Monday , May 20 2024

ኮረና ቫይረስ

July, 2020

  • 3 July

    ምምሕዳር ቬስተርኖርላንድ፡ ባዕላዊ መርመራ ኮሮና (PCR) ክጅመር እዩ ተባሂሉ

    ባዕላዊ መርመራ ኮሮና ካብ ዕለት 02/07/2020 ጀሚሩ ኣብ ምምሕዳር ቬስተርኖርላንድ ክጅምር ምኻኑ ተፈሊጡ። ምዝጉብ ነባሪ ምምሕዳር ቬስተርኖርላንድን ዕድሜኻ ድማ ልዕሊ 15 ዓመት እንተድኣ ኮንካ እሞ ድማ ከም ረስኒ፡ ሰዓል፡ ናይ ምስትንፋስ ጸገማት፡ ናይ ኣፍንጫ ጸረርታ፡ ናይ ጎረሮ ቃንዛ፡ ሕማም ርእሲ፡ ዕግርግር፡ ቃንዛ ጭዋዳታትን መለጋግቦን፡ ውጸኣትን ምጥፋእ ናይ ምጭናውን ምስትምቓርን ዓቕሚ ዝኣመሰሉ ምልክታት ሕማም ኮሮና እንተድኣ ተራእዮምኻ (ተሰሚዖምኻ) ኣብቲ ናይ ኣሃዱ …

  • 3 July

    መንግስታዊ ውሳኔ፡ ናይ መጥባሕቲ ቆጸራታት ምስግጋሮም ንመሰላት ረብሓታት ሕማም (sjukpenning) ኣይጸልዎን እዩ

    ብሰንኪ ቅልውላው ኮሮና፡ ናይ መጥባሕቲ ቆጸራታት ምስግጋሮም ወይ ድማ ምስራዞም ንመሰላት ረብሓታት ሕማም (sjukpenning) ከምዘይስርዞም፡ መንግስቲ ሽወደን ከም ዝኣወጀ SVT ሓቢሩ። ሓደ ሕሙም ብሰንኪ ቅልውላው ኮሮና ዝነበሮ ናይ መጥባሕቲ ቆጸራ እንተደኣ ተናዊሑ፡ እቲ ናይ ሕማም ረብሓታት መሰሉ ድሕሪ 180 መዓልታት ሕሉው ኽኸውን ከምዝግባእ መንግስቲ ሽወደን ምስ ሳንዱቕ ማሕበራዊ ውሕስነት ተሰማሚዑ ከምዝነበረ ይዝከር። ትማሊ ረቡዕ ድማ መሰላት ሕሙም ዝሕሉ መንግስታዊ ውሳኔ …

  • 2 July

    ናይ መንብሮ ሓገዝ ብ 25% ወሲኹ ተባሂሉ

    እቲ ንቆልዑ ዘለወን ስድራቤታት ተባሂሉ ዝወሃብ ዝነበረ ናይ መንብሮ ሓገዝ ብ 25% ንኽውስኽ ዝተመሓላለፈ ውሳኔ ካብ ሎሚ ዕለት 02/07/2020 ጀሚሩ ግብራዊ ክኸውን ትጽቢት ይግበር። መንግስቲ ሽወደን ብሊበራላውን ማእከላይን ሰልፍታት ተደጊፉ ነዚ ግዝያዊ ናይ መንብሮ ሓገዝ (bostadsbidrag) ከም ዝወሰነ ሬድዮ ኢኮት ምቅልሑ ይዝከር። መንግስቲ ሽወደን፡ ነዘን ቆልዑ ዘለወን ስድራ ቤታት ተባሂሉ ዝወሃብ ዝነበረ ናይ መንብሮ ሓገዝ ካብ ዕለት 01/072020 ክሳብ 01/09/2020 …

  • 2 July

    ግሪኽ፡ ናብ ሽወደን ንዝግበር ቀጥታዊ በረራታት ደው ኣቢላቶ ተባሂሉ

    ካብ ሽወደን ናብ ግሪኽ ዝግበር ዝነበረ ቀጥታዊ በረታት ክሳብ 15 ሓምለ ፍቑድ ከምዘይኮነ ሰብ መዚ ግሪኽ ኣፍሊጦም። እዚ ውሳነ ነቲ ካብ ብሪጣንያ ንዝግበር ቀጥታ በረራ እውን ዝምልከት እዩ ተባሂሉ። ካብ 15 ሰነ ጀሚሮም ናብ ኣቴንስን ተሰለንቈን ዝግበሩ ዝነበሩ በረራታት ፍቑዳት ምዃኖም ተሓቢሩ። ኣብ ዕለት 01/07/2020 ጀሚሩ  ኩሎም ናይ ግሪኽ መዓርፎ ነፈርቲ ነተን ሽወደንን ዓዲ እንግሊዝን ዝርከበአን ብለበዳ ኮሮና እምብዛ ዝተጠቕዓ …

June, 2020

  • 30 June

    ኩባንያ ሳስ (SAS): ዋጋ 12 ቢልዮን ክሮነር ናይ መድሕን ውጥን መዲቡ

    ስካንድናቭያዊ ኩባንያ ሳስ (SAS) ናይ መድሕን ውጥኑ ንምትግባር: ርእሰ ማሉ ብ12 ቢልዮን ክሮነር ክብ ከብሎ መዲቡ። እዚ ክውሰኽ ተመዲቡ ዘሎ ርእሰ ማል ካብ ወነንቲ እቲ ኩባንያ ክእከብ ምዄኑ TT ሓቢሩ።ወነንቲ ዝበዝሐ ብርክታት ናይ ኩባንያ ሳስ ዝኾኑ: መንግሰቲ ሽወደን: ዴኒማርክን ትካል Alice and Knut Wallenburg እዮም። እዞም ኣካላት’ዚኣቶም ምስ ኩባንያ ሳስ ምስምማዖም ተፈሊጡ ኣሎ።እቲ መደብ: 14,25 ቢልዮን ክሮነር ዝሓትት እዩ። ካብዚ …

  • 30 June

    ሓድሽ መጽናዕቲ፡ ቫይረስ ኮሮና ናብ ሽወደን ብመንገዲ ዴኒማርካውያን ኣትዩ ክኸውን ከምዝኽእል ይእንፍት

    ቫይረስ ኮሮና ናብ ሽወደን ብመንገዲ ዴኒማርካውያን ኣትዩ ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል ካብ ኮፐንሃገን ዩኒቨርስቲ ዝወጸ ሓድሽ መጽናዕቲ ከምዝሓበረ ጋዜጣ ኤክስፕረሰን ኣብ ዓምድታቱ ኣስፊሩ። እዚ ኣብ ዴኒማርክ ብብዝሒ ዝረአ ዘሎ ለውጢ (Mutation) ዘካየደ ዓይነት ኮሮና ቫይረስ፡ ኣብ መጀመርያ ምስ ናይ በረድ ተንሸርተቲ ዝኾኑ ገያሾ  ካብ ኣውስትርያ ናብ ዴኒማርክ ከምዝኣተወን ቀጺሉ ድማ ዴኒማርካውያን ነዚ ቫይረስ ናብ ካልኦት ከም በዓል ሽወደን፡ ላትቭያን ኣይስላንድን …

  • 30 June

    ኩባንያ SAS ን1583 ኣብ ዴኒማርክ ዝርከቡ ኣባላቱ ከፋኑ መዲቡ ተባሂሉ

    ስካንድናቭያዊ መንገዲ ኣየር SAS ን1583 ኣብ ዴኒማርክ ዝርከቡ ኣባላቱ ከፋኑ ከም ዝመደበ ሓቢሩ። እዚ ድማ ካብቲ ጠቕላላ ከፋንዎም መዲቡ ዝነበረ ቁጽሪ ዝተሓተ ምዃኑ TT ሓቢሩ። ዝርዝር ናይቶም ከፋንዎም መዲቡ ዘሎ ኣባላቱ፡ 176 ኣብረርቲ ነፋሪት (ፓይሎት)፡ 586 ኣብ ጽዕነት ባልጃታት ዝነጥፉን 684 ድማ ኣአንገድቲ ምዃኖም ገሊጹ። ብዝሒ ናይቶም ኣብ ኩባንያ SAS ዝሰርሑ የአንገድቲ 1200 ይበጽሕ። ኩባንያ SAS፡ ብሰንኪ ኮሮና ቫይረስ ዘስዓቦ …

  • 29 June

    መጠን ሽቕለት ኣልቦነት 9% በጺሑ

    ብዝሒ ስራሕ ኣልቦ ዝኾኑ ሰባት ምስቲ ኣብ ከምዚ እዋን ዓሚ ዝነበረ ብዝሒ ክወዳደር ንከሎ ብዕጽፊ ከምዝወሰኸ ተፈሊጡ። መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ድማ ናብ 9% ምብጽሑን እቲ ቁጽሪ ክውስኽ ከም ዝኽእል ቤት ጽሕፈት ዕዮ ሓቢሩ ክብል TT ገሊጹ።ብዝሒ መጠን ሽቅለት ኣልቦነት ኣብ ምውሳኽ እዩ ዝርከብ። እዚ ድማ ንዕዳጋታት ሽቕለት ሽወደን ሓደገኛ ዝኾነ ሳዕቤን እዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ጽልዋ ናይ ቅልውላው ለበዳ ኮሮና …

  • 29 June

    ሽወደናውያን ስነጥበበኛታት ናይ ቅልውላው ኮሮና ዝወሃብ ሓገዝ ተቐቢሎም ተባሂሉ

    ጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ንንባብ ዘብቅዖ ጽሑፍ ከም ዘመልክቶ ብሚልዮናት ክሮነር ዝንቀሳቐሱ ኩባንያታት ዝውንኑ ስነጥበበኛታት ብምኽንያት ቅልውላው ለበዳ ኮሮና ካብ መንግስቲ ዝወሃብ ኣሽሓት ክሮነር ብመልክዕ ሓገዝ ምቕባሎም ኣዛራቢ ኮይኑ’ሎ። ያለ ጆንሶን (Yale Johnson)፡ ድራጊን (Dragin)፡ ቤንጃሚን ኢንግሩሶ (Benjamin Ingruso) ን ሳቢና ዱምባ (Sabina Dumba) ን ዝኣመሰሉ ካብዞም ብምኽንያት ለበዳ ኮሮና ነፍሲ ወከፎም ካብ መንግስቲ 50,000 ክሮነር ዝተቐበሉ ስነጥበበኛታት ምዃኖም ተፈሊጡ። ማሕበር ስነጥበበኛታት …

  • 28 June

    ዓለማዊ ውድብ ጥዕና፡ ኩነታት ለበዳ ኮሮና ኣብ ሽወደን ዝተረጋገአ እዩ ዘሎ ክብል መግሊጹኡ ኣሪሙ

    ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ነቲ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ብዛዕባ ሽወደን ዘውጸኦ መግለጺ መአረምታ ገይርሉ ኣሎ። ኩነታት ለበዳ ኮሮና ኣብ ሽወደን ይውስኽ ኣሎ ክብል ንዘውጸኦ መግለጺ፡ ኩነታት ለበዳ ኮሮና ኣብ ሽወደን ዝተረጋገአ እዩ ዘሎ ክብል ከምዝኣረሞ ሬድዮ ሽውደን ሓቢሩ። ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ንሽወደን ሓንቲ ካብተን “ዝበኣሰ ኩነታት ለበዳ ኮሮና” ዘለውን 11 ኤውሮፓውያን ሃገራት ኢላ ከምዝመደበታን ኣሃዱ ጥዕና ሽወደን ንለበዳ ኮሮና ክቆጻጸሮ ከምዘይከኣለ …

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com