Sunday , May 5 2024

ኮረና ቫይረስ

January, 2022

  • 7 January

    ኣብ ቤት መስተታት: ናይ ክታበት ፓስፖርት ክሕተት ምዃኑ ተፈሊጡ

    መንግስቲ ሽወደን: ኣብ ቤት መግቢታትን ድኳናትን ናይ ክታበት ፓስፖርት ምሕታት ክጅመር ምዃኑ ኣፍሊጡ። በዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን፡ ኣድላይነት ናይዚ ረቛሒ ብዝምልከት ሕጂ ክውስን ምዃኑ’ውን ተፈሊጡ’ሎ ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ከም Aftonbladet & DN  እንተኾይኑ፡ መንግስቲ ንምትእትታው ናይዚ ተገሊጹ ዘሎ ረቛሒ ብዝምልከት ንበዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን መምርሒ ከሕልፍ ከሎ ካብዚ ዝሰፍሐ ትርጉም ክህልዎ ብምሕሳብ ከምዝኾነ ተገሊጹ’ሎ። እቲ …

  • 7 January

    በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን: ንኹሎም ተመሃሮ ምምርማር “ውጺታዊ ኣይኮነን” ይብል

    ናይ ኖርወይ ተመሃሮ ቅድሚ ትምህርቲ ምጅማሩ ነቲ መልከፈቲ ንምዕጋት ንኽሕግዝ ተባሂሉ ናይ ኮቪድ-19 መርመራ ኽግበረሎም ከም ዝኾነ ተፈሊጡ። ይኹን እምበር፡ በዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን: ተመሳሳሊ ጅምላዊ መርመራ ንኽግበር ምክሪ ከምዘይሃበ ተፈሊጡ’ሎ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ናይ ኖርወይ ዳይረክተር ተመሓላለፍቲ ሕማማት (Director of Infectious Diseases) ዝኾነ ፍሮደ ፎርላንድ: ኣብ ቀረባ እዋን ን SVT ኒውስ ከምዝሓበሮ፡ ኩሎም ዕድሚኦም ንትመህርቲ ዝበጽሑ …

  • 6 January

    ኣውስትራልያ: ንቪዛ ኮኾብ ተጻዋታይ ቴኒስ ሰሪዛ

    ኮኾብ ሰርብያዊ ተጻዋያት ቴኒስ ኖቫክ ጆኮቪች ናብ ከተማ መልበርን (ኣውስትራልያ) ድሕሪ ምእታዉ ቪዛኡ ክስረዝ ከም እተገብረ ተፈሊጡ። ንሱ ንብርክት ዝበላ ሰዓታት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ እታ ከተማ ተዓጊቱ ድሕሪ ምጽናሕ: ሰብ መዚ ምክትታል ዶባት: ዘድሊ ናይ መእተዊ ረቛሒታት ስለ ዘየማልአ ክስጐጒ ወሲኖም ኣለዉ። ድሕሪዚ ጆኮቪች: ናብ ሓደ መንግስታዊ መሐየሪ ሆቴል ከም እተወስደን ጠበቓታቱ ናብ ቤት ፍርዲ ጥርዓን ኣቕሪቦም ምህላዎምን ተፈሊጡ። ጆኮቪች: …

  • 6 January

    ደልሂ፥ ብሰንኪ ብርቱዕ ለበዳ: ሰዓት እቶ እቶ ኣዊጃ

    ህንዲ: ሳልሳይ ማዕበል ኮቪድ-19: ተአንግድ ኣብ ዘላትሉ እዋን: ከምኒ ደልሂ ዝበላ ዓበይቲ ከተማታት እታ ሃገር: ብሓደስቲ ሕሙማት ኣዕለቕሊቐ ምህላወን ይገለጽ ኣሎ። ብሰሉስ ጥራይ: 37,379 ሓደስቲ ልኹፋት ኮቪድ-19 ከም እተረኽቡ ዝገለጸ ጸብጻብ ቢቢሲ: እዚ ድማ ሓሙሽተ ዕጽፊ ናይቲ ቅድሚ ሳምንታት ዝረአ ዝነበረ ኣሃዝ ምዃኑ ኣመልኪቱ። እዚ ምውሳኽ ሕሙማት ብሰንኪ እቲ ኦሚክሮን ዝተባህለ ጅር ቫይረስ ይኽሰት ምህላዉ እውን ተገሊጹ። ሓደ ሲሶ ካብዞም …

  • 6 January

    ፈረንሳ፥ ኣብ ልዕሊ ዘይተኸትቡ ዜጋታት ጸቕጢ ትገብር

    ኣብ ልዕሊ ክታበት ኮቪድ-19 ዘይወሰዱ ሰባት ጸቕጢ ክግበር ምዃኑ ፕረሲደንት ፈረንሳ: ኢማኑኤል ማክሮን: ኣጠንቂቑ። ክሳብ ደኺሞም ክታበት ምውሳድ ዝጅምሩ እዚ ጸቕጢ ክንቅጽሎ ኢና ክብል እቲ ፕረሲደንት ምስ ላ ፓሪዝየ ዝተባህለ ጋዜጣ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ገሊጹ’ሎ። ንሱ ነዚ ዝበለ ብዛዕባ ኮቪድ ዝወጸ ኣዋጅ: ብሰንኪ ተቓወምቲ መንግስቲ ዝኾኑ ኣባላት ባይቶ: ናብ ትግባረ ከይኣቱ ድሕሪ ምጒታቱ እዩ። እንተኾነ ግና እዚ ካብ ሓደ …

  • 5 January

    Harmony Media News 05/01/2022

  • 5 January

    ጆንሶን . . . ኣብ ልዕሊ ሓለዋ ጥዕናታት ጸቕጢ ክህሉ ትጽቢት ይግበር

    ኣብ ዝመጹ ሳምትንታት፡ ኣብ ልዕሊ ሆስፒታላት ዓዲ እንግሊዝ፡ ዝፍጠር ጸቕጢ ኣዝዩ ጽንኩር ክኸውን ከምዝኽእል፡ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ቦሪስ ጆንሶን፡ ኣጠንቂቑ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ኣብ ቀረባ እዋን፡ ምስፍሕፋሕ ጅር ቫይረስ ኦሚክሮን፡ ‘ከልካሊ ዘይብሉ’ ክባሃል ብዝኽእል ብርኪ እዩ ዝጋዋሕ ዘሎ። ጆንሶን፡ ብዙሓት ሰራሕተኛታት ሕክምና፡ ብሰንኪ ኮቪድ-19 ካብ ዝሰርሑሉ ቦታ ይተርፉ ከምዘለው ከምዘስተውዓለ ገሊጹ። “በዚ ጸገም ብፍሉይ ዝተጸልው ከባቢታት ንምሕጋዝ ሰራሕተኛታት ካብን …

  • 5 January

    ዓጋዜናት፡ ጠንቂ ምስፍሕፋሕ ኮቪድ-19 ክኾና ከምዝኽእላ ተገሊጹ

    ኣብ ሃገረ ኣሜሪካ ዝርከቡ ጻዕዳ ‘ዝጭራኦም ዓጋዜናት ከም መተሓላለፍቲ ኮቪድ-19 ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ናይ ተፈጥሮ መጽሔት (journal Nature) ኣብ ዝባሃል ጋዜጣ ዝቐረበ ሓድሽ መጽናዕቲ ጥርጣረታት ከምዘለው ኣቃሊሑ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ኣብቲ መጽናዕቲ፡ ተመራመርቲ ኣብ ኦሃዮ ተባሂሉ ዝፍለጥ ቦታ ኣብ ዝነበረ ሃደን፡ ኣብ ልዕሊ ዝተቐትሉ ዓጋዘናት መርመራ ኣካይዶም። ካብቶም መርመራ ዝተገብረሎም 360 ዓጋዜናት፡ እቶም 129 (35.8%) ኮሮና ቫይረስ ከምዝነበሮም …

  • 5 January

    ስቶክሆልም . . . ልዕሊ ዕድመ ዝኾኑ ሰባት፡ ሳልሳይ እብረ ክታበት ክወስዱ ከምዝኽእሉ ተሓቢሩ

    ተቐማጦ ምምሕዳር ስቶክሆልም፡ ቅድሚ 6 ወርሒ 2ይ እብረ ክትባት ዝወሰዱ ዕድመኦም ልዕሊ 18 ዓመት ዝኾኑ ሰባት፡ 3ይ እብረ ክትባት ክወስዱ ከም ዝኽእሉ ተሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። 3ይ እብረ ክትባት ንምውሳድ ዝግበር ቆጸራ፡ ብናይ ሞባይል ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ኣቢሉ ኣብዚ ሰሙን ን 190 ሽሕ ሰባት በብእዋኑ ክስደዶም ምዃኑ እቲ ምምሕዳር ኣብ ዘውጾ መግለጺ ኣፍሊጡ። ብዘይካ እዚ፡ ብ ‘Always open’ …

  • 4 January

    ሞዛምቢክ . . . ፕረዚደንትን በዓልቲ ቤቱን ብሕማም ኮቪድ ተታሒዞም

    ፕረዚደንት ሞዛምቢክ፡ ፊሊፕ ኙሲን፡ ቀዳመይቲ ወይዘሮ፡ ኢሳውራ ኙሲን፡ ብኮቪድ ተታሒዞም ኣብ ውሸባ ምህላዎም ተፈሊጡ። ፕረዚደንትን በዓልቲ ቤቱን ብመሰረት መምርሒ ጥዕና እታ ሃገር ፖሲቲቭ ኮይኖም ብምርካቦም ዋላ’ውን ምልክታት እቲ ሕማም ኣየርእዩ ኣብ ውሸባ ክጸንሑ ተጌሩ ምህላዉ ካብ ቤት ዝሕፈት ፕረዚደንት እታ ሃገር ዝወጸ ጸብጻብ ኣመልኪቱ’ሎ። ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ድሕሪ ዝካየድዎ ዝተፈላለዩ ንጥፈታት ኲነታት ጥዕናኦም ክምርምሩ ምውሳኖም እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ኣመልኪቱ። ኣብ …

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com