Saturday , May 18 2024

ኮረና ቫይረስ

December, 2021

  • 23 December

    ኖርወይ . . . መልከፍቲ ኦሚክሮን፡ ብኣርባዕተ ዕጽፊ ወሲኹ

    ኣብ ኖርወይ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ጥራሕ፡ ቁጽሪ ናይቶም ብቫይረስ ኦሚክሮን ዝተለኽፉ ሰባት፡ ብኣርባዕተ ዕጽፊ ወሲኹ” ክትብል ናይ ፎልክሄልስ ኢንስቲትዩት (Folkehelseinstituttet-FHI) ዋና ሓላፊት ካሚላ ስቶልቴንበሪ ሓቢራ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ኣብ ዝሓለፈት ሰሙን ካብ ዝነበረት ሰኑይ ጀሚሩ፡ ኣስታት 900 ዝኾኑ ብቫይረስ ኦሚክሮን ዝተለኽፉ ሰባት ተመዝጊቦም እኳ እንተነበሩ፡ ትማሊ ሰሉስ ግን፡ እቲ ቑጽሪ ናብ 3,871 ከምዝዓረገ ጸብጻባት ይሕብሩ። “ሓደ’ኳ፡ ንምስፍሕፋሕ …

  • 23 December

    ኣብ ቬስትራ ጎትላንድ … መልኸፍቲ ኮቪድ ወሲኹ

    ኣብ ምምሕዳር ቬስትራ ጎትላንድ፡ መጠን መልከፍቲ ኮቪድ-19፡ እንዳወሰከ ይቕጽል ኣሎ። ዝሓለፈ ሰሙን 36 ሚኢታዊት ተወሰክቲ ሓደሽቲ ሉኩፋት ምስ ናይ ቕድሚኡ ዝነበር ሰሙን ብምንጽጻር ከምዝተመዝገቡ ተሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። “ምስፍሕፋሕ እዚ ለበዳ ቕድሚ ዝመጽእ ዘሎ ቀዳመ – ሰንበት ግድን ክቕንስ ኣለዎ ” ክብል ኪኢላ ተመሓላለፍቲ ሕማማት፡ ቶማስ ዋልቤሪ፡ ኣብ ስሚትዂድ ቬስትራ ጎትላንድ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ። በዓል መዚ ምቁጽጻር መልከፍቲ፡ …

  • 22 December

    Harmony Media News 22/12/2021

  • 22 December

    ኣብ ሃገረ ጀርመን፡ እገዳታት ክኸሩ ትጽቢት ይግበር

    መንግስቲ ጀርመንን መራሕቲ እተን 16 ፌደራላዊ ግዝኣታትን ምስፍሕፋሕ ኮሮና ቫይረስ ንምዕጋት፡ ጽንኩር እገዳታት ክተኣታቶ ኣብ  ዝኽእለሉ ዛዕባ ንምውሳን ዋዕላ የካይዱ ምህላዎም ተፈሊጡ።  ቻንሰሎር ኦላፍ ሾልዝ (SPD) ኣብቶም ዝመጹ መዓልታት፡ መንግስቲ ሃገራዊ ስጉምትታት ንኸታኣታቱ ሓደ ሓድሽ ናይ ክኢላታት ጉጅለ ሕቶ ከምዘቕረበ ሓቢሩ። እዚ ናይ መጠንቀቕታ ደወል ዝመጸ፡ እቲ ኦሚክሮን ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሓድሽ ጅር ቫይረስ ኣብ ሃገረ ጀርመን ከምዝተራእየ ድሕሪ ምፍላጡ እዩ። …

  • 22 December

    ብሰንኪ ኦሚክሮን ሃገራት ኣውሮጳ ቅድሚ ሕጂ ዝነበሩ ቀይዲታት የጽንዓ

    ጅር ኦሚክሮን; ኣብ መላእ ኣህጒር ኣውሮጳን መላእ ዓለምን የስፋሕፋሓሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ መራሕቲ ኣውሮጳ፡ ነቶም ቅድሚ ሕጂ ዝነበሩ ቀይዲታት መሊሶም ክትግብሩ ምጅማሮም ተፈሊጡ። ከምኒ ጀርመንን ፖርቱጋልን ድሮ ርሕቅርትካ ምሕላውን ካልእ ቀይዲታትን ኣብ ግብሪ የውዕላ ኣለዋ። ጅር ኦሚክሮን ድሮ ኣብ ዝበዝሓ ሃገራት ኣውሮጳ ዓብላሊ እናኾነ መጹኡ’ሎ። እዚ ለበዳ ከም ዘለዎ እንድሕሪ ቀጺሉ ኣብ ስርዓተ ጥዕና እታ ኣህጒር ከቢድ ምምስቓል ክፈጥር ከም …

  • 22 December

    እስራኤል፡ ራብዓይ ብልቃጥ ክታበት ምሃብ ክትጅምር እያ

    ማዕበል ጅር ኦሚክሮን ኣብ መላእ ዓለምና የስፋሕፍሓሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ እስራኤል፡ ራብዓይ ብልቃጥ ክትባት ኮቪድ እትህብ ፋልመይቲ ሃገር ንምዃን ትቀራረብ ምህላዋ ተገሊጹ። ክኢላታት ጥዕና እስራኤል፡ ንልዕሊ 60 ዝዕድሜኦም ሽማግለታትን ሰራሕተኛታት ጥዕና’ታ ሃገርን ራብዓይ ብልቃጥ ክትባት ክወሃብ ከም ዝግባእ ይገልጹ ኣለዉ። ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር፡ ናፍታሊ በነት እውን ነቲ ውጥን ብሓጎስ ከም እተቐበሎን ሰብመዚ እታ ሃገር ድማ ነዚ ክዳለዉን ጸዊዑ’ሎ። ትማሊ …

  • 22 December

    መራሒት ሰልፊ ሰንተር: ናይ ክትባት ፓስፖርት ምጥቃም እንተነዘውትር፡ ምደለኹ

    መራሒት ሰልፊ ሰንተር፡ ኣኒ ሎፍ፡ ከምዝበለቶ  “ከም ድሌት ውድብና እንድሕር ኮይኑ፡ ሓደሽቲ እገዳታት ካብ ምትእትታው እቲ ናይ ክትባት ፓስፖርት ብብዝሒ ኣብ ስራሕ ውዒሉ ምርኣይ ንመርጽ” ኢላ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። “ይኹን እምበር እቲ ሳልሳይ እብረ ክታበት ብምውሳድ ነቲ ምስፍሕፋሕ ናይ ቫይረስ ንምዕጋት ኣገዳሲ ስጉምቲ ምዃኑ ብምቕባል ነቲ ናይ ሽወደን ህዝባዊ ትካል ጥዕና ዘቕረቦ ግምገማ ምኽባር ይግባእ” ክትብል ብጽሑፍ ኣብ …

  • 22 December

    ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ቀዳማይ እብረ ክታበት ልዕሊ ሳልሳይ እብረ ቀዳምነት ክወሃቦ ይግባእ ይብል

    ኣንጻር ለበዳ ኮቪድ፡ ቃልስና ንኽንቅጽል፡ ብመጀምርታ፡ እቶም ዘይተኸትቡ ሰባት ቀዳማይ እብረ ክታበቶም ከምዝረኽቡ ከነረጋግጽ ይግባእ ክብል ውድብ ጥዕና ዓለም ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ቅድሚ ብዛዕባ ሳልሳይ እብረ ክታበት ምሕሳብና፡ ብመጀምርታ፡ እቶም ዘይተኸትቡ ሰባት፡ ቀዳማይ እብረ ክታበት ንኽረኽቡ ከነውሕስ ይግባእ ክብል ኣብ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ዳይሬክተር ህጹጽ ምድላዋት፡ ማይክ ራያን፡ ገሊጹ። ከምዚ ንርእዮ ዘለና፡ ጅር ኦሚክሮን፡ ነቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ …

  • 22 December

    ሓደስቲ ቀይድታት ኮቪድ፡ ድሮ ክሪስትማስ፡ ክተኣታተዉ እዮም

    መንግስቲ ሽወደን፡ ካብ ዕለት 23 ታሕሳስ ጀሚሩ፡ ካብ ገዛ ምስራሕ ዝርከቦም ሓደስቲ ቀይድታት ኮቪድ ከተኣታቱ መደብ ሒዙ ከምዘሎ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ብሰንኪ ሓድሽ ጅር ቫይረስ፡ ኦሚክሮን፡ ዘስዓቦ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮቪድ፡ ብዝሒ ናይቶም ዝልከፉ ዘለዉ ሰባት ይውስኽ ብምህላዉ፡ ኣብ ልዕሊ ትካላት ኣገልግሎት ጥዕና ጸቕጢ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ ክትብል ቀዳመይቲ ሚኒስተር ሽወደን፡ ማግዳለና ኣንደሾን ድሕሪ ምግላጻ፡ ኩሎም ሽወደናውያን፡ ኣንጻር …

  • 21 December

    Harmony Media News 20/12/2021

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com