Sunday , May 19 2024

ዜና

ኣውስትርያ፡ ኣብ ክንዲ እቲ ንቡር ማስክ፡ FFP2 ምጥቃም ትጠልብ

ልዕሊ 14 ዓመት ዝዕድሜኦምን ኣገልግሎት ህዝባዊ መጓዓዝያ፡ ድኳናት፡ ኣብያተ መድሃኒትን ሆስፒታላትን ዝጥቀሙ ኩሎም ኣብ ክንዲ እቲ ንቡር ማስክ፡ ብሬስፕራቶሪ ማስክ ዝፍለጥ (FFP2) ንኽጥቀሙ ከም ዝኣዘዘት ተፈሊጡ። በዚ ድማ ኦስትርያ፡ ነዚ ብምእዛዝ ፋልመይቲ ኤውሮፓዊት ሃገት ኮይና ኣላ። እዚ ሓድሽ ሕጊ፡ ንጥኑሳትን ናይ ምስትንፋስ ሕጽረትን ንዘለዎም ሰባት ዘይምልከት ምዃኑ ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እዚ ሕጊ ምስ ካልኦት ዝጸንሑ ሕግታት ብምንጽጻር ኣብ ዜጋታት …

Read More »

በዓል መዚ ኢሚግሬሽን፡ ናይ ሓደ ቢልዮን ክሮን ካሕሳ ንኽኸፍል ተሓቲቱ

በዓል መዚ ኢሚግሬሽን፡ ብሰንኪ ኣብቲ ሓተቲ ዑቕባ ዝነብሩሉ ኣባይቲ ብዝወረደ ዕንወት፡ ናይ ሓደ ቢልዮን ክሮና ካሕሳ ክኸፍል ከምዝተሓተተ ሬድዮ ሽወደን ሎሚ ሓቢራ። በዓል መዚ ኢሚግሬሽን፡ ነቶም ኣብኡ ዝቕመጡ ዝነብሩ ስደተኛታት ሓተቲ ዑቕባ ካብቶም ኣባይቲ ምስ ኣውጸኦም፡ ንዝወረደ ዕንወት ንምትካእ፡ ወነንቲ ኣባይቲ፡ ካብ’ቲ በዓል መዚ ካሕሳ ከም ዝሓቱ ሓቢሮም። ካብ መስከረም 2016 ኣትሒዙ ክሳብ’ዚ ሕጂ እዋን፡ ናይ ሓደ ቢልዮን ዕዳ ከም …

Read More »

ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ሽወደን፡ ንዝወረዶ ነቐፌታታት መልሲ ይህብ

ዳይሬክተር ኢሚግሬሽን፡ ሚካኤል ረፒንቪክ፡ ነቲ ናይ መንበሪን ዜግነትን ፍቓድ ንምርካብ ዝወስድ መጠን ግዜ ብዝምልከት፡ ኣብ ልዕሊ ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ሽወደን ክዘንብ ዝቐነየ ነቐፌታታት፡ መልሲ ሂብሉ’ሎ።  ተጣባቒ ጥሕሰት ሕጊ (JO)፡ ብዓርቢ፡ ኣብ ልዕሊ ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ተሪር ነቐፌታ ምዝናቡ ይዝከር። ቅድሚ 40 ኣዋርሕ ዝቐረበት ሓንቲ ጉዳይ ሕቶ ዑቕባ፡ ቅድሚ 29 ኣዋርሕ ዝቐረበ ሕቶ ምጥርናፍ ስድራቤትን ካልእ ቅድሚ 36 ኣዋርሕ ዝቀረበት ሕቶ …

Read More »

ኣብ እዋን በዓል ፋሲካ፡ ሕጽረት እንቋቚሖ ከጋጥም ከምዝኽእል ይንገር

ብሰንኪ ኣብ መፍረ ደርሁ ሞንስተሮስ (Mönsterås) ዘጋጠመ መልከፍቲ ኢንፍሉዌንዛ ኣዕዋፍ፡ ኣስታት 1.3 ሚልዮን ደርሁ ክቕተላ ምዃነን ድሕሪ ምሕባር፡ ኣብ መላእ ሽወደን፡ ኣብ እዋን በዓል ፋሲካ ሕጽረት እንቋቚሖ ከጋጥም ትጽቢት ከም ዘሎ ኩባንያ እንቋቚሖ ሽወደን ሓቢሩ። ኣብ ሽወደን፡ ኣብ እዋን በዓል ፋሲካ፡ እንቋቚሖታት ብሕብሪ እናለኸኻን  እናመላኻዕካን ዝግበር ኣገባብ ኣበዓዕላ ምህላዉ ዝፍለጥ እዩ። ዋላ’ኳ ጽጹይ ስታቲስቲካዊ ሓበሬታ ኣይሃልወና፡ ኣብ እዋን በዓል ፋሲካ፡ …

Read More »

ኣብ ስቶክሆልም፡ እምነ መቓብራት ዓንዮም

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ኣብ ሰሜን ስቶክሆልም፡ ሶልና፡ ዝርከብ መቓብር፡ 400 እምነ-መቓብር ከም እተራሰየ ጋዜጣ ዳገንስ ኒሄተር ሓቢሩ። እዚ ዘሕዝን ፍጻሜ፡ ናይ ውሽጥኻ ሕርቃን ዘውጽእ እዩ ክትብል፡ ስቫንቴ ቦሪ፡ ሓላፊ ምምሕዳር’ቲ መቓብር፡ ንጋዜጣታት ኣብ ዝሃቦ ቃል ሓቢራ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ሓለዋ ናይቲ መቓብር ወሲኹ ኣሎ ድማ ኢሉ። እቲ ራስያ ንኹሎም ዓይነታት እምነት ዘለዎም ሰባት፡ ዝጸለወ ብምዃኑ ንሓደ ሃይማኖት ዕላማ ብምግባር ዝተኻየደ …

Read More »

ሃገረ ፊንላንድ፡ ዶባታ ዓጽያ

ሃገረ ፊንላንድ፡ ለበዳ ኮሮና ንምቁጽጻር፡ ካብ ሎሚ ፍርቂ ለይቲ ኣብ ተግባር ዝወዓለ፡ ሓድሽ ሕጊ ከምዘተኣታተወት ገሊጻ። እዚ ሓድሽ ሕጊ፡ ነቶም ካብ ወጻኢ ናብታ ሃገር ዝኣትዉ ሰባት ዝምልከት ኮይኑ፡ ሰብ መዚ ምክትታል ዶባት፡ ብጀካ ንኣገደስቲ ጉዳያት ዝመጹ፡ ንኻልእ ሰብ ክሓልፍ ከምዘየፍቅዱ ሓቢራ። እቶም ንኽኣትዉ ዝተፈቕደሎም ሰባት ውን፡ ኣብቲ ዶብ፡ መርመራ ኮሮና ክገብሩ ክግደዱ ምዃኖም ሃገረ ፊንላንድ ሓቢራ ክብል ማዕከን ዜና ተተ …

Read More »

መጠን ብዝሒ ድኻታት፡ ኣብ ሽወደን፡ ናብ ዝተሓተ ደረጅኡ በጺሑ

ኣብ ዓመተ 2019፡ መጠን ብዝሒ፡ ትሑት ቁጠባዊ ዓቕሚ ዘለዎም ሽወደናውያን (ድኻታት)፡ ናብ ዝተሓተ ደረጅኡ ምብጽሑ ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።  ጸብጻባት ቤት ጽሕፈት ቆጸራ ህዝቢ (SCB) ከምዝሕብሮ፡ ልዕሊ 15% ካብ ተቐማጦ ሽወደን፡ ኣብ ድኽነት ከምዝነብሩ ገሊጹ። እቲ ጸብጻብ ከምዝሕብሮ፡ እተን ቀንዲ ብድኽነት ዝሳቐያ፡ እተን ንበይነን ዝነብራ፡ ልዕሊ 80 ዓመት ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ኮይነን እቲ መጠን፡ ክሳብ 41% ናይዘን ደቂኣንስትዮ ምዃኑ ክግለጽ …

Read More »

ኣብ ሽወደን፡ መጠን ሃልኪ ጸረ-ነፍሳት (antibiotik) ትሑት ምንባሩ ተሓቢሩ

ኣብ ዓመተ 2020፡ ኣብ ሽወደን፡ መጠን ሃልኪ ጸረ-ነፍሳት (antibiotik) ብ 17% ከምዝቐነሰ፡ በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ሓቢሩ። መጠን ሃልኪ ጸረ-ነፍሳት፡ ኣብ ኩሎም ክሊ ዕድመታት ውሑድ እኳ እንተነበረ፡ ካብ ሓድሽ ውልዶ ክሳብ ደቂ 6 ዓመት ዕድመ ኣብ ዘለዎም ህጻናት፡ እቲ ሃልኪ፡ ብ40% ምጉዳሉ ጸብጻባት’ቲ በዓል መዚ ከምዝሓበረ ሬድዮ ሽወደን ኣቃሊሑ። ምኽንያት ምጉዳል መጠን ሃልኪ ጸረ-ነፍሳት ኣብ ህጻናት፡ ለበዳ ኮሮና፡ ኽኸውን …

Read More »

ካብ ሓደጋ ባሕሪ ዝደሓኑ ስደተኛታት

ኣብ ብዙሓት ጀላቡ ተጻዒኖም፡ ካብ ገማግም ሊብያ ከምዝተበገሱ ዝንገረሎም ኮይኖም፡ ብማእከላይ ባሕሪ ኣቢሎም ናብ ገማግም ኤዉሮጳ ዝጓዓዙ ዝነበሩ ልዕሊ ሰለስተ ሚእቲ ስደተኛታት፡ ብሰራሕተኛታት ሰብ ሞያ ድሕነት ካብ ምጥሓል ከምዝዳሓኑ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ። ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፡ ኣብታ ልዕሊ 107 ሰባት ጽዒና ዝነበረት ናይ ጎማ ጃልባ ብዝተፈጥረ ምቅጻል ገለ ክፋል ሞተር፡ ዝፈጠሮ ትኪ፡ ከቢድ ናይ ምስትንፋስ ጸገም ዘጋጠሞም ስደተኛታት፡ ብሰራሕተኛታት ህጹጹ ረድኤት፡ …

Read More »

ክታበት ሞደርና፡ ጸረ ሓድሽ ዓሌት ቫይረስ ኮሮና ኣድማዕነት ኣለዎ ተባሂሉ

ፍርያት ኩባንያ ሞደርና ዝኾነ ክታበት፡ ጸረ እቲ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝተራእየ ሓድሽ ዓሌት ቫይረስ ኮሮና፡ ኣድማዒ ዝኾነ ውጽኢት ከምዝተረኽቦ’ቲ ኩባንያ ከምዝሓበረ ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ከምዝፍለጥ፡ ፍርያት ኩባንያ ሞደርና ዝኾነ ክታበት፡ ኣንጻር እቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተረኽበ ሓድሽ ዓሌት ቫይረስ ኮሮና፡ ዝተኻየደ ፈተና፡ ድኹም ውጽኢት ከምዝረኸበ ይፍለጥ። ሽወደን፡ ቅድሚ ክልተ ሳምንታት ኣቢሉ፡ ክታበት ሞደርና፡ ድሕሪ ብኤውርጳዊ ሕብረት ምርግጋጹ፡ ክትጥቀመሉ ከምዝጀመረት …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com