Sunday , May 19 2024

ኮረና ቫይረስ

December, 2021

  • 21 December

    ጉዕዞታት በዓል ልደት: ንለበዳ ኦሚክሮን: ከጋድድ ይኽእል እዩ ተባሂሉ

    ብምኽንያት በዓል ልደት ዝካየዱ ጒዕዞታት: ንለበዳ ኦሚክሮን ክንህር ከም ዝገብር ሓደ ላዕለዋይ ክኢላ ተላባዕቲ ሕማማት ኣተሓሳሲቡ። እዚ ለበዳ እንተላይ ነቶም እተኸትቡ እውን ክጸሉ ይኽእል እዩ ክብል እቲ ክኢላ ወሲኹ ገሊጹ’ሎ። “ኦሚክሮን ፍሉይ ናይ ምልባዕ ተኽእሎ ከም ዘለዎ ዘጠራጥር ኣይኮነን” ክብል ኣንቶኒ ፋውቺ ትማል ሰንበት ምስ ፕሮግራም “ሚት ዘ ፕረስ NBC” ኣብ ዝገበሮ ጻንሒት ኣረዲኡ። ንሱ እዚ ሕማም ኣብ ኣመሪካ እንድሕሪ …

  • 21 December

    WHO: ብምኽንያት ለበዳ ኦሚክሮን ገለ በዓላት ክስረዙ ጸዊዑ

    ኣብ መላእ ዓለምና ብፍጥነት ዝላባዕ ዘሎ ለበዳ ኦሚክሮን ምኽንያት ብምግባር ሰባት ናይ በዓል መደባቶም ክስርዙ ከም ዝግባእ ውድብ ጥዕና ዓለም (WHO) ኣተሓሳሲቡ። “ካብ ህይወትካ ዝጠፍእ በዓልካ ክስረዝ ይሓይሽ” ዝበለ ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ኣድሓኖም ገብረየሱስ፥ ሕጂ “ባህ ዘይብለና እውን እንተኾነ ንህይወትና ንምዕቃብ በዓላትና ክንስርዝ ከድልየና እዩ” ክብል ኣተሓሳሲቡ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኣመሪካ ዓብላሊ ጅር ቫይረስ ኮሮና ኦምክሮን ምዃኑ ኣብ …

  • 20 December

    ኣብ ኣካላት መብዛሕትኦም ክትባት ዝወደሱ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት: ጸረ ኣካል ከምዘጥረዩ ተፈሊጡ 

    ሓደ ኣብ ዮቶበሪ ዝርከብ ዩኒቨርስቲ: ምስ ሃገራዊ ጥዕና ትካል ሽወደን ብምዃን ብሓባር ብዝገበሩዎ መጽናዕቲ መሰረት፡ ኣብ ኣካል ካብቶም ኣብ ዓመተ 1944 ዝተወልዱ ልዕሊ 96% ዝኾኑ ሰባት: ጸረ ኮቪድ-19 ዝኾነ ውሁድ ኣብ ውሽጢ ደሞም ከም ዘሎ ይሕብር። ኣብቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ዝተኻየደ መጽናዕቲ 553 ሰባት ዝተሳተፉ ኾይኖም፡ እቲ መርመራ ከምዘርእዮ ኣብ ውሽጢ ኣካላት እቶም ልዕሊ 96.4% ዝኾኑ ሰባት እዚ ጸረ-ቫይረስ …

  • 17 December

    ኤውሮጳዊ በዓል መዚ መድሃኒት (EMA) ኣብ ሽወደን ንዝፈረየ መድሃኒት ናይ ኮቪድ ኣፍልጦ ሂቡ

    ኤውሮጳዊ በዓል መዚ መድሃኒት (CHMP) ንኽልተ ሓደሽቲ መድሃኒታት ናይ ኮቪድ ኣብ ስራሕ ንኽውዕሉ ፍቓድ ሂቡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ብተወሳኺ’ውን ንኻሊእ ብፋይዘር ዝባሃል ትካል ዝፈረየ ፓክስሎቪድ (Paxlovid) ተባሂሉ ንዝጽዋዕ መድሃኒት ፍቓድ ሂቡ ከምዘሎ ተገሊጹ። ካብቶም ሓደሽቲ መድሃኒታት እቲ ሓደ፡  ኦርፋን ባዮቪትሩም (Swedish Orphan Biovitrum) ተባሂሉ ብዝፍለጥ ሽወደናዊ ትካል ፋርማቻ ዝፈረየ ኾይኑ ኪነረት (Kineret) ተባሂሉ ይጽዋዕ። ከም ድልየት CHMP እንተድኣ …

  • 17 December

    ኣስታት ሓደ ካብ ኣርባዕተ መንእሰያት፡ ሳልሳይ እብረ ክታበት ዝወሰደ እዩ

    ክሳብ ሕጂ ኣብ ሽወደን፡ ቁጽሪ ናይቶም ክልተ እብረ ክታበት ዝወሰዱ ልዕሊ 12 ዓመት ዝኾኑ ሰባት፡ 7,313,144 በጺሑ ከምዘሎን፡ እዚ ማለት ድማ፡  80.9% ካብ መላእ ልዕሊ 12 ዓመት ዝዕድሚኦም ህዝቢ ሽወደን ምዃኑ፡ መዛግብቲ ሃገራዊ ኣወሃሃዲ ክታበት ገሊጾም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። 1,927,627 ዝኾኑ ልዕሊ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ሽወደናውያን ድማ፡ ሳልሳይ እብረ ክታበት ወሲዶም ከምዘለዉን እዚ ማለት ድማ፡ 23.2% ካብ መላእ …

  • 16 December

    ብርክት ዝበሉ ሽወደናውያን፡ ዝተተምየነ ናይ ኮቪድ ፓስፖርት፡ ሒዞም ተረኺቦም

    ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ መዓልታት፡ ብርክት ዝበሉ ሸወደናውያን፡ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኮፐንሃገን፡ ዝተተምየነ ናይ ኮቪድ ፓስፖርት ሒዞም ከምዝተረኽቡ ተፈሊጡ። ፖሊስ ኮፐንሃገን፡ እዞም ሰባት እዚኦም ብትምየና ተጠርጢሮም ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ይርከቡ ኣለዉ ክብል ንማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ ከምዘሎ ተገሊጹ። ብሰሉስ መዓልቲ፡ 4 ሰባት፡ ብቕድሚ ኣብ ዝነበረ መዓልቲ ድማ 5 ሰባት ብተመሳሳሊ ምኽንያት ኣብ ትሕቲ ከምዝኣተዉ ይዝከር፡፡ ካብዚኦም ድማ ክልተ ስድራ ቤታት ምስ …

  • 16 December

    ካብ ሃገራት ኖርዲክ ዝመጹ ገያሾ፡ ምስክር ክታበት፡ ክሕተቱ እዮም

    ካብ ሰሉስ ጀሚሩ፡ ኩሎም ካብ ሃገራት ኖርዲክ ዝመጹ ገያሾ፡ ምስክር ክታበት ክሕተቱ ምዃኖም ሚኒስተር ማሕበራዊ ጉዳያት ሽወደን፡ ሌና ሃለንግረን፡ ገሊጻ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ብሰንኪ እዚ ተኸሲቱ ዘሎ ምስፍሕፋሕ መልከፍቲ ኮቪድ፡ በዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ብወገኑ፡ ዝጸንዑ ቀይድታትን መምርሒታት ኮቪድን ከተኣታቱ ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ። ቅድሚ ክሪስትማስ ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ተወሰኽቲ ቀይድታትን መምርሒታት ኮቪድን ኣይክተኣታተዉን እዮም። ይኹን እምበር፡ …

  • 15 December

  • 15 December

    WHO: ኦሚክሮን ብዘገርም ፍጥነት ይላባዕ ኣሎ

    ሓድሽ ጅር ቫይረስ ኮሮና ዝኾነ ኦሚክሮን፡ ናብ መላእ ዓለምና ብዘገርም ፍጥነት ይላባዕ ምህላዉ ውድብ ጥዕና ዓለም (WHO) ኣጠንቂቑ። ዛጊት፡ ኣብ 77 ሃገራት፡ ቫይረስ ኦሚክሮን ተራእዩ’ሎ። ኣብቲ ዝተኻየደ ጋዜጣዊ ዋዕላ ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ሕጂውን እዚ ቫይረስ ዘይተራእየለን ሃገራት ከም ዝበዝሓ እኳ እንተገለጸ ነዚ ቫይረስ ንምቅላስ እኹል ቃልሲ ይግበር ዘይምህላዉ ከም ዘሻቕሎ ኣመልኪቱ። ርግጽ’ዩ፡ ነዚ ቫይረስ ሸለል ምባል ከም …

  • 15 December

    ኣመሪካ፡ ግዳያት ሞት ኮቪድ፡ 800 ሽሕ፡ በጺሑ

    ዛጊት 800 ሽሕ ኣመሪካውያን፡ ብሕማም ኮቪድ ከም ዝሞቱን እዚ ድማ ዝበዝሐ ሰባት ዝቐተለ ሃገራዊ ለበዳ ከም ዝገብሮን ተጸብጺቡ። ኣብ ኣመሪካ፡ ቊጽሪ ተለከፍቲ ኮቪድ፡ 50 ሚልዮን ከም ዝበጽሕ ዝሓለፈ ሰኑይ ዝተገልጸ ኮይኑ፥ ዝበዝሑ ግዳያት ሞት እዚ ሕማም፡ ዘይተኸትቡን ምዃኖምን እዚ ሞት ድማ ኣብ ዓመተ 2020 ከምኡውን 2021 ከም እተኸስተ ተመልኪቱ። እዚ እናኾነ፡ መጠነ ሞት ግዳያት ኮቪድ፡ ሕጂውን ብናህሪ ይውስኽ ምህላዉ ተገሊጹ። …

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com