Sunday , May 5 2024

ኮረና ቫይረስ

December, 2021

  • 26 December

    ኣውስትራልያ፡ ሳልሳይ እብረ ክታበት ዝውሰደሉ ግዜ ተሕጽር

    ኣውስትራልያ፡ ነቲ ኣብ ሞንጎ እቲ ካልኣይ እብረ ክትባት ናይ ኮቪድን ሳልሳይ እብረ ክትባት  ዝዋሃበሉ ናይ ግዜ ፍልልይ ክሓጽር ከምዝገበረት ተሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ቅድም ክብል፡ ኣብ ሞንጎ ክትባታት ናይ 5 ወይ 6 ኣዋርሕ ፍልልይ ክህሉ ከምዝግባእ ክሕበር እኳ እንተጸነሐ፡ ካብ መፈለምታ ናይቲ ዝመጽእ ዘሎ ዓመት ግና ሳልሳይ እብረ ክትባት ንምውሳድ፡ 4 ኣዋርሕ ጥራሕ ፍልልይ ክህሉ ከምዘድልይ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ። …

  • 26 December

    ፈረንሳ፡ 3ይ እብረ ክትባት፡ ድሕሪ 3 ኣዋርሕ ክዋሃብ ድሌት ከምዘለዋ ገሊጻ

    ፈረንሳ፡ ዕድሚኦም ንዓቕሚ-ኣዳም ዝበጽሑ ሰባት ብዝምልከት፡ ካልኣይ ክትባት ድሕሪ ምውሳድ፡ 3 ኣዋርሕ ስዒቡ እቲ 3ይ እብረ ክትባት ንኽውሰድ ምኽርታት ከምዘመሓላላፈት ገሊጻ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እዚ ድማ ነቲ ኣብ ሞንጎ ክልቲኡ ክትባታት ንዝነበር ናይ 5 ኣዋርሕ ፍልልይ ብሰንኪ እቲ ብቕልጡፍ ዝላባዕ ዘሎ ኦሚክሮን ጅር እቲ ግዜ ንኽሓጽር ገርይዎ ኣሎ ማለት’ዩ። እዚ ውሳኔ ዝመጸ ካብቲ ናይታ ሃገር ናይ ጥዕና በዓል …

  • 25 December

    ኣብ ጉዕዞ ዝግበሩ እገዳታት፡ ካብ ዕለት 28 ታሕሳስ ጀሚሮም ተግባራዊ ከምዝኾኑ ተፈሊጡ

    ካብ ታሕሳስ 28 ጀሚሩ፡ ኣብ ልዕሊ 150 ኪ.ሜ ርሕቀት ዘለዎም፡ ብህዝባውያን መጓዓዝያታት ንዝግበሩ ጉዕዞታት ብዝምልከት፡ ካብ ኮቪድ-19 ናጻ ምዃን ዘረጋግጽ ወረቐት ከም ሮቓሒ ክሕተት ከምዝኾነ ህዝባዊ ትካል ጥዕና ሽወደን ገሊጹ። ብህዝባውያን መጓዓዝያታት ናይ ነዊሕ ጉዕዞ ንምውሳድ ዘድልይ ናይ ወንበር ይኹን መደቀሲ ቦታ ንምሓዝ እዚ ዝተጠቕሰ ሮቓሒ ምምላእ ካብ ድሮ ልደት ጀሚሩ እዩ ተግባራዊ ክኸውን ተሓሲቡ ዝነበረ። ካብ ታሕሳስ 28 ጀሚሩ …

  • 25 December

    ዞባ ዳላርና ንሰራሕተኛታት ናይ ክታበት ፓስፖርት ክሓትት ምዃኑ ኣፍሊጡ፡

    ምምሕዳር ዳላርና፡ ካብ 1 ጥሪ ጀሚሩ ንሰራሕተኛታቱ ናይ ክታበት ምስክር ወረቐት ምሕታት ከተኣታቱ ምዃኑ ኣፍሊጡ ክብላ ጋዜጣታት ዳላርና ጸብጺበን ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓበሩ፡፡ ስለዚ ድማ እቲ ምምሕዳር፡ ካብ ሰራሕተኛታት ምስክር ወረቐት ክታበት ዝሓትት፡ ካብ መላእ ሃገር ናይ መጀመርታ ምምሕዳር ክኸውን እዩ ተባሂሉ፡፡ እዚ ብዛዕባ ናይ ክታበት ምስክር ወረቐት ዝወሃብ መምርሒ፡ ንሓደስቲ ዝተቖጽሩን ንነባራት ሰራሕተኛታትን ዝምልከት ከም ዝኾነ እቶም ጻብጻባት …

  • 24 December

    ኤኳዶር፥ ግዱድ ክታበት ተተኣታቱ

    ብምኽንያት ምስፍሕፋሕ ሓድሽ ጅር ኦሚክሮን; ክታበት ኮቪድ-19; ንዝበዝሑ ዜጋታት ግዱድ ከም ዝኸውን ኤኳዶር ኣፍሊጣ። ንምሉእ ህዝቢ እታ ሃገር ኣንጻር እዚ ሕማም ዝዕጠቐሉ እዂል ብልቃጣት ከም ዘለዋ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ገሊጹ’ሎ። እዚ ንኸይግበር እዂል ሕክምናዊ ምኽንያት ዘቕርቡ ጥራይ ካብዚ ግዱድ ክታበት ናጻ ክኾኑ እዮም። ኲሎም ካልኦት ካብ 5 ንላዕሊ ዝዕድሜኦም ዘበሉ ክኽተቡ እዮም። ክሳብ ሕጂ፡ 77.2% ኲሎም ኣብዚ ዝርዝር ዘለዉ …

  • 24 December

    መንግስቲ ፊንላንድ፡ ህጹጽ ናይ ዕጽዋ ግዜ የተኣታቱ

    ኣብ ፊንላንድ፡ ዝተረሩ ቀይድታት ኮቪድ ክተኣታተዉ ምዃኖም ተሓቢሩ። እቲ ብልፍንቲ ቡዙሓት ሰልፍታት ዝቆመ መንግስቲ፡ ውሳነኡ ኣማሓላሊፉ’ሎ፡ ንሱ ከኣ ግድን ” ህጹጽ ናይ ዕጽዋ ግዜ ክተኣታቶ ኣለዎ ” ክትብል ቀዳመይቲ ሚኒስተር ፊንላንድ፡ ሳና ማሪን፡ ገሊጻ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እዚ ማለት፡ ቕድሚ ኩሉ እቲ መንግስቲ ኣብቲ ጉዳይ ኣትዪ፡ ኣብ ክንዲ ብደረጃ ምምሕዳራት፡ ብሃገር ደረጃ ውሳነ ከመሓላልፍ እዩ። ” ንሕና በቲ …

  • 24 December

    ብጉዳይ ለበዳ ኦሚክሮን፡ ሻቕላታት ይቕጽሉ

    ብሰንኪ መልከፍቲ ኦሚክሮን ክፍጠሩ ዝኽእሉ ጥዕናዊ ጸገማት፡ ምስቶም ብካልኦት ጅራት ኮሮና ዝፍጠሩ ክነጻጸር እንከሎ፡ ዝሓሸ ከም ዝኾነ ኣብ ብሪጣንያን ደቡብ ኣፍሪቃን እተኻየዱ ኣፈናዊ መጽናዕቲታት ኣመልኪቶም። ሕሙማት ኦሚክሮን እቶም ዝወሓዱ ጥራይ ክንክን ጥዕና ከም ዘድልዮም ዝጠቐሰ እቲ መጽናዕቲ፡ ይዂንምበር ብሰንኪ ዘሎ ናህሪ ለበዳ ሆስፒታላት ብሕሙማት ከም ዝመልእ ብምግባር፡ ኣብ ስርዓተ ጥዕና ጸቕጢ ክፈጥር ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ። ኣብ ብሪጣንያ ኣብ ሓደ መዓልቲ …

  • 24 December

    ሰሙናዊ ጸብጻብ ክታበት ኮቪድ-19

    ክሳብ ሕጂ ኣብ ሽወደን፡ ቁጽሪ ናይቶም ክልተ እብረ ክታበት ዝወሰዱ ልዕሊ 12 ዓመት ዝኾኑ ሰባት፡ 7,355,704 በጺሑ ከምዘሎን፡ እዚ ማለት ድማ፡  81.4% ካብ መላእ ልዕሊ 12 ዓመት ዝዕድሚኦም ህዝቢ ሽወደን ምዃኑ፡ መዛግብቲ ሃገራዊ ኣወሃሃዲ ክታበት ገሊጾም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ኣስታት 2,2 ሚልዮን ዝኾኑ ልዕሊ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ሽወደናውያን ድማ፡ ሳልሳይ እብረ ክታበት ወሲዶም ከምዘለዉን እዚ ማለት ድማ፡ 26.5% …

  • 23 December

    ጆ ባይደን፡ ንመጠንቀቕታ ኦሚክሮን፡ ሸለል ኣይበልናን ይብል

    ምምሕዳር ጆ ባይደን፡ ንመጠንቀቕታ ለበዳ ጅር ኦሚክሮን ሸለል ከም ዘይበለ፡ ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ገሊጹ። ንሱ፡ ንቲቪ ኔትዎርክ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ክኢላታት ነዚ ጅር ኣቐዲሞም ተነብዮሞ ምንባሮም ንላዕለዋይ ኣማኽሪኡ ዶ/ር ኣንቶኒ ፋውቺ ብምጥቃስ እኳ እንተሓበረ፡ ብኽንድዚ ፍጥነት ክኽሰት እዩ ኢሉ ዝሓሰበ ኣይነበረን ክብል ገሊጹ። ኣመሪካ፡ ኣብ ውሽጢ ቤት ዝካየድ ናይ 500 ሚልዮን ህዝቢ መርመራ ምእዛዛ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝገልጸሉ እዋን እዩ …

  • 23 December

    ክታበት ዝወሰደ ትራምፕ፡ ናይ ተቛውሞ ድምጽታት ኣጋጢምዎ

    ፕረዚደንት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ነበር፡ ዶናልድ ትራምፕ፡ ሳልሳይ ብልቃጥ ክታበት ኮቪድ-19 ከም ዝወሰደ ኣብ ከተማ ዳላስ ኣብ ቅድሚ ዝሰምዕዎ ዝነበሩ ሰባት ድሕሪ ምጥቃሱ፡ ዘይተጸበዮ ናይ ተቛውሞ ድምጽታት ከም ዝሰምዐ ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ፡፡ ናይ መደበር ተለቪዥን፡ ፎክስ ኒውስ፡ ህቡብ ዝነበረ ሰብ፡ ቢል ኦሪሊ፡ ንትራምፕ ቃለ- መሕትት ኣብ ዝገበረሉ ዝነበረ ግዜ፡ ኦሪሊ ንትራምፕ ብዛዕባ ሳልሰይቲ ብልቃጥ ክታበት ወሲዱዋ እንተ …

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com