Sunday , May 5 2024

ኮረና ቫይረስ

December, 2021

  • 30 December

    ሓደሽቲ ናይ መርመራ ሮቓሒታት፡ ንገያሾ ካብ መንገዶም ይመልሶም

    ናብ ሽወደን ንምእታው ክማልኡ ዝግበኦም ናይ ኮቪድ መርመራ ሮቓሒታት ብግቡእ ብዘይምትግባሮም፡ ብዙሓት ገያሾ፡ ካብ ኦሬሱንድ ብሪጅ (Öresund Bridge)፡ ናብ ዝመጹሉ ቦታ ንኽምለሱ ከምዝተገደዱ ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ብዛዕባ እቶም ሓደሽቲ ሮቓሒታት ዘይፈለጡ ገያሾ ኣብቲ ቦታ ምስ በጽሑ እንደገና ክምለሱ ከምዝተገደዱ ተሓቢሩ። “ሎሚ ሰሉስ መዓልቲ፡ ካብ ትማሊ ዝበዝሕ ቁጽሪ ዘለዎም ገያሾ ክንመልስ ተገዲድና ኢና። ካብ ፍርቂ ለይቲ ጀሚሩ ጥራሕ …

  • 29 December

    Harmony Media News 29/12/2021

  • 29 December

    ኣብ ኣመሪካን ፈረንሳን ቊጽሪ ሕሙማት ኮቪድ፡ ይውስኽ

    ካብ ምጅማር ለበዳ ኮሮና ንደሓር፡ ኣመሪካን ፈረንሳን ኣብ መዓልቲ ዝበዝሑ ቊጽሪ ሕሙማት ጅር ኦሚክሮን የመዝግባ ምህላወን ካብተን ሃገራት ዝወጹ ጸብጻባት ኣመልኪቶም። ብመሰረት ማእከል ምክልኻልን ምቊጽጻርን ተመሓላለፍቲ ሕማማት ኣመሪካ፡ ኣብ ዝሓለፈ ብሰኑይ ጥራይ፡ ልዕሊ 440 ሽሕ ሕሙማት ኦሚክሮን ከም ዝተረኽቡ ገሊጹ። እዚ ይዂንምበር፡ ብምኽንያት ክሪስማስ ጸብጻባት ይድንጒዩ ብምህላዎም እዚ ኣሃዝ ካብቲ ክዉን ዝለዓለ ክኸውን ይኽእል እዩ ክብሉ ሰብመዚ እታ ሃገር ይገልጹ’ለዉ። …

  • 29 December

    ናብ ዴንማርክ ንምእታው፡ ኣሉታዊ ምስክር መርመራ ኮቪድ ክሕተት ምዃኑ ተሓቢሩ

    መንግስቲ ዴንማርክ፡ ናብ ሃገሩ ዝኣትዉ ክታበት ንዝወሰዱን ዘይወሰዱን ገያሾ፡ ካብ ኮቪድ ናጻ ምዃኖም ዘረጋግጽ ናይ መርመራ ወረቐት ከቕርቡ ንኽግበር ድሌት ከምዘለዎ ኣፍሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ብተወሳኺ’ውን መንግስቲ ዴንማርክ፡ ነቶም ኣብ ስፖርታዊ ኣደራሻት ንጥፈታቶም ዘካይዱ ሰባት፡ ብጉዳይ ኮቪድ፡ ኣስተምህሮ ክወሃቦም ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ። እዚ ብሚኒስተር ጥዕና፡ ማግኑስ ሄውኒከ፡ ዝቐረበ እማመ፡ ቅድሚ ምትግባሩ፡ Folketing’s Epidemic Committee ብዝባሃል ኣካል ኣቢሉ ክጸድቕ …

  • 29 December

    ናይ ኮቪድ ፓስፖርት፡ ን 9 ኣዋርሕ፡ ዘገልግል ዕድመ ክህልዎ እዩ፡ ተባሂሉ

    ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኤውሮጳዊ ሕብረት ድሕሪ ዘመሓላለፎ መምርሒ፡ ኤውሮጳዊ ኮሚሽን፡ ንጉዳይ ናይቲ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝጥቀምሉ ናይ ኮቪድ ፓስፖርት ብዝምልከት፡ ናይ ኣገልግሎት ዕድሚኡ፡ 9 ኣዋርሕ ንክኸውን እማመ ከምዘቕረበ ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ብደረጃ ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝግበሩ ጉዕዞታት፡ ውሑስ ምእንቲ ክኾኑ፡ እቶም ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ዝዋሃቡ ናይ ኮቪድ ፓስፖርት፡ ኣገልግሎት ዝህቡሉ ናይ ብቕዓት ግዜ ተመሳሳሊ ክኸውን ኣድላይ …

  • 29 December

    ኒው-ዮርክ . . . ክታበት ዘይወሰዱ ሰባት፡ ካብ ስራሕ ተኣጊዶም

    ከተማ ኒው-ዮርክ፡ ዘይተኸትቡ ሰባት ናብ ናይ ስራሕ ቦታ ምብጻሕ ክኽልክላ ንኩለን ናይ ግሊ ኩባንያታት ጠሊቡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ፡፡ ኣስታት 184.000 ዝኾኑ ሰራሕተኛታት፡ እንተወሓደ ሓደ እብረ ክታበት ኮቪድ ከም ዝወሰዱ ዘረጋግጽ መርትዖ ከቕርቡ ከምዘለዎም ተሓቢሩ፡ ፡ እቶም ድሮ ሓደ ክታበት ጥራይ ዝወሰዱ ሰራሕተኛታት ድማ፡ ነቲ ካልኣይ እብረ ክታበት ኣብ ዉሽጢ 45 መዓልታት ክወስድዎ ከም ዘለዎም መምርሒ ተዋሂብዎም ኣሎ፡፡ ኣስራሕቲ፡ …

  • 29 December

    በዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና፡ ተኣፈፍቲ ህጻናት ክትባት ክወስዱ ይግባእ

    ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ እቲ ኮሚርናቲ (Comirnaty) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ክትባት፡ ካብ 5 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ንዘለው ንኽውሃብ ተፈቒዱ ከምዘሎ ተገሊጹ። ከም ጸብጻብ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን (Public Health of Sweden)፡ እዚ ክትባት ብፍላይ ነቶም ናይ ላዕለዋይ ኣካላት ናይ ምትንፋስ ጸገም ንዘለዎም ተኣፈፍቲ ህጻናት ንኽዋሃብ ከምዝሓበረ ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እዚ መጠን ናይ ክትባት ድማ ካብቶም ንደቂ 12 ዓመት ዝመልኦም …

  • 28 December

    ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣብ ገለ ቦታታት እገዳታት ተኣዊጆም

    ኣብ ዌይልስ፣ ስኮትላንድን ሰሜናዊ ኣየርላንድን ‘Boxing Day’ ተባሂሉ ኣብዝፍለጥ ስፖርታዊ ቅነ፡ ሓደሽቲ እገዳታት ክትግበሩ ምዃኖም  ተሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ለይታዊ ቤት ትልሂታት ይዕጸዉ፣ ናይ ርሕቀት ሮቓሒታትን መስርሓትን ይትግበሩ፣ ከምኡ ውን ናብ ባራት ዝኣትዉ ቁጽሪ ናይ ሰባት እንዳነከየ ክኸይድ ይግበር ከምዘሎ፡ ስካይ ኒውስ ስፖርት ዝተባህለ ናይ ዜና ማዕከን ጸብጺቡ። ይኹን እምበር፡ ብሰንኪ ምልባዕ ኦሚክሮን ጅር ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝተኣወጁ …

  • 28 December

    እስራኤል፡ 4ይ እብረ ክትባት ክትህብ ጀሚራ

    ሓደ  ናይ እስራኤል ሆስፒታል፡ ን 150 ዝኾኑ ሰራሕተኛታቱ፡ 4ይ እብረ ጸረ ኮቪድ ቫይረስ ክትባት ክህብ ከምዝኾነ ተገሊጹ። እቲ 4ይ እብሪ ክትባት ክዋሃብ ዝተወሰነሉ ምኽንያት፡ እቲ ክትባት ክሳብ ክንደይ ውጽኢታዊ ምዃኑ  ንምፍታሽን ኣብ ቐጻሊ ድማ ንተወሳኺ ሰራሕተኛታት ክዋሃብ ምግባር ኣድላይ ምዃኑን ዘይምዃኑን ንምፍላጥ ዝዓለመ ምዃኑ ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እቶም ሰራሕተኛታት ነቲ 3ይ እብሪ ክታበት ዝወሰዱ ኣብ መወዳእታ ወርሒ …

  • 27 December

    ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ: ብዙሓት ጒዕዞታት ይስረዙ

    ምስ ለበዳ ኮቪድ ብዝተተሓሓዘ: ብደረጃ ዓለም: ዝያዳ ምስራዝ ጒዕዞታት ከም እተገብረን በዚ ድማ ኣሽሓት ሰባት ናይ በዓል ውጥናቶም ከም እተኣጓጐለን ተፈሊጡ። ሎሚ ሰኑይ ጥራይ ብፍላይ ናብ ቻይናን ኣመሪካን ተሓሲቡ ዝነበረ 1300 ጒዕዞታት ከም እተሰረዘ ነዚ ጒዳይ ዝከታተል The Flight Aware ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ኣመልኪቱ’ሎ። እዚ ምትእጒጓል ጒዕዞ: ብምኽንያት ኣባላት በረራ: ተሰከምቲ ናይቲ ሕማም ኮይኖም ብምርካቦምን ኣብ ውሸባ ስለዘለዉን ምዃኑ: መንገዲ …

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com