Sunday , May 19 2024

ዜና

ኣብ ቅትለት፡ ዶክቶር ካሮሊን ሓኪም ኢድ ኣለዎ ዝተባህለ መንእሰይ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ

ብዕለት 26/08/2019፡ ጓል 31 ዓመት፡ ዶክተር ካሮሊና ሓኪም፡ ኣብ ጎደናታት ማልመ ምስ ህጻን ውላዳ እናተጓዕዘት እንከላ ብሓደ ሰብ ብእተተኮሰላ ጥይት ህይወታ ከምዝሰኣነት ይዝከር። ፖሊስ ሽወደን፡ ምስ’ዚ ጉዳይ ኢድ ኣለዎ ብምባል ንሓደ ወዲ 22 ዓመት መንእሰይ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘእተወ ኣገልግሎት ዜና SVT ሓቢሩ። ዜና ናይታ ምስ ወዲ ኣርባዕተ ወርሒ ውሉዳ እናተጓዕዘት ኣብ ጽርግያ ዝተቐትለት ካሮሊን፡ ኣብ ህዝቢ ሽወደን ከቢድ ስንባደ …

Read More »

ሃገራዊ ድሕነት ሽወደን፡ ንስነ-ሓሳብ ዳዕሽ (ISIS) ዝድግፉ ኣካላት፡ ኣብ ሽወደን ኣለዉ፡ ይብል

ብርክት ዝበሉ ሽወደናውያን፡ ናብቲ ኣብ ዒራቕን ሶርያን ዝንቀሳቐስ፡ ዳዕሽ፡ ዝተሰምየ ግብረ ሽበራዊ ጉጅለ፡ ንምጽንባር ናብዘን ሃገራት ከም እተጓዕዙን ሕጂውን ኣብ ዝነብሩሉ ከባቢ ነዚ ውድብ ደገፎም ይህቡ ኣለዉ። ምስዞም ሰባት፡ ቀጻሊ ርክባት ኣሎና። ኣብ ትሕቲ ቀጻሊ ምክትታል ውን እዮም ዝርከቡ ክትብል ሬድዮ ሽወደን ንወኪል እቲ ቤት ጽሕፈት፡ ፍረድሪክ ሆልስትሮም፡ ብምጥቃስ ሎሚ ሓቢራ። ገምጋም ጸጥታዊ መዋቕር ከም ዝሕብሮ፡ ስነ-ሓሳብ ዳዕሽ፡ ኣብ ሽወደን …

Read More »

Harmony Media News 25/01/2021

Read More »

ሓድሽ ቅጥዒ መገሻ፡ ነቶም ናብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝኣትዉ ሰባት

እቶም ካብ ካልኦት ሃገራት ናብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝኣትዉ ዜጋታት፡ ኣብ ልዕሊ ቅጥዕታት መእተዊ ቪዛ ምምልኦም፡ ካብ 72 ሰዓታት ዘይበዝሕ ዕድመ ዘለዎ ውጽኢት መርመራ ኮሮና ዝሕብር ምስክር ወረቐት ኣማሊኦም ክመጹ ከምዝግደዱ፡ ኮሚሺን ኤውሮጳዊ ሕብረት ሎሚ ሓቢሩ። ዜጋታት ወይ ድማ ቀወምቲ ነበርቲ ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረትን ንዝኾኑ ግን ኣብ ዝኣትውሉ እዋን መርመራ ንኽገብሩ ዕድል ክወሃቦም ምዃኑ እቲ ኮሚሺን ብምውሳኽ ከምዝሓበረ ማዕከን ዜና ተተ …

Read More »

ድሕሪ ክልተ ዓመታት፡ ጾታዊ ዓመጽ ዝፈጸመ ሰብ፡ ብመንገዲ መርመራ ዲ.ኤን.አይ. (DNA) ተረኺቡ

ቅድሚ ክልተ ዓመታት ኣቢሉ፡ ኣብ ከተማ ኦፕሳላን ታቢ (Täby)ን ጾታዊ ዓመጽ ፈጺሙ ከይተታሕዘ ዝጸንሐ ገበነኛ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ብመንገዲ መርመራ ዲ.ኤን.አይ. (DNA) ከምተረኽበን፡ ሎሚ ድማ፡ ንኽልቲኡ ገበናት ምፍጻሙ ከምተኣመነ መርበብ ሓበሬታ SVT ኣቃሊሑ። ነቲ ገበነኛ ክንሕዞ ዝኸኣልና፡ ብምትሕብባር ህዝቢ፡ ምዃኑ ካብ ፖሊስ ጾታዊ ገበናት ስቶክሆሎም፡ ኒክላስ ክራፍት፡ ሓቢሩ። እዚ ገበነኛ፡ ኣብ ዓመተ 2018፡ ኣብ ኦፕሳላ ዝርከብ መሐንበሲ ቦታ፡ ንሓንቲ …

Read More »

መጠን ብዝሒ ፍርያት ኩባንያ ኣስትራ ዘኒካ ዝኾነ ክታበት፡ ካብ ትጽቢት ንታሕቲ ምዃኑ ተገሊጹ

እቲ ብኩባንያ ኣስትራ ዘኒካ ዝፈሪ ዘሎ ክታበት፡ ተቐባልነት ምስ ረኸበ፡ ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት፡ ን27 ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኣስታት 100 ሚልዮን ብልቃጥ (ዶዝ) ከቕርብ ምዃኑን ብጠቕላላ ድማ ናይ 400 ሚልዮን ብልቃጥ (ዶዝ) ከቕርብ ስምምዕ ከምዝተፈራረመ ይዝከር። ይኹን እምበር፡ ኣብ ሃገረ በልጂም ዝርከብ፡ ናይ ኩባንያ ኣስትራ ዘኒካ ክታበት ዘፍሪ ፋብሪካ፡ ከፍርዮ ወጢንዎ ዝነበረ መጠን ብምውሓዱ፡ ኩባንያ ኣስትራ ዘኒካ፡ …

Read More »

ምስፍሕፋሕ ሓድሽ ዓሌት ኮሮና እንተ ተራእዩ፡ ዝተረሩ ስጉምታት ክውሰድ ከምዝኽእሉ ተሓቢሩ

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ሽወደን፡ ሚካኤል ዳምቤሪ፡ ሎሚ ንግሆ ኣብ ተሌቪዥን ሽወደን ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ ምስፍሕፋሕ ሓድሽ ዓሌት ኮሮና ኣብ ሽወደን እንተ ተራእዩ፡ መንግስቲ፡ በቲ ዝተዋህቦ ስልጣን ናይ ግዝያዊ ሕጊ ኮሮና፡ ክሳብ ምሉእ ብምሉእ ናይ ምዕጻው ስጉምቲ ክወስድ ከምዝኽእል ሓቢሩ። እዚ ማለት ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ናይ ስራሕ ቦታታት፡ ቤት ትምህርታትን ካልእን ምሉእ ናይ ምዕጻው ስጉምቲ ክወስድ፡ ወይ ድማ ኣብ ልዕሊ በዚ ለበዳ …

Read More »

ቲግኒል፡ ዶባትና ንሓጺር እዋን ምዕጻው ኣገዳሲ እዩ ይብል

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ምስ ኖርወይ ዘራኽበና ዶብ፡ ንሓጺር እዋን ምዕጻው፡ ኣገዳሲ እዩ ክብል ኣማኻሪ ሽወደን ኣብ ጉዳያት ተመሓላለፍቲ ሕማማት፡ ኣንዲሽ ቲግኒል፡ ርእይትኡ ከምዝገለጸ ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። ኣብ ዝሓለፈ ወቕቲ ቀውዒ፡ ቲግኒል፡ ንጉዳይ ምዕጻው ዶባት ኣመልኪቱ ተቛወሞ የርኢ ከምዝነበረ ይዝከር። መንግስቲ ሽወደን፡ ካብ ሎሚ ሰኑይ 25/01/2021 ጀሚሩ ተግባራዊ ዝኸውን፡ ንሽወደን ምስ ኖርወይ ዘራኽባ ዶብ ከምዝዓጸወ ኣፍሊጡ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ፡ ምስፍሕፋሕ …

Read More »

ጆ ባይደን፡ ሓደስቲ ውዕላት ይፍርም

ብቕድሚ ትማሊ ቃለማሕላ ብምፍጻም ስልጣን ምምራሕ ሃገር ዝተረከበ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን፡ ብተሰናባቲ ፕረሲደንት ነበር ትራምፕ ቅድሚ ሕጂ ተወሲኖም ዝነበሩ መብዛሕቶም ናይ ዉሽጥን ወጻእን ዉሳኔታት ብምስራዝ፡ ስርሑ ከምዝጀመረ ካብ ዋሽንግቶን ዝተረኸበ ዜና ኣመልኪቱ። እቲ ሓድሽ ፕረዚደንት፡ ንምምላስ ኣሜሪካ ናብ ከባብያዊ ዉዕል ፓሪስ፡ ዓለማዊ ውድብ ጥዕናን ምቁራጽ ምስራሕ ዶባዊ መንደቕ ሜክሲኮን ኣሜሪካ ከምኡ ዉን ዜጋታት ናይ ውሱናት ሃይማኖት እስልምና ዝኽተላ ሃገራት …

Read More »

ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ኣብ ኣፍሪቃ

እቲ ንመበል ካልኣይ ግዜ ኣብ ዓለምና ዝተራእየ ማዕበል ለበዳ ኮሮና፡ ንኣፍሪቃ ከቢድ ሃስያ ከምዘውረደላ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ብምጥቃስ ማዕከናት ዜና ሓቢረን። እቲ ዜና ከምዘመልከቶ፡ ኣህጉር ኣፍሪቃ፡ ኣብ መጀመሪያ ዙር ብደሓን ወጺኣቶ እኳ እንተነበረት፡ ኣብዚ ካልኣይ ማዕበል ግን እቲ ለበዳ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ብዝሒ ዘሎዎም መልከፍቲ ከምዝተራእዩ ክፍለጥ ተኻኢሉ። እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ዋላ እኳ ምሃብ ክታበት ኣብ ካልእ ክፍለዓለም እንተጀመረ፡ ዛጊት …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com