Sunday , April 28 2024
Christmas shopping in Glasgow, where new distance requirements in public spaces are now being introduced (Andrew Milligan/PA via AP) LFP102

ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣብ ገለ ቦታታት እገዳታት ተኣዊጆም

ኣብ ዌይልስ፣ ስኮትላንድን ሰሜናዊ ኣየርላንድን ‘Boxing Day’ ተባሂሉ ኣብዝፍለጥ ስፖርታዊ ቅነ፡ ሓደሽቲ እገዳታት ክትግበሩ ምዃኖም  ተሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።
ለይታዊ ቤት ትልሂታት ይዕጸዉ፣ ናይ ርሕቀት ሮቓሒታትን መስርሓትን ይትግበሩ፣ ከምኡ ውን ናብ ባራት ዝኣትዉ ቁጽሪ ናይ ሰባት እንዳነከየ ክኸይድ ይግበር ከምዘሎ፡ ስካይ ኒውስ ስፖርት ዝተባህለ ናይ ዜና ማዕከን ጸብጺቡ።
ይኹን እምበር፡ ብሰንኪ ምልባዕ ኦሚክሮን ጅር ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝተኣወጁ እገዳታት፡ ኣብ ሃገረ እንግሊዝ  ተግባራዊ ኣይኮኑን። ከም ውሳኔ መንግስቲ እንድሕር ኮይኑ፡ እዞም እገዳታት ድሕሪ በዓላት ልደት ምስ ሓለፉ ክታኣታተው ከምዝወሰነ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።
ኣብ ስኮትላንድ፡ ኣብ ዓበይቲ ውራያት ሰባት ክእከቡ እንከለው እንተወሓደ ኣብ ሞንጎ ሕድሕዶም ናይ ሓደ ሜትሮ ርሕቀት ክሕልው ከምዘለዎም ተፈሊጡ’ሎ። ኣብ ውሽጢ ገዛ ንዝግበሩ ንጥፈታት ድማ እንተበዝሐ 100 ሰብ ጥራሕ ደው ኢሉ ንኽእከብ ፍቓድ ተዋሂቡ ኣሎ። እንድሕር ኮፍ ዝብል ኮይኑ ግና እቲ ቑጽሪ ክሳብ 200 ክብ ክብል ከምዝኽእል ተሓቢሩ’ሎ።
ኣብ ዌይልስ፡ እቲ ቑጽሪ ኣዝዩ ዝተሓተ እዩ። ኣብ ውሽጢ ገዛ እንተኾይኑ 30፥ ናይ ደገ ንጥፈታት እንድሕር ኮይኑ ድማ ን 50 ሰባት ጥራሕ ከምዝተፈቕደ ተገሊጹ’ሎ።
ኣብ ሰሜን ኣየርላንድ፡ ኩሎም ናይ ውሽጢ ገዛ ንጥፈታት ክልኩላት እዮም። ካብ ትማሊ ሰኑይ ጀሚሩ፡ ናብ ባራት፣ ቤት መግቢን ቤት ሻሂን ኣብ ሓደ ግዜ ክእከብ ዝኽእል ብዝሒ ሰብ፡ እንድሕር ካብ ሓደ ስድራ ኾይኖም 10፡ እንተዘይኮነ ግና 6 ሰባት ጥራሕ እዮም ክኣትዉ ዝፍቀደሎም። ኣብ ልዕሊ እዚ ድማ፡ እቲ ማሕበራዊ ናብራ ብዝምልከት ኣብ ሓደ እዋን እንተበዝሐ 3 ስድራ ጥራሕ ክኸውን ከምዘለዎ ተሓቢሩ።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com