Friday , April 26 2024

ኣብ ሽወደን፡ መጠን ሃልኪ ጸረ-ነፍሳት (antibiotik) ትሑት ምንባሩ ተሓቢሩ

ኣብ ዓመተ 2020፡ ኣብ ሽወደን፡ መጠን ሃልኪ ጸረ-ነፍሳት (antibiotik) ብ 17% ከምዝቐነሰ፡ በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ሓቢሩ።

መጠን ሃልኪ ጸረ-ነፍሳት፡ ኣብ ኩሎም ክሊ ዕድመታት ውሑድ እኳ እንተነበረ፡ ካብ ሓድሽ ውልዶ ክሳብ ደቂ 6 ዓመት ዕድመ ኣብ ዘለዎም ህጻናት፡ እቲ ሃልኪ፡ ብ40% ምጉዳሉ ጸብጻባት’ቲ በዓል መዚ ከምዝሓበረ ሬድዮ ሽወደን ኣቃሊሑ።

ምኽንያት ምጉዳል መጠን ሃልኪ ጸረ-ነፍሳት ኣብ ህጻናት፡ ለበዳ ኮሮና፡ ኽኸውን ከምዝኽእ፡ ክኢላታት ገምጋማቶም ድሕሪ ምግላጽ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና፡ ኣካላዊ ምትንኻፍ ብምውሓዱ፡ ብኡ መጠን ድማ፡ ምትሕልላፍ ሕማማት ጎዲሉ ይብሉ።

ዝተፈላለያ ምምሕዳራት፡ ዝተፈላለየ መጠን ሃልኪ ጸረ-ነፍሳት ዘለወን ኮይነን፡ ኣብ ደቡባዊ ሸነኽ ሽወደን እትርከብ ምምሕዳር ስኮነ፡ እታ ዝበዝሐ መጠን ጸረ-ነፍሳት እተህልኽ ክትከውን እንከላ፡ ኣብ ሰሜን ሽወደን እትርከብ ምምሕዳር ቬስተርቡተን ድማ እታ ዝወሓደ መጠን ጸረ-ነፍሳት እተህልኽ እያ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com