰንኪ በዓል ልደት፡ መንእሰያት፡ ኣብ ዘይተደልየ ልቓሕ ንኸይኣትዉ፡ ክሮኖፎግደን (kronofogden)፡ ኣጠንቂቑ

ብዝሒ ናይቶም ኣብ እዋን ቅልውላው ለበዳ ኮሮና፡ ንቤት ጽሕፈት ክሮኖፎግደን ብምውካስ ፡ ንመደባት ኣከፋፍላ ልቓሓቶም ብዝምልከት ምኽርን ሓገዝን ዝሓቱ ሽወደናውያን መንእሰያት፡ እናበዘሐ ይመጽእ ምህላዉ እቲ ቤት ጽሕፈት ሓቢሩ። ካብ ሓሲብካ ክትሽምት ብስምዒት ክትሽምት ስለዝቐልል፡ ሽወደናውያን፡ ንበዓል ልደት ዝኾኑ ህያባት ንምግዛእ፡ ውሕስነት ኣብ ዘይብሎም ናይ ልቓሕ መጻወድያታት ንኸይኣትዉ ዋሃቢት ቃል እቲ ትካል፡ ቲና ሃይማርክ፡ ምስ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝገበረቶ ርክብ ገሊጻ። …

Read More »

ማእከላይ ገምጋም ዕድመ ሽወደናውያን፡ ብሰንኪ ኮሮና ጎዲሉ

ናይዚ ዓመት ማእከላይ ገምጋም ዕድመ ሽወደናውያን፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ክጎድል ትጽቢት ከምዘሎ ማእከል ስታቲስቲክስ ሽወደን ሓቢሩ። ማእከላይ ገምጋም ዕድመ ሽወደናውያን ደቂ ኣንስትዮ ካብ 84.7 ናብ 84.4 ዓመትን ናይ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ካብ 81.3 ናብ 80.8 ዓመት ክጎድል ከምዝኽእል ገምጋማት’ቲ ማእከል ይገልጹ። ማእከላይ ገምጋም ዕድመ ሽወደናውያን ደቂ ኣንስትዮ፡ ካብ መጨረሽታ ሰማንያታት ጀሚሩ፡ ሒደት እዋናት ጥራይ ምጉዳሉ ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣብ ናይ ደቂ …

Read More »

ምምሕዳራት ሽወደን፡ ንሰባት ኣብ ገዝኦም ብምኻድ ክታበት ኮሮና ክህባ ይውጥና

ሓፈሻዊ ክታበት ኣብ ዝጅምረሉ እዋን፡ ሰባት፡ ኣብ ዓበይቲ ኣብያተ ጽሕፈታት፡ ማእከላት ጥዕናን እንዳ መናበይ ዓበይትን ከምኡ ውን ኣብ ኣባይቲ ብምኻድ ክታበት ጸረ ኮሮና ንኽህባ ይውጥና ምህላወን ምምሕዳራት ሽወደን ይገልጻ ምህላወን መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ኣቃሊሑ። ኣብ ዝቕጽል ወርሒ፡ መስርሕ ክታበት ኮሮና ክጅምር ትጽቢት ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ቀዳማይ ገጽ ክታበት ክወስዱ ቀዳምነት ዝዋሃቦም፡ እቶም ልዕሊ 70 ዓመት ዝዕድሚኦም ሽማግለታት፡ ንሓደጋ ዝተቓልዑ …

Read More »

ማእከላይ ባንክ ሽወደን፡ ለበዳ ኮሮና ክዘልቕ እንተድኣ ጀሚሩ፡ ቊጠባ ሽወደን ክሓዊ እዩ

ማእከላይ ባንክ ሽወደን ምስ ምዝላቕ ለበዳ ኮሮናን ተፈጢሩ ዘሎ ቁጠባዊ ቅልውላው ንኽሓዊ ትጽቢት ብምግባር ክሳብ 2023 ኣብ ዘሎ ግዜ፡ መጠን ወለድ፡ 0% ክኸውን ከምዝገበረ መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ሓቢሩ። እዚ ባንክ፡ መጠን ህዝባዊ ለቓሕ ክብ ክብልን ኣድላዪ ኣብ ዝኾነሉ እዋን፡ ፖሊሲ ገንዘባዊ ድጋፍ ክህሉ ብምባል ገደብ መሸጣ ቦንድታት ካብ 500 ናብ 700 ቢልዮን ክሮና  ከም ዝድይብ ጌሩ’ሎ።፡ ሽወደናዊ ክሮና ምስ …

Read More »

ቁጽሪ ተጠቀምቲ ህዝባዊ መጓዓዝያ ስቶክሆልም፡ እናወሓደ ምምጽኡ ተገሊጹ

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ፡ በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን፡ ምስፍሕፋ ለበዳ ኮሮና ከምእንደገና እናገደደ ምስ መጸ፡ ከባብያዊ ቀይድታት ንኽተኣታተው መምርሒታት ሓቢሩ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ካብቲ እዋን ጀሚሩ፡ ኣብ ስቶክሆሎም፡ ቁጽሪ ተጠቀምቲ ባቡራት እናወሓደ ምምጽኡ፡ ኩባንያ SL ሓቢሩ። ኣብ ምጅማር ናይዚ ሰሙን፡ መጠን ብዝሒ ተሳፈርቲ ባቡራት፡ ብ40% ምጉዳሉ ጸብጻባት ሬድዮ ሽወደን ሓቢሮም። ብተወሳኺ፡ መጠን ብዝሒ ብኣውቶቡሳት ዝሳፈሩ ሰባት፡ እናጎደለ ምምጽኡ ውን …

Read More »

ኣባል ናይ ሓንቲ ስድራ ብኮሮና ምስ ዝልከፍ፡ ህጻናት ክውሸቡ ይግባእ ክብላ ማሕበራት ይጽዋዓ

ኣባል ናይ ሓንቲ ስድራ ቤት ብቫይረስ ኮሮና ምስ ዝልከፍ፡ ኣብ ቅድመ ትምህርቲ ዝመሃሩ ኣባላት’ታ ስድራ ቤት (ህጻናት) ክውሸቡ ኣለዎም ክብላ ማሕበራት ሰራሕተኛታትን መማህራንን ጠለበን ከም ዘቕረባ ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። ኣብ ቅድመ ትምህርቲ ከቢድ ጻዕቂ ስራሕ ኣሎ። ኣብ ገዛ፡ ብኮሮና ዝተለኽፈ ሰብ ምህላዉ እናተፈልጠ፡ ህጻናት ናብ ቤት ትምህርቲ ክኸዱ ምግባር፡ መማህራን ልዕሊ መደቦም ክሰርሑን ኣብ ትሕቲ ከቢድ ጸቕጢ ክእትዉን ዝገብር እዩ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com