Tuesday , May 7 2024

ማእከላይ ገምጋም ዕድመ ሽወደናውያን፡ ብሰንኪ ኮሮና ጎዲሉ

ናይዚ ዓመት ማእከላይ ገምጋም ዕድመ ሽወደናውያን፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ክጎድል ትጽቢት ከምዘሎ ማእከል ስታቲስቲክስ ሽወደን ሓቢሩ።

ማእከላይ ገምጋም ዕድመ ሽወደናውያን ደቂ ኣንስትዮ ካብ 84.7 ናብ 84.4 ዓመትን ናይ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ካብ 81.3 ናብ 80.8 ዓመት ክጎድል ከምዝኽእል ገምጋማት’ቲ ማእከል ይገልጹ።

ማእከላይ ገምጋም ዕድመ ሽወደናውያን ደቂ ኣንስትዮ፡ ካብ መጨረሽታ ሰማንያታት ጀሚሩ፡ ሒደት እዋናት ጥራይ ምጉዳሉ ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣብ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ግን ናይ ምጉዳል ተርእዮታት ዓመታዊ ከምዝኾነ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።

ሽወደን፡ ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ-19 ጥራይ፡ ኣብዚ ዓመት’ዚ፡ ክሳብ 6000 ሰባት ብሞት ከምዝኸሰረት ዝፍለጥ እዩ።

ብሰንኪ ኮሮና ዘጋጥም መጠን ሞት፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ፡ እናጎደለ እኳ እንተመጸ፡ ዓመተ 2020 ግን ብብዙሕ ሸነኻታ ፍልይቲ ምዃና ማእከል ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com