Sunday , May 19 2024

ዜና

ስእልታት ስቶክሆልም

Read More »

ምምሕዳር ኡምዮ ኣርባዕተ ናይ ትግርኛ መጽሓፍቲ ንሕትመት ኣብቒዑ

ምምሕዳር ከተማ ኡምዮ ናይ ሃገረ ሽወደን፡ ብደራስን ጋዜጠኛን ጸጋብርሃን ጎይትኦም ዝተደርሳ ኣርባዕተ ናይ ትግርኛ መጽሓፍቲ ብምሕታም ኣብዚ ሰሙን ናብ ህዝቢ ዘርጊሕወን። እዘን ብደራስን ጋዜጠኛን ጸጋብርሃን ጎይትኦም ዝተደራሳ መጽሓፍቲ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ዝተሓትማ ኮይነን፡ ኣብ ተዛረብቲ ቛንቛ ትግርኛ ዘለውን ኣገዳስነት ኣብ ግምት ብምእታውን፡ ንኤርትራዊ ስነ ጽሑፍ ንምትብባዕን ብምባል እዩ ከሕትመን ክኢሉ። እዘን ምስ ምትሕብባር ኣሕታሚ እምኩሉ ኣብ ሃገረ ሽወደን ተሓቲመን …

Read More »

አብ መስመር E4 ሓደጋ መካይን ኣጋጢሙ

ሎሚ ሰዓት 14:09 ኣብ ከባቢ Stora Wäsby ኣብ መስመር E4 ኣብ መንጎ 20 መካይን ሓደጋ ትራፊክ ከም ዘጋጠመ SVT ኣቃሊሑ። እቲ ጽርግያ ብበረድ ተሸፊኑ ብጣዕሚ ለሚጹ ብምንባሩ መካይን ብቐሊሉ ከንሸርትታ ክኢለን ክብል ሓላፊ ኣገልግሎት መድሕን ስቶክሆልም ሓቢሩ። እቲ ሓደጋ ብኽልቲኡ ሸነኽ ናይቲ መስመር እኳ እንተጋጠመ: ኣብ ሰብ ዝወረደ ጉድኣት ከምዘየለ መባእታዊ ሓበሬታ ትራፊክ ይገልጽ። መስመር E4 ድሕሪ ሰዓት 16:00 ክኽፈት …

Read More »

ኦስሎ: ንምህናጽ ሓድሽ መስመር ባቡር ተፍቅድ

ካብ ርእሰ ከተማ ሽወደን: ስቶክሆልም: ናብ ርእሰ ከተማ ኖርዌይ: ኦሶሎ: መስመር ፈጣን ባቡር ንምዝርጋሕ ዝቐረበ ሓሳብ: ብወገን ኖርወይ ተቐባልነት ከም ዝረኸበ ተፈሊጡ∷ ሕጂ ተሪፉ ዘሎ: መንግስቲ ሽወደን : ብዛዕባ’ዚ ፕሮጀክይ ዘቕርቦ ውሳነ ጥራይ እዩ ክብል ኣገልግሎት ዜና SVT ሓቢሩ። ቅድሚ ገለ መዓልታት: ሚኒስተር ትሕተ ቕርጺ ኖርወይ: ሃገሩ ኣብ ፕሮጀክት ህንጸት መስመር ባቡር ክትሳተፍ ድልውቲ ምዃና ኣፍሊጡ ኔሩ። “እንድሕሪ ነገራት ብጽቡቕ …

Read More »

ሃርሞኒ ሜድያ ዜና መጽሄት 28 ጥሪ 2021

Read More »

ማስክ ዝተኸድነ ሰብ፡ ብፋስ መጥቃዕቲ ኣካይዱ

ትማሊ ሓሙስ ሰዓት 10 ቅ/ቀ፡ ማስክ ዝወደየን ኣብ ኢዱ ፋስ እናወጣወጠ ኣብ ቮርቦሪ ምዕራብ ሽወደን፡ እትርከብ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ስክሪቫረ፡ መጥቃዕቲ ምክያዱ ተገሊጹ። በዚ መጥቃዕቲ ሓደ ተመሃራይ ማህሰይቲ ከምዝወረዶ ተፈሊጡ ክብል ጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ሓቢሩ። ምስዚ መጥቃዕቲ ምትእስሳር ኣለዎ ብዝብልን ኣብ ጥቓ እቲ ቤት ትምህርቲ ሓቂ ብምስዋርን ዝጠርጠሮ፡ ፖሊስ፡ ንሓደ ወዲ 25 ዓመት መእንሰይ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ የእትይዎ ኣሎ። ብተወሳኺ፡ …

Read More »

ሽወደናዊ ሆስፒታል፡ ዕውት ዝኾነ ናይ ኢድ ምትካል መጥባሕቲ ኣካይዱ

ሆስፒታል ዩኒቨርሲቲ ሶልግሪየንስካ፡ ዮተቦሪ፡ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ስንክልቲ፡ ዕዉት ዝኾነ ናይ ኢድ ምትካል መጥባሕቲ ምክያዱ ተገሊጹ። እዚ ኣብ ሃገራት ኖርዲክ ብዓይነቱ ናይ ፈለማ ከም ምኑ ዝንገረሉ ዕዉት ምልዋጥ ኣካላት ወዲ ሰብ እዩ። እተን ክልተ የእዳው፡ ካብ ሓደ ክፋል ኣካላቱ ዝልግስ ሰብ ዝተረኽባ ኮይነን፡ እታ ስንክልቲ፡ ቅድሚ ገለ ዓመታት፡ ክልተ የእዳዋ  ብሰንኪ ረኽሲ ከም ዝሰኣነተን ተገሊጹ። እቶም ነዚ መጥባሕቲ ዘካየዱ ሓካይም፡ …

Read More »

ኣብ ሽወደን፡ ቁጽሪ ናይ ስራሕ ፍቓድ ዝረኸቡ ስደተኛታት ሓካይም፡ ክብረ ወሰን ሒዙ

ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ካልእ ሃገር ተማሂሮም፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ሕክምናዊ ሞያኦም ኣብ ውሽጢ ሽወደን ዘሰላስሉ ዘለዉ ስደተኛታት፡ ኣብ ዓመተ 2020፡ ክብረ ወሰን ክሕዝ ከምዝኸኣለ ተፈሊጡ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ 279 ስደተኛታት ሓካይም፡ ብሞያኦም ንኽሰርሑ ካብ ምምሕዳር ማሕበራዊ ኣገልግሎት ሽወደን፡ ፍቓድ ምርካቦም ተፈሊጡ። ካብ ዓመተ 2011 ጀሚሩ፡ ማእከላይ ገምጋም ቁጽሪ ናይቶም ፍቓድ ዝወሃቦም ዝነበሩ ስደተኛታት ሓካይም፡ 196 ምንባሩ ይዝከር። ሬድዮ ሽወደን፡ ምስ …

Read More »

ኣብ ስቶክሆሎምን ደቡባዊ ክፋል ሽወደንን፡ ልዑል መጠን በረድ ክወርድ ምዃኑ መጠንቀቕታ ተመሓላሊፉ

ሎሚ ሓሙስ፡ ኣብ ካልማር፡ ኦስተርዮትላንድ፡ ሶደርማንላንድን ስቶክሆሎምን ልዑል መጠን በረድ ክወርድ ምዃኑን ኣብ ስቶክሆሎም ድማ እቲ ኩምራ በረድ ክሳብ 20 ሴንቲሜተር ዝበጽሕ ርጉዲ ዘለዎ ቀጸላ ክፈጥር ከምዝኽእል በዓል መዚ ሜትሮሎጂ ሓቢሩ። ኣቐድም ኣቢሉ፡ ኩምራ በረድ፡ ካብ 10 ክሳብ 15 ሴ.ሜ. ርጉዲ ዘለዎ ቀጸላ  ብምፍጣሩ፡ ኣብ ምንቅስቓስ ናይ ተሽከርከርቲ፡ ከቢድ ጸገም ፈጢሩ ምጽንሑ ይዝከር። ስለዚ፡ መኪና ትመርሑ ሰባት፡ ናይ ምንሽርታት ሓደጋ …

Read More »

ዜናታት ሃርሞኒ ሜድያ 27 ጥሪ 2021

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com