Monday , May 20 2024

ኮረና ቫይረስ

June, 2020

  • 27 June

    ተቐማጦ ስኮና ( Skåne) ናብ ዴንማርክ ንኽበጽሑ ግድነት ካብ ኮሮና ናጻ ምዃኖም መረጋግጺ ከቕርቡ ይግባኦም ተባሂሉ

    ዴንማርክ ብ ቀዳም ዶባታ እኳ እንተኸፈተት ዛጊት ሒደት ሽወደናውያን በጻሕቲ ጥራይ ክትቅበል ፍቓደኛ ምዃና ተገሊጹ ክትብል ሬድዮ ሽወደን ሓቢራ። ብመሰረት በዓልመዚ ምቁጽጻር ለበዳታት ዴንማርክ ኣብ ሽወደን ብዘይካ ኣብ ዞባታት Vesterbotten ኣብ ዝተረፋ ኣውራጃታት እቲ ለበዳ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ምህላዉ እንተኾነ ግና ተቐማጦ ስኮና (Skåna)፡ ሶርምላንድ (Särmland)፡ ቬስተርቦትን (Westerbotten)፡ ሃላንድ (Halland) ን ብሌኪንያ (Blekinge) ካብዚ ለበዳ ናጻ ምዃኖም ዘርኢ ውጽኢት መርምራ …

  • 27 June

    ቲግኒል፡ ዓለም ብሃንደበት ዝተጸለለ ኮይኑ ተስሚዑኒ

    ቲግኔል ካብ ብዙሕ ዘይፍለጥ በዓል ሞያ ናብ ዋና ተጸዋዒ ሕማምት ለበዳ ሽወደን ክብ ዝበለ ሰብ እዩ። ንሱ ብዛዕባ ኮሮናን ኣተሓሕዝኡን ዝምልከት ንዝና ሽወደን ዘዕዘዘ ተራ ኣመልኪቱ ምስ Summer P1 ዕላል ጌሩ ኔሩ።  ለበዳ ኮሮና ገና ከም ዘይጠፍአ ደጋጊሙ ኣዘኻኺሩ ክብል SVT ሓቢሩ። ነቲ ሽወደን ንለበዳ ኮሮና ናብ ዶባታ ከይኣቱ ምኽልካልን ጸኒሓ ድማ ከየስፋሕፍሕ ኣብ ምዕጋት ንእተጻወተቶ ተራ ከም ኣብነታዊት ክብል …

  • 26 June

    ኣውሮጳ፡ ብሰንኪ ልዑል መጠን ሙቐት ጻዕርታት ጸረ ኮሮና ዕንቅፋት ይገጥሞ ምህላዉ ተፈሊጡ

    ምስ ምውሳኽ መጠን ሙቐት ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ኣውሮጳ ዘለዉ ሰባት ነቲ ጸረ ለበዳ ኮሮና ተባሂሉ ዝወጸ ሕግታት ክጥሕስዎ ይኽእሉ እዮም ዝብል ስክፍታ ምህላዉ ተገሊጹ። ኣብ ሃገራት ስካንዲናቭያ መጠን ሙቐት ንተኸታታሊ ሰለስተ መዓልታት ልዕሊ 30°c ምዃኑ፡ ኣብ ደቡባዊ ስፔይንን ፖርቱጋልን ድማ 35°C በጺሑ። ኣብ ብሪጣንያ ድሕሪ’ቲ ኣብ ዓመተ 1976 ዝተመዝገበ፡ ዝለዓለ መጠን ሙቐት 35.9°C ተመዝጊቡ’ሎ። ሕጊ ማሕበራዊ ምፍንታት ገና ከይተላዕለ ኣብ …

  • 26 June

    ኖርወይ፡ ካብ ጎትላንድ ንዝተመልሱ ገያሾ፡ ውሸባ ንኽፍጽሙ ትግድድ

    ኖርወያውያን፡ ካብ ዕለት 15/07/2020 ጀሚሮም ብዘይ ናይ ውሸባ መስርሕ ናብ ገለ ሃገራት ኤውሮፓ ክገሹ ከምዝኽእሉ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኖርወይ፡ ኢርና ሶልቤሪ፡ ሓቢራ። ናብ ኖርወይ ምስ ተመልሱ ናይ ውሸባ መስርሕ ክፍጽሙ ዝግደዱ ግን እቶም ናብ ሽወደንን ጎትላንድን ዝገሹ ምዃኖም ብተወሳኺ ገሊጻ። ኣቐድም ኣቢላ ኖርወይ፡ ናብ ጎትላንድ ብዘይ ናይ ውሸባ መስርሕ ምጋሽ ኣፍቂዳ ከምዝነበረት ይዝከር። ለበዳ ኮሮና ኣብ ጎትላንድ ከምቲ ኖርወይ ትጠልቦ መምዘኒታት …

  • 26 June

    መራሕቲ ኣውቶቡሳትን ታክስታትን እቶም ቀንዲ ግዳያት ቫይረስ ኮሮና እዮም ተባሂሉ

    ብዝሒ ናይቶም ግዳያት ቫይረስ ኮሮና ዝኾኑ መራሕቲ ኣውቶቡሳትን ታኽሲታትን ብ 5 ዕጽፊ ካብ ኣብ ካልኦት ሞያታት ዝሰርሑ ከምዝበዝሕ ካብ ኣሃዱ ህዝባዊ ጥዕና ዝወጸ ጸብጻብ ሓቢሩ ክብል ሬድዮ ሽወደን ኣቃሊሑ። ኩነታት መነባብሮ ዓቢ ተራ ይጻወት እዩ ክብል ቲግኒል ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ። ኣብ መባእታን ግዴታውን ቤት ትምህርታት ዝሰርሑ ኣባላት ልዕሊ እተን ካልኦት ሞያታት ግዳያት ኮሮና የብለንን። ብሓፈሻ ክረአ እንከሎ፡ መማህራን …

  • 25 June

    ሽወደናዊ መጽናዕቲ፡ ብፕላዝማ ደም ጌርካ ንሕማም ኮቪድ-19 ንምፍዋስ ዝተገብረ ፈተነ ዘተባብዕ ውጽኢት ረኺቡ ተባሂሉ

    ካብ ሕማም ኮቪድ-19 ናይ ዝሓውዩ ሰባት ፕላዝማ ደም ብምውሳድ ናብ ጌና ዘይሓወዩ ሰባት ብምሃብ ንምፍዋሶም ዝተገብረ ፈተነ  ዘተባብዕ ውጽኢት ከምዝረኸበ መጽናዕታት ኮለጅ ካሮሊኒስካ ሓቢሮም ክብል ሬድዮ ሽወደን ኣቃሊሑ። እዚ ዝተገብረ መጽናዕቲ ናብ ብዙሓት ሕሙማት ክፍተን ምዃኑ ድማ ብተወሳኺ ሓቢሮም። ሓደ ሕሙም ሰብ፡ ፕላዝማ ደም ካብ ዝሓወየ ሰብ ምስ ተዋህበ ንጽባሒቱ ኣብ ደም’ቲ ሕሙም ዝርከብ ዝነበረ ቫይረስ ክጸርይ ይጅምር” ክብል ክኢላ …

  • 25 June

    ኣብ ሽወደን፡ መጠን ዝርገሐ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ትሕቲ 1.0 ምኻኑ ተሓቢሩ

    ዝርገሐ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ዝሕብር (R) ትሕቲ 1.0 ምኻኑ ሓድሽ ጸብጻብ ኣሃዱ ህዝባዊ ጥዕና ሓቢሩ። እቲ መጠን ዝርገሐ ለበዳ ዝሕብር ካብ ዕለት 9 ክሳብ 19 ሰነ ኣብ ዝነበረ ግዜ እቲ ዓቐን ካብ 1.06 ናብ 0.91 ምውራዱ ሓቢሩ። እዚ (R) ዝተባህለ ሓባሪ ንመጠን ዝርገሐ ለበዳ ቫይረስ ዝዕቅን እዩ። ትርጉም ቁጽሪ ልዕሊ 1.0 እንተድኣ ኮይኑ፡ ሓደ ሕሙም ሰብ ንልዕሊ ሓደ ሰብ ኮሮና …

  • 24 June

    ሽወደን ንክታበት ኮሮና ኣመልኪቱ ኣብ ዝቃናዕ ዘተ ኣውሮጳዊ ሕብረት ክትሳተፍ እያ

    ብዛዕባ ኣፍረይቲ እዚ ክታብት ዝምልከት ሽወደን እትርከበን ጉጅለ ሸውዓተ ሃገራት ክዛተያ እየን። መንግስቲ ሽወደን ኣብዚ ዘተ ክሳተፍ ዝወሰነ ብሰኑይ እዩ። እዚ ናይ ኮሮና ክታበት ክርከብ እንተ ክኢሉ፡ ሽወደን ናብ ንቡር ህይወት ንኽትምለስ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ክትብል ሚኒስተር ማሕበራዊ ጉዳያት ሊና ሃሊንግረን ተዛሪባ። ኮሚሽን ኣውሮፓዊ ሕብረት፡ ምስ ዝተፈላለዩ ኣማዕበልቲ መድሃኒት ናይ ዕድጊ ውዕላት ከም ዝኸተመን ናብ ዝተፋላለያ ሃገራት ኣውሮጳ ኣብ ምክፍፋል …

  • 24 June

    ኣብ እዋን መገሻ ሓደ ሰብ ብቫይረስ ኮሮና ምስ ዝጥቃዕ እንታይ ክገብር ይግበኦ?

    ብምኽንያት ለበዳ ኮሮና ተዓጽዩ ዝጸንሐ ዶባት ምስ ምኽፋቱ ካብ ሽወደን ናብ ካልኦት ሃገራት ኣውሮጳ ዑደት ናይ ምግባር ባህጊ ምውሳኹ ተገሊጹ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን ኣብ 10 ሃገራት ኣውሮጳ እንተላይ ስፔይን፥ ኢጣልያን ፈረንሳን ኣንቢርዎ ዝጸንሐ እገዳ ጉዕዞ ካብ 30 ሰነ ከም ዘልዕሎ ተፈሊጡ’ሎ። እዚ ሓበሬታ ካብ ዝወጸሉ ግዜ ንደሓር ኩባንያታት ጉዕዞ ብሓዛእቲ ተጨኒቐን ምህላወንን ተመልኪቱ። ይኹንምበር እዘን እገዳአን ክለዓለለን ምዃኑ እተነግረ …

  • 24 June

    ፓርላማ ሽወደን፡ ንሓደጋ መልከፍቲ ኮሮና ቅሉዓት ዝኾኑ ክፋል ሕብረተሰብ ካሕሳ ንኽኽፈሎም ተሰማሚዑ

    ንሓደጋ መልከፍቲ ቫይረስ ኮሮና ቅሉዓት ዝኾኑ ሰባት ካብ ለበዳ ቫይረስ ፈሪሆም ንስራሕ ዘይወፈሩ ሰራሕተኛታት ከምቲ ናይ ሕማም ዕረፍቲ ዝተፈቕደሉ ሰብ ዝወስዶ ካሕሳ (Sjukpenning) ክኽፈሎ ፓርላማ ሽወደን ከምዘጽደቖ TT ኣቃሊሑ። እቲ ውሳኔ ካብ መጀመርያ ወርሒ ሓምለ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ መስከረም ናይ’ዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ከምዝሰርሕ ውን ሓቢሩ። ብሰንኪ ሕዱር ሕማም ዘለዎም እሞ ብቐሊሉ ብቫይረስ ኮሮና ተጠቃዕቲ ዝኾኑ ቆልዑ፡ ወለዲ ካብ ስራሕ …

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com