Wednesday , May 1 2024

ኤርትራዊ ደራሲ፡ ኣብ ሃገረ ሽወደን ብኻልኣይ ደረጃ ተዓዊቱ

ኤርትራዊ ደራስን ጋዜጠኛን ጸጋብርሃን ጎይትኦም ዓመታዊ ብጋዜጣ västerbottens  ኣብ ዝካየድ ንብሉጽ ኣበርክቶ ዝወሃብ ሽልማት፡ በታ ሎሚ ዓመት ኣብ ሃገረ ሽወደን ዝደረሳን ዘሕተማን  “ወጽዓ እታ ህጻን” ዘርእስታ መጽሓፍ ብምውድዳር ካልኣይ ደረጃ ብምሓዝ ናይ 10 ሽሕ ክሮነር ተሸላሚ ኮይኑ።

ደራሲ ጸጋብርሃን ጎይትኦም፡ ንፍጻሜ ካብ ዝበጽሑ ሸሞንተ ተወዳደርቲ፡ እቶም ሸውዓተ ሽወደናውያን ክኾኑ ከለዉ፡ እቲ እንኮ ንፍጻሜ ብምብጻሕ ምስኦም ዝተወዳደረ ወጻእተኛ ክኽውን ድሕሪ ምብቕዑ እዩ፡ ናይ ካልኣይ ደረጃ ብምሓዝ ተሸሊሙ።

ኣብዚ ውድድር ቐዳመይቲ ሽወደናዊት ሶፍያ ኢሃማን  ክትወጽእ እንከላ፡ እቲ እንኮ ንፍጻሜ ብምብጻሕ ካልኣይ ደረጃ ዝሓዘ ድማ ኤርትራዊ ደራሲ ጸጋብርሃን ጎይትኦም ኮይኑ ኣሎ።

ካብቶም ንፍጻሜ ዝበጽሑ ሸሞንተ ሰባት ብድምጺ ህዝቢ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ምምራጽ መስርሕ ሽወደናዊት ሶፍያ ኢሃማን 6761 ድምጺ ብምርካብ ቐዳመይቲ ክትከውን ከላ፡ 6540 ድምጺ ዝረኸበ ደራሲ ጸጋብርሃን ጎይትኦም ድማ ካልኣይ ብምውጻእ ተዓዋቲ ኮይኑ።

ኣብ ታሪኽ እዛ 45 ዓመታት ዘቑጸረት ጋዜጣ፡ ንፈለማ እዋን ወጻእተኛ ንፍጻሜ ዝበጽሐ ክኸውን ዝበቐዐ’ውን እዩ።

ነቲ ዓወት ኣመልኪቱ፡ ቓል ዘስምዐ ስነ ጥባባዊ ጸጋብርሃን ጎይትኦም፡ “ኣብ ሃገረ ሽወደን ጌና ሓደ ዓመት ከይመልኣኩ መጽሓፍ ብምሕታም ነዚ ዓወት ምብቕዐይ፡ ንመጻኢ ዓቢ ፍናን ኮይኑኒ ኣሎ፡ እቲ ዘይክኣል ከምዝክኣል ድማ ገምጊመ፡ ነዚ ዓወት ንኽበቅዕ ድምጾም ዝሃቡንን ንመጽሓፈይ ብምንባብ ዘተባብዑንን ድማ ምስጋናይ ወሰን የብሉን” ክብል ቓል ኣስሚዑ።

ደራሲ ጸጋብርሃን ጎይትኦም በታ ሎሚ ዓመት ኣብ ሃገረ ሽወደን ከተማ ኡምዮ ብምዃን ዝደረሳን ዘሕተማን መጽሓፍ “ወጽዓ እታ ህጻን” እዩ ተዓዋቲ ክኸውን በቒዑ። ደራስን ጋዜጠኛን ጸጋብርሃን ጎይትኦም ናይ ማህደረ ትምህርቲ ዕድል ብከተማ ኡምዮ ተዋሂብዎ ድሕሪ ምምጻእ ዩ፡ ነዛ መጽሓፍ ከሕትማ ዝበቕዐ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com