Saturday , April 27 2024

ንዋጋታት ክዳውንትን ጫማታትን ዝውስኽ ሓድሽ እማመ ክፍሊት ግብሪ ቀሪቡ

ብስም ክፍሊት ግብሪ ኬሚካላዊ ባእታ ዝፍለጥ፡ ኣብ ልዕሊ ክዳውንትን ጫማታትን ዝብየን ሓድሽ እማመ ክፍሊት ግብሪ ንኽትግበር፡ መንግስቲ፡ ርእይትኡ ኣቕሪቡ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ኣብ ክዳውንትን ጫማታትን ዝውሰኽ መርዛም ኬሚካላዊ ባእታ ንምውጋድን ሃላኽነት ናይቶም ከምዚ ዓይነት ኬሚካል ዘለዎም ፍርያት ንምንካይን ዝዓለመ እዩ። ኩባንያታት መፍረ ክዳውንቲ ብወገኖም፡ እዚ ሓድሽ እማመ ክፍሊት ግብሪ፡ ንዓመታዊ ወጻኢታትና ዝውስኽ ስለዝኾነ፡ ንዋጋታት ናይቲ ፍርያት ከዛይዶ እዩ ክብሉ ከምዝሓበሩ ሬድዮ ሽወደን ኣመሓላሊፉ።

እቲ ሓድሽ እማመ እንተድኣ ጸዲቑ፡ ተግባራውነቱ ኣብ ልዕሊ ኩሎም ፍርያት ክዳውንትን ጫማታትን ክትግበር እዩ። ሸያጢ ኣካል፡ ንዝሸጦ ፍርያት፡ ካብቲ ዝበሃል ዘሎ መርዛማዊ ኬሚካል ነጻ ምዃኑ እንተድኣ ኣረጋጊጹ፡ ካብቲ ዝኸፈሎ ግብሪ ኬሚካላዊ ባእታ፡ 95% ክምለሶ እዩ። ካብቲ ሸያጢ ኣካል ዝኸፈሎ ጠቕላላ ክፍሊት፡ እተን 5% ኣይክምለሰኦን እየን ማለት እዩ። ብወገን ኣህላኺ ኣካል፡ ቅሩብ ወሰኽ ክፍሊት ክህልዎ እዩ። ንኣብነት ዋጋታት ፍኹስ ዝበለ ዓይነት ጃኼት ብ50 ክሮን ክውስኽ ተኽእሎታት ኣሎ።

ኤሌክትሮኒካዊ ዕዳጋታት፡ በዚ ሓድሽ እማመ ክፍሊት ግብሪ ክጽለው እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ኣህላኺ፡ ብመንገዲ ኤሌክትሮኒካዊ ዕዳጋ (ኢንተርኔት) ካብ ቻይና፡ ክዳን ወይ ድማ ጫማ እንተድኣ ገዚኡ፡ ንሓደ ኪሎ ግራም፡ ተወሳኺ 78 ክሮን ክኸፍለሉ እዩ።

ተግባራውነት ናይዚ እማመ፡ ንዝቕጽል ወርሒ ሚያዝያ/2021 ክኸውን እኳ ተሓሲቡ እንተነበረ፡ ብሰንኪ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ዘስዓቦ ቅልውላው ግን ናብ ዓመተ 2022 ተሰጋጊሩ ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com