Wednesday , May 8 2024

ብሰንኪ በዓል ልደት፡ መንእሰያት፡ ኣብ ዘይተደልየ ልቓሕ ንኸይኣትዉ፡ ክሮኖፎግደን (kronofogden)፡ ኣጠንቂቑ

ብዝሒ ናይቶም ኣብ እዋን ቅልውላው ለበዳ ኮሮና፡ ንቤት ጽሕፈት ክሮኖፎግደን ብምውካስ ፡ ንመደባት ኣከፋፍላ ልቓሓቶም ብዝምልከት ምኽርን ሓገዝን ዝሓቱ ሽወደናውያን መንእሰያት፡ እናበዘሐ ይመጽእ ምህላዉ እቲ ቤት ጽሕፈት ሓቢሩ።

ካብ ሓሲብካ ክትሽምት ብስምዒት ክትሽምት ስለዝቐልል፡ ሽወደናውያን፡ ንበዓል ልደት ዝኾኑ ህያባት ንምግዛእ፡ ውሕስነት ኣብ ዘይብሎም ናይ ልቓሕ መጻወድያታት ንኸይኣትዉ ዋሃቢት ቃል እቲ ትካል፡ ቲና ሃይማርክ፡ ምስ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝገበረቶ ርክብ ገሊጻ።

ኣብ እዋን ቅልውላውል ኮሮና፡ ቤት ጽሕፈት ክሮኖፎግደን፡ ነቲ ብቐጻሊ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ መጠን ዕደኦም ብኸመይ ኣገባብ ከም ዝሕዝዎ ከምዘይፈልጡ፡ ብዙሓት መንእሰያት፡  ብመንገዲ ቴሌፎን ከምዝሓበርዎ ገሊጹ።

ኣብዚ ዓመት’ዚ፡ ንኣገባብ ኣከፋፍላ ዕዳኦም፡ ዳግመ ግምት ክግበረሎም ዝሓተቱ ቁጽሪ መንእሰያት ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ፡ ብ41% ክብ ከምዝበለ ካብቲ ትካል ዝተረኽበ ሓበሬታ ገሊጹ።

መንእሰያት፡ ኣብ ንኡስ ዕድሚኦም፡ ኣብ ዓዘቕቲ ዕዳ ክኣትዉ ክትርኢ እንከለኻ፡ ብጣዕሚ እዩ ዘሻቕለካ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ናብ ቤት ጽሕፈትና ብቐጻሊ ዝድውሉ ዘለዉ መንእሰያት፡ ኣብ ክሊ ዕድመ 18 ክሳብ 25 ዓመት ዝርከቡ እዮም ክትብል ሃይማርክ ትገልጽ።

ቀንዲ ጠንቂ ናይዚ ዝፍጠር ዘሎ ናይ ዕዳ ቅልውላው፡ እተን ናይ ልቓሕ ትካላት እየን። ምኽንያቱ፡ ቅልጡፍ ናይ ልቓሕ ኣገልግሎት ዝህባ ትካላት እኳ እንተሃለዋ፡ እቲ ዝኽፈል መጠን ወለድ ብጣዕሚ ልዑልን ዘቐበኦ ውዕላት ድማ ሕማቕ ስለዝኾነ። ኣብ እዋን በዓል ልደት፡ ኣገልግሎት ልቓሕ ብመንገዲ ኢንተርኔር ኣዳልየን ብምህላወን፡ ሽወደናውያን፡ ነዚ ብቐሊሉ ተዳልይሎም ዘሎ መጻወድያ ከይኣትውዎ፡ ክልተ ግዜ ክሓስቡ፡ ሃይማርክ፡ ጸዊዓ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com